ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት እዩ
ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሎሚ ዕለት 13 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ክርስቲያን ናይ ዓለም መንፈስ ዘይኰነስ ናይ መስቀል “ዕሽነት” ዝነብር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ክርስቲያን ምዃን ቀሊል ኣይኰነን ይዅን ደኣ እምበር ሕጉስ ይገብር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ዝሕብረና መገዲ ክርስትና ናይ ምሕረትን ናይ ውሳጣዊ ሰላምን እዩ፡ ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓተ ኣምልኰ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 6፡ 27-38 ዝተወስደ ኣሞርኵይዞም ጐይታ ናይ ደቀ መዝሙር ሕይወት ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብረና፡ እዚ ኸኣ ብትምህርቲ ብፅዕናን ግብረ ምሕረትን ዝሓልፍ ምዃኑ እዩ።
ኣንጻር ናይ ዓለም ኣመክንዮ ምጉዓዝ
ናይ ሎሚ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሕይወት ክርስትና ንምንባር ኣርባዕተ ኣገደስቲ ኵነት የቕርበልና፡ እቲ ቀዳማይ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ንዝጸልኣካ ሰናይ ግበር፡ ነቶም ዝረግሙኻ ባርኽ ነቶም ዘሳቕዩኻ ጽልይ ዝብል እዩ፡ ክርስቲያን ብጭራሽ ናብቲ ናብ ውግእ ዘብጽሕ ናይ በለካን ለኻዓካን ሕሜታን ወይ ናብቲ ናይ ምጽርራፍን ምጽላእን ኣመክንዮ ከብል የብሉን፡ ነቲ ሽግር ዝፈጥረልካ ዘቆጥዓካን እትጽልየሉ ግዜ ርኸብ ዝብል ሕይወት እዩ።
ናይ ሕይወት ክርስትና ኣገባብ ከምኡ እዩ፡ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ንዝጸልኣካ ሰናይ ግበር፡ ንዝረግሙኻ ባርኽ ንዘሳቕዩኻ ጸልይ ዝብሉ ኣርባዕተ ኣገባባት ሕይወት ክርስትያን ዘይነብሮም እንተዀንና ኸ? እወ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልካ ስለ ዝዀንካ ክርስቲያን ኢኻ፡ ይኹን ደኣ እምበር ልክዕ ከም ሓደ ኣረምን ኢኻ እትነብር፡ ብናይ ዓለምነት መንፈስ እትነብር፡
ናይ መስቀል ዕሽነት
ንጸላኢኻ ወይ ከኣ ካብቲ ናትካ ውድብ ዝተፈልየን ናይ ዘይውድብካ ኣባል ንዝዀነ ምጥቓዕን ጠያይት ምፍናውን ቀሊል እዩ፡ ናይ ሕይወት ክርስትና ኣመክንዮ ግና ኣንጻር ናቱ እዩ ዝኸይድ፡ ናይ መስቀል ዕሽነት ዝስዕብን ዝነብርን እዩ፡ ኣወ ከም ውሉደ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።
ናይ ክርስቲያን ምሕረት
ሕይወት ኣብ መንጐ ክልተ ዝቐርበሉ ዕድመታት እዩ ዘንሳልል፡ እቲ ናይ ኣቦ ዕድመን እቲ ንኽንኩንን ንኽንፈርድን ንኸነዕንውን ዝድርኸና ናይ ከሳሲና ዕድመን እዩ፡
እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።