2018.09.06 ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅ.ማርታ 2018.09.06 ቅዳሴ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቤተጸሎት ቅ.ማርታ  (Vatican Media)

ኣብ ሕይወት ክርስትና ንምግስጋስ ንካልኦት ምኽሳስ ዘይኮነ በእከይየ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ምኽሳስ የድሊ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ናይ ሎም ንግሆ መስከረም 6 2018ዓምፈ ስብከቶም ‘ድሕነት ኢየሱስ ንሥነ ጽባቄ እትጥቀመሉ መመላኽዒ ዘይኮነስ ንሕይወት ብሓቂ ዝልውጥ እዩ። ስለዚኸስ ሓጢኣተኛታት ምዃና ፈሊጥና ንገዛእ ርእስና እምበር ንካልኦት ክንከስስ ከምዘይብልና ንፍለጥ።’ እንክብሉ ነቶም ምሳኦም ሓቢሮም ክቅድሱ ዝመጹ ጳጳሳትን ካህናትን ከቀድሱ ዝመጹ ምእምነናን ጒዕዞ ሕይወት ክርስትና መንፈስ ትሕትናን ንስሓን ክንለብስ ከምዝግድደና ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ናይ ሉቃስ ዝተወስደ ኮይኑ ኣብ ሓሙሻይ ምዕራፍ ብዛዕባ ጸዋዕታ ሓዋርያት ዝገልጽ ክፍሊ እዩ። ኣብ ጥቃ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ኣብ መርከብ ስምዖን ደይቡ ምስ ሰበኸ ኩነታቶምን ጸገሞምን ተረዲኡ መርበብኩም ኣውርዱ ምስ በሎም ምሉእ ለይቲ ሰሪሕና ዝሓዝናዮ የብልናን ግን ከም ቃልካ ነውርዶ ኢሎም ምጒታቱ ክሳብ ዝስኡኑ ብዙሕ ዓሣ ከምዝሓዙን ኩነታቱ ዘደንጸዎ ስምዖን ከኣ ኣብ ብርኪ ኢየሱስ ተደፊኡ ‘ጐይታይ ኣነ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ እሞ ካባይ ርሓቅ’ ምስ ኢየሱስ ‘ኣይትፍራህ ካብ ሕጂ ንደሓር ገፋፊ ሰብ ክትከውን ኢኻ’ እንክብል ከምዝጸወዖ የዘንቱ።

ቅዱስነቶም ኣብታ ስምዖን ደሓር ጴጥሮስ ዝብል ስም ዝቅበል ዝገበሮ ትሕትናን ተኣምኖተ ሓጢኣትን ብምትኳር ንካልኦት ክንዲ ምኽሳስ ሓጢእተኛታት ምዃና ክንፈልጥ ከምዘድሊ ከምዚ ከይገበርካ ሕይወት ክርስትና ክነብሮን ክንጐዓዞን ዘይከኣል እዩ ኢሎም።

ታሪኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዛዕባ ንስሓን ሓቀኛ ጣዕሳን ብዙሕ ዝምህረና ኣለዎ። ስሙ ካብ ስምዖን ናብ ጴጥሮስ ክቅየር እንከሎ ሓዲስ ተልእኮ ከምዝተዋህቦ ካብ ገፋፊ ዓሣ ናብ ገፋፊ ሰብ ምዃን ይልወጥ። እዛ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝተጠቅሰት ተኣምር ድሕሪ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ትድገም ኣብኡ እውን እንተኾነ ሓደ ዓቢይ ምሥጢረ ንስሓ ይፍጸም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንስምዖን ጴጥሮስ ካብ ካልኦት ኣብሊጹ ከምዘፍቅሮ ሠለስተ ግዜ ይሓቶ ነቲ ሠለስተ ክሕደቱ ክኽሕስ ይብሉ ሊቃውንቲ።

ቅዱስነቶም ንክልቲኡ የነጻጽሩ እሞ ኣብቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ምልስ ኢሎም ጒዕዞ ሕይወት ናይ ስምዖን ከነስተንትን ይዕድሙ። ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ክርስትና ከኣ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እቲ ስምዖን ዝገበሮ ‘ኣን ሓጢእተኛ ሰብ እየ’ ኢልካ ሓጢኣትካ ምፍላጥ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።

ቀዳማይ ስጉምቲ ጒዕዞ ክርስትና ሓጢኣተኛታት ከምዝኾና ምዝካር!

ስምዖን ኢየሱስ ኣብ ጃልባኡ ኮይኑ ክሰብኽ እንከሎ ከም ማንም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ይሰምዕ ነሩ። እቲ ዝሰብኽ እቲ መሲሕ ምዃኑ ዝተሰቈሮ ኣይመስልን። ግን ኣብ ጃልባኡ ክድይብ እሞ ኣብኡ ኮይኑ ክምህር ኣይተቃወመን። ንዓ ነዛ ጃልባኻ ንውሽጢ ገጻ ኣብቲ ዓሚቚ ኣቅርባ ክብሎ ከሎውን ዝርድኦ ዝነበረ ኣይመስልን። ንሰከዔታትኩም ንውሽጢ ደርብይዎ ዓሣ ክትገፉ ክብሎ እንከሎ ቁሩብ ዝተበራበረ ይመስል። እዝጊ ተዓወት ኢልዎ ግን ከም ቃልካ ኢሉ ዘይተኣደነ ዓሣ ይገፍፍ። እቲ ሰክዔት ክቅደድ ክሳብ ዝደሊ ይብል ሉቃስ ወንጌላዊ። ነዚ ምስ ረኣየ እዩ እምበር ከምቲ ድሕሪ ትንሣኤ ጥራሑ ምዃኑ ተረዲእዎ ጐይታ እዩ እውን ምስ በልዎ ናብ ባሕሪ ዝተወርወረ ‘ጐይታይ ኣነ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ ካባይ ርሓቅ’ በለ።

እዚ ስጉምቲ ናይ ጴጥሮስ ሓዋርያ ክርስቶስ ወይውን ተኸታሊ ክርስቶስ ንምዃን ቀዳማይን ወሳንን ስጉምቲ እዩ። ‘ሓጢኣተኛ ሰብ እየ’ ኢልካ ንርእስኻ ምኽሳስከስ ረድኢ ክርስቶስ ንምዃን ቀዳማይን ወሳንን ስጉምቲ እዩ። ንኢየሱስ ክንስዕብ መንፈሳዊ ሕይወት ክንጅምር ኣገልገልቱ ክንከውን እንተደሊናኸስ እዚ ቀዳማይ ስጉምቲ ጴጥሮስ ናይ ነፍስወከፍና ስጒምቲ ክከውን ኣለዎ።  ኣብ ሕይወት ክርስትና በእከይየ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ከይከሰስካ ንቅድሚት ምግስጋስ ዘይሕሰብ እዩ።

ድሕነት ኢየሱስ መመላኽዒ ዘይኮነስ ንሕይወት ካብ ሱሩ ዝልውጥ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ጒዕዞ ሕይወት ክርስትና ሽሕ እኳ እታ ቀዳመይትን ወሳኒትን ስጉምቲ ሓጢኣተኛታት ምዃና ምፍላጥን ምእማንን እንተኾነ ኣብዚ ሓደ ሓደጋ ከምዘሎ ክሓብኡ ኣይደለዩን። ሓጢኣተኛታት ምዃና ምፍላጥን ምእማንን ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ጸገም ሓጢኣተኛ እየ ምባል ዝለመድናዮ ንመስል ከመይ ምስኡ ኣተሓሕዝ ኣቢልና ሰባት ከኣ ኢና ብምባል መመኽነይታ ሃሰስ ንብል። እዚ ክሲ ገዛእ ርእስና ብሓቂ ሕስረትና ፈሊጥና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር መደንግጽ ምዃና ክስቈረና ክፍለጥና ኣብ ውሽጢ ልብና እቲ ሓቀኛ ኩነትና ክፍለጠናን ሕፍረት ክስመዓናን ኣለዎ። እንተዘየሎ ንስሙ ሓጢኣተኛ እየ ኢልካ ብኣፍካ ጥራይ ለለይ ለውጢ ኣይከምጽእን። ነዚ ዘረድኣና ናይ ስምዖን ኩነት እዩ። ስምዖን ብሓቂ ሓጢኣተኛ ኮይኑ ስለዝተረድኦ ብምሉእ ልቡ እዩ ንኢየሱስ ካባይ ርሓቅ ኣነ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ ይብል። ኢየሱስ ኣይትፍራህ ምስ በሎ ዝደሓነ ኮይኑ ይስምዖ። ስለዚኸስ እታ ኢየሱስ ዘምጽኣልና ድሕነት እዚ ኑዛዜ እዚ ስለዘድልያ መመላኽዒት ወይ ንጣዕመ ልሳን ሓጢኣተኛ እየ ኢልካ ምድግጋም ዘይኮነ ሓቀኛ ለውጢ ሱርበተኽ ለውጢ ይሓትት። ንስሓ ከምዚ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምሉእ ልብኻ እትገብሮ እዩ። እዚ ንስሓ እዚ ከኣ ድሕነት ኢየሱስ ከምትቅበል ዝገብር። ስለዚ ሓጢኣትካ እምበር ሓጢኣት ካልኦት ምንዛዝ ስለዘየድልየካ ዋና እውን ስለዘለዎ ብዛዕባ ካልኦት ሕማቅ ዘረባ ኣይትዛረብ ኣይትሕመ ኣይትንቀፍ።

ንካልኦት ኣይትሕመ!

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ኣብ ብዙሕ ኣስተምህሮታት ከምዝበልዎ ንሕሜታን ቤላበለውን ጉድኣቱ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ከምዝኾነ ካብ ግለሰብ ክሳብ ዓዲ ከጥፍእ ዝኽእል ምዃኑ ገሊጾም። እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናይ ለውጢ ከምቲ ናይ ስምዖን ብሕፍረት ተዋሒጥካ ንገዛእ ርእስኻ ምኽሳስን ምሕረት ከምዝተቀበልካ ከምዝስመዓካን ስለዝኾነ ክንልወጥ ኣሎና ክንንሳሕ ኣሎና ካብ ንካልኦት ናይ ምኽሳስ ፈተና ከኣ ንህደም ኢሎም።

“ንካልኦት ክሓምዩ ጥራይ ዝነብሩ ሰባት ኣለው! ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ከይሓሰብ ንካልኦት ጥራይ ዝነበረ ንከምስሉ ከኣ ናብ መንበረ ኑዛዜ ቀሪቦም ከም ሕንጻይ ሓጢኣት ዝድርድሩ እቲ ሓቁ ግን ብሓቂ ካብ ልቢ እንተኾይኑ ንገዛእ ርእስኻ እዩ ብሓቂ ዝኽሰስ። ክተስተማስል ኣብ መንበረ ኑዛዜ ምቅራብ ጽቡቅ ኮይኑ ክስመዓካ ወይ ክትመስል ኢልካ ምኻድ ኣይግድን። ልብኻ ምሉእ ብምሉኡ ስለትዓጽዎ ኢየሱስ ክኣቱ ኣይክእል ምሕረቱ ክቀርበካ ኣይክእል ከመይ ንካልኦት እምበር ንገዛእ ርእስኻ ብሓቂ ክትከስስ ኣይከኣልካን። እዚ ግን ምናልባት ባዕልና ንኽእሎ ከይመስለና ትዕድልቲ እዩ! ጸጋ እዩ እሞ ሓጢኣተኛታት ምዃና ብጭብጢ ንክስቈረና ንጐይታ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።”

ብሓቂ ሓጢኣተኛታት ኰና ንክስመዓና ጸጋ ኣምላኽ የድልየና!

ስምዖን ብዛዕባ ኢየሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ምስ መስከረ ኢየሱስ ንኢድዎ ግንከ ካብ ሥጋን ደምን ዘይኮነስ ነዚ ጸጋዚ ካብ ሰማያዊ ኣቦኡ ከምዝረኸቦ ገሊጹ ዕድለኛ ኢኻ ብዘስምዕ ቃና ጴጥሮስ ኢሉ ሓዲስ ስም ሂቡ ከውሒ ኮይኑ ቤተክርስትያኑ ኣብኡ ከምዝሃንጽ ይገልጸሉ፣ ብሓቂ ዕድለኛ ካብ ዓቢ ሓጢኣተኛ ናብ ዓቢ ጻድቅ ይልወጥ። ንካልኦት ክንዲ ምሕማይን ምፍራድን ገዛእ ሓጢኣትካ ንክትፈልጥ ንክትመሃርከስ ጸጋ እግዚአብሔር ብግዲ የድሊ።

“ሓደ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ካብ ምኽሳስ ንካልኦት ምኽሳስን ምሕማይን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ጠብሎቅሎቅ ዝብልን እንተኾይኑ እዚ ሕማቅ ምልክት እዩ። ከምኡዶ እገብር እየ ኢልና ክነስተንትን ግዜኡ እዩ። ናብ ልብና እትበጽሕ ጽቡቅቲ ሕቶ እውን እያ። ሎሚኸስ ንጐይታ በዚ ስምዒት እዚ እናተሳቀና ኣብ ቅድሚኡ ቀሪብና ጸጋኡ ክህበና እሞ ሓጢኣተኛ ክንፈልጥ ብጭቡጥ መንገዲ ከኣ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ‘ጐይታይ ካባይ ርሓቅ ኣነ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ’ ንምባል የብቅዓና። እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 September 2018, 18:26
ንኩሉ ኣንብብ >