ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት እዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት እዩ  (Vatican Media)

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት እዩ

ናይ ሎሚ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሕይወት ክርስትና ንምንባር ኣርባዕተ ኣገደስቲ ኵነት የቕርበልና፡ እቲ ቀዳማይ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ንዝጸልኣካ ሰናይ ግበር፡ ነቶም ዝረግሙኻ ባርኽ ነቶም ዘሳቕዩኻ ጽልይ ዝብል እዩ፡ ክርስቲያን ብጭራሽ ናብቲ ናብ ውግእ ዘብጽሕ ናይ በለካን ለኻዓካን ሕሜታን ወይ ናብቲ ናይ ምጽርራፍን ምጽላእን ኣመክንዮ ከብል የብሉን፡ ነቲ ሽግር ዝፈጥረልካ ዘቆጥዓካን እትጽልየሉ ግዜ ርኸብ ዝብል ሕይወት እዩ።

ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሎሚ ዕለት 13 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ክርስቲያን ናይ ዓለም መንፈስ ዘይኰነስ ናይ መስቀል “ዕሽነት” ዝነብር ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክርስቲያን ምዃን ቀሊል ኣይኰነን ይዅን ደኣ እምበር ሕጉስ ይገብር፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦ ዝሕብረና መገዲ ክርስትና ናይ ምሕረትን ናይ ውሳጣዊ ሰላምን እዩ፡ ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓተ ኣምልኰ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 6፡ 27-38 ዝተወስደ ኣሞርኵይዞም ጐይታ ናይ ደቀ መዝሙር ሕይወት ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብረና፡ እዚ ኸኣ ብትምህርቲ ብፅዕናን ግብረ ምሕረትን ዝሓልፍ ምዃኑ እዩ።

ኣንጻር ናይ ዓለም ኣመክንዮ ምጉዓዝ

ናይ ሎሚ ስርዓተ ሊጡርጊያ ሕይወት ክርስትና ንምንባር ኣርባዕተ ኣገደስቲ ኵነት የቕርበልና፡ እቲ ቀዳማይ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ንዝጸልኣካ ሰናይ ግበር፡ ነቶም ዝረግሙኻ ባርኽ ነቶም ዘሳቕዩኻ ጽልይ ዝብል እዩ፡ ክርስቲያን ብጭራሽ ናብቲ ናብ ውግእ ዘብጽሕ ናይ በለካን ለኻዓካን ሕሜታን ወይ ናብቲ ናይ ምጽርራፍን ምጽላእን ኣመክንዮ ከብል የብሉን፡ ነቲ ሽግር ዝፈጥረልካ ዘቆጥዓካን እትጽልየሉ ግዜ ርኸብ ዝብል ሕይወት እዩ።

ናይ ሕይወት ክርስትና ኣገባብ ከምኡ እዩ፡ ጸላኢኻ ኣፍቅር፡ ንዝጸልኣካ ሰናይ ግበር፡ ንዝረግሙኻ ባርኽ ንዘሳቕዩኻ ጸልይ ዝብሉ ኣርባዕተ ኣገባባት ሕይወት ክርስትያን ዘይነብሮም እንተዀንና ኸ? እወ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበልካ ስለ ዝዀንካ ክርስቲያን ኢኻ፡ ይኹን ደኣ እምበር ልክዕ ከም ሓደ ኣረምን ኢኻ እትነብር፡ ብናይ ዓለምነት መንፈስ እትነብር፡

ናይ መስቀል ዕሽነት

ንጸላኢኻ ወይ ከኣ ካብቲ ናትካ ውድብ ዝተፈልየን ናይ ዘይውድብካ ኣባል ንዝዀነ ምጥቓዕን ጠያይት ምፍናውን ቀሊል እዩ፡ ናይ ሕይወት ክርስትና ኣመክንዮ ግና ኣንጻር ናቱ እዩ ዝኸይድ፡ ናይ መስቀል ዕሽነት ዝስዕብን ዝነብርን እዩ፡ ኣወ ከም ውሉደ እግዚኣብሔር ምንባር ማለት እዩ ኢሎም።

“መሓርቲ ጥራሕ እያቶም ንእግዚኣብሔር ዝመስሉ፡ ‘ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም መሓርቲ ኩኑ’ እዚ እዩ እቲ ኣንጻር መንፈስ ዓለምነት ዝኸይድ መገዲ ሕይወት ክርስትና፡ ዘይፈርድ ዘይኸስስ ዘይኩንን፡ ስለምንታይ ኣብ መንጐና እቲ ዓቢይ ከሳሲና ኣሎ፡ እቲ ወትሩ ንኸዕንወናን ከጥፍኣናን ቢሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እናኸደ ዝኸሰና፡ ኣብ ከሳስን ፈራድን ረጋምን ኣብ ልዕሊ ካልእ ግብረ እከይ ኣብ ምፍጻ ስነ መጐት ምስ ዝኣትው፡ ናብቲ ምሕረት ዝተቐበለ ክነሱ ምሕረት ናብ ዘይፈልጥ ናይቲ ዓቢይ ከሳስን ኣዕናውን ዝዀነ ስነ መጐት እየ ዝኣትው፡”

ናይ ክርስቲያን ምሕረት

ሕይወት ኣብ መንጐ ክልተ ዝቐርበሉ ዕድመታት እዩ ዘንሳልል፡ እቲ ናይ ኣቦ ዕድመን እቲ ንኽንኩንን ንኽንፈርድን ንኸነዕንውን ዝድርኸና ናይ ከሳሲና ዕድመን እዩ፡

“እውን ንሱ እዩ ዘዕንወኒ ዘሎ! ግና ንስኻ ንኻልኦት ብተራኻ ኣይተዕንው፡ ንስኻ ናብቲ ናይቲ ከሳስን ዝወቅስን ስነ መጐት ወይ ኣመክንዮ ክትኣትው የብልካን፡ ክፈርድን ግድን እዩ ንብል ንኸውን፡ እወ ገዛእ ርእስኻ ምኽሳስን ምውቃስን እዩ ዘድሊ፡ ኣንሕና ክርስቲያን ክንፍጽሞ ዘሎና ግብረ ክሲ እንተድኣ ኣሎ ገዛእ ርእስና ምንቃፍ እዩ፡ ንኻልኦት ምሕረት ጥራሕ ክንገብር እዩ ግቡእና፡ ስለምንታይ ደቂ እቲ መሓሪ ዝዀነ እግዚኣብሔ ስለ ዝዀንና”

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምሕረት ናይ ክርስቲያን ኣገባብ ሕይወት እዩ
13 September 2018, 16:24
ንኩሉ ኣንብብ >