ድለ

2018.06.19 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ 2018.06.19 መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ክርስትያንሲ ስለ ጸላኢኡ ይጽሊ የፍቅሮ ከኣ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ‘ጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድድኹም ከኣ ጸልዩ’ ዝበሎ ተመርኲሶም ነዘን ቃላት እዚአን ዓቢይ ምሥጢር ክብሉ ገሊጾም እንከብቅዑ እዚ ምሥጢር እዚ ከኣ እቲ እንኮ መንገዲ ክርስትያን ከም ሰማያዊ ኣቦኦም ፍጹማት ክኾኑሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምዃኑ ገሊጾም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብቲ ኣብ ዕለቱ ዝተነበ ወንጌል ማቴ 5.43 ‘ንብጻይካ ኣፍቅር ንጸላኢኻ ጽላእ’ ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹ ኣነ ግን ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘኢሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ ከመይ ንሱ ንጸሓዩ ኣብ ልዕሊ ክፉኣትን ሕያዎትን ዘብርቅ ኣብ ልዕሊ ጻድቃንን ሓጥኣንን ከኣ ዜዝንም እዩ፣ ንዜፍቅሩኹም እንተደኣ ኣፍቂርኩ እንታይ ሞያ ኣሎኩም! ተጋውያንስ ከምኡዶ ኣይገብሩብ እዮም! ነኅዋትኩ ጥራሕ ሰላም እንተበልኩም እንታይ ኅልፊ ገበርኩም! ኣሕዛብስ ከምኡዶ ኣይገብሩን እዮም! እምበርአርከስ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹ ፍጹም ዝኾነ ንስኻትኩም እውን ፍጹማት ኩኑ’ ንዝብል ክፍሊ እንደገና ብምንባብ ‘ነቲ ከዕኑ ተዓጢቁ ዝመጽእ ጸላኢና ብምምሓር ስለኡ ብምጽላይ ብምፍቅሩ ክንዕወተሉ ከምእንኽእል ቃላት ኢየሱስ የስተምህር። ነዚ ከኣ ኣብነት ሰማያዊ ኣቦና ብምኽታል ክንገብሮ ኣሎና፣ ንኩለንትናዊ ግድል ዝፈትሖ ኩለንትናዊ ፍቅሪ ከም ናይ ሰማያዊ ኣቦና እዩ፣ ስለዚ ንጐይታ እዛ ጸጋ እዚ ሃበና ንጸላእትና መሪቅና ምእንቲ ክንክእል ሓግዘና ንክነፍቅሮም ክንጋደል ጸጋ ሃበና ንበሎ’ እንክብሉ ክርስትያን እየ በሃሊ ኩሉ ብተግባር ንሰያማዊ ኣቦኡ ክመስል ኣዘኻኺሮም፣

ምእንቲ ክንመሓር ክንምሕር ኣሎና!

እዚ ዘዘኻኽረና ነገር እንተሎ ይብሉ ቅዱስነቶም ኩልና ክንምሕር ከምዘሎና ይረድኣና እዩ! ኣብታ እንኮ ጐይታ ዝመሃረና ጸሎት ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር እንረኽቦ `ከምቲ ንዝበደሉና ይቅረ እንብለሎም ንበደላትና ይቅረ በለለና’ እናበልና ዕለት ዕለት ንደግሞ! ሓደ ውዑል እዩ፣ ሽሕኳ ቀሊል እንተዘይኮነ ክንገብሮ ዘሎና ሓደ ውዑል እዩ፣ ማዕረ ማዕረኡ ዝኸይድ ከኣ እዚ ሎሚ ዝሰማዕናዮ እዩ ማለት ምእንቲ ካልኦት ምጽላይ! እዚ ንዝፈትውኻ ነዕሩኽትኻ ንዝተጸገሙ ብሓፈሻ ክትገብሮ ኣይከብድን ኮይኑ ምእንቲ እቶም መዅ ዘብሉኻ ዘጻብቡልካ ዝፈታተኑኻ ምጽላይ ግን ብሓቂ ከቢድ እዩ! ኮይኑ ግን ግድን ክንገብሮ ኣሎና! ጐይታ ይእዝዝ ኣሎ! እንተወሓደ ሓንሳእ ሓንሳእ ንዕወት ንኸውን፣

ካብ ኣብነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሰማዕታትን ንመሃር!

‘ኮይኑ ግን ምእንቲ እቶም ከዕንውኒ ዝቃለሱ ምጽላይ ንጸላእተይ እግዚብሔር ክባርኾም ምጽላይ! እዚ ብሓቂ ንክትርድኦ ከቢድ እዩ፣ ሕስብ እሞ ነብሎ ዝሓለፈ ዘመን ኣብ ኮሙኒስታዊት ሩስያ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያን ክርስትያን ጥራይ ብምዃኖም ብዛሕሊ ብቀዝሒ ምእንቲ ክሞቱ ኣንብ ሲበርያ ዝበሃል መዳጎኒ ይስደዱ ነሮም፣ እዚኦምዚ ምእንቲ እቶም በላዕቲ ሰብ ዝኾኑ ናብቲ ቀዝሒ ዝለኣኽዎም መራሕቲ ክልምኑስ ዝከኣልዶ ይመስል! እዝስ ፈጺምካ ዘይመስል እዩ! ኮይኑ ግን ብዙሓት ገሮሞ ምእንቲ እዞም መራህቲ ጸልዮም፣ ከምኡ እውን ኣውስቪጽ መዳጎኒ ዕብራውያንን ካልኦትን ናይ ሂትለር ከምኡ እውን ካልኦት ተመሳሳሊ ቦታታት ዝነበሩ ንሕልፈትን ህልቂትን ተዳጒኖም ዝነበሩ ክርስትያን ምእንቲ ዓሌቶም ከጽንት ተዓጢቁ ዝነበረ ውልቀ መላኺ እግዚብሔር ክባርኾ ይጽልዩ ነሮም፣ ነዙይ ዝገበሩ ብዙሓት እዮም’ እዝስ ከመይ ቢልካ ይኸውን ፈጺምካ ዘይከውን እዩ ክንብል ንኽእል እታ ሓንቲ ትምህርትን ኣብነትን እትኾነና እቲ መምህርናን መድሓኒናን ዝኾነን ጐይታን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኣየና ትምህርትን ካልኦት ተኸተልቱ ሰማዕታት ዝሃቡና ምስክርነትን እዩ፣

ብሓቂ ከቢድን ስግንጢራውን ስነሞጎት እዩ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንትምህርቱ ወትሩ ብተግባር ባዕሉ ብዝህቦ ኣብነት ምስ ኣሰነዮ እዩ፣ ነዛ ሎሚ እነስተንትና ዘሎና ትምህርቱ ማለት ‘ምእንቲ እቶም ዘሳድዱኻ ዝቀትሉኻ ምጽላይ’ ባዕሉ ኣብ ዕጸ መስቀል እንከሎ ምእንቲ እቶም ዝሰቅልዎ ዝነበሩ ‘ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’ ክብል ዝጸለዮ ዓቢ ትምህርቲ እንኽኸውን! እቲ ተኸታሊኡ ዝነበረ ቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ እውን ምርታዑ ምስ ሰኣኑ ከምቲ ናይ ጐይታኡ መሳኻኽር ሓሶት ኣምጺኦም ከም ናይ ናቡተ ብዳርባ እምኒ ዝቀተልዎ ትንፋሱ ክትሓልፍ ቊሩብ ተሪፍዋ እንከሎ ኦ ጐይታ ይቅረ በለሎም እንክብል እዩ ናብ ክብሪ ጐይታ ሰጊሩ፣።

‘ሕስብ እሞ ኣብልዎ ኣብ መንጎ እቶም ንእሽቶ በደል ክንምሕር ክንደይ ዓቀብ ዝኾነናን ኣብነት መምህሩ ተኸቲሉ ንቀተልቱ መሓሮም ዝብል ዘሎ ቅዱስን ዘሎ ፍልልሲ ሰማይን ምድርን ኣዩ፣ እዝስ ይትረፍ ኣብ ሥድራቤታት ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ገለ ባእሲ ክመሓሓሩ ናይ ሓማት እሞ ከኣ ዝገደደ እዩ፣ ቀሊል ኣይኮነን፣ ሓደ ውሉድ ነቦኡ ይቅረ በለለይ ክብል ከቢድ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንዝቀትሉኻ ዘርእኻን ዓሌትካን ንከጥፍኡ ንዝቃለሱ ክትምሕር! ምምሓር ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ እግዚአብሔር ምእንቲ ክሕልዎም ምእንታኦም ክትጽልን  ሕልፍ ኢልካ ከኣ ክተፍቅሮምን ብሓቂ ከቢድ እዩ፣ ካብዚ ንንየው ክንከይድ ኣይንኽእልን ነዚ ዝገልጾ ቃሊ ኢየሱስ ጥራይ እዩ፣ ቃል ሕይወት ስለዝኾነ ከኣ ክንእዘዞ ትሑዛት ኢና፣ ብካልእ ኣዘረርባ ነዚኣ ንምርዳእ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍጹማን ክንከውን ኣሎና። ከመይ ንሱ ‘ንጸሓዩ ኣብ ልዕሊ ክፉኣትን ሕያዎትን ዘብርቅ ኣብ ልዕሊ ጻድቃንን ሓጥኣንን ከኣ ዜዝንም እዩ፣’

ንሕና ክንገብራ ዘሎና ነታ ንሱ ዝብለና ማለት ‘ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝኾነ ፍጹማን ኩኑ’ ንዝብለና ኣብ ግብሪ ክነውዕል ጸጋኻ ሃበኒ ጐይታየ ኢልና ክንጽሊ ኣሎና፣

ኣብ መወዳእታ ቅዱነቶም ሃንደበታዊ ዝኾነ ሕቶ ናብቶም ተሳተፍቲ ቅዳሴ ብምቅራብ ሎሚ ብዛዕባ ጸላእትና እንተሓሰብና ኣይሓስመናን እዩ ይብሉ እሞ ኩልና ይብዝሑ ይውሓዱ ዝጸልኡና ወይ ንጸልኦም ከምዘይሰኣኑ ከምዚ ክብሉ የዘኻኽሩ፣

“ ‘ብዝመስለኒ ኩልና ጸላኢ ኣይንስእንን ኢና እሞ ሎሚ ብዛዕባ ሓደ ጸላኢ እንተስተንተና ክሕግዘና እዩ፣ ሓደ ሕማቅ ዝገበረና ወይ ሕማቅ ነገር ክገብር ዝሓስብ ነስተንትን፣ ኣብ ናይ ማፍያ ዓለም ወይልኻ ከርእየካ እየ ብዕጽፊ ክትከፍላ ኢኻ! ዝብል እንክኸውን ናይ ክርስትያን ዓለም ጸሎት ግን ‘ኦ ጐይታ ቡራኬኻ ዓድሎ ንከፍቅሮ ከኣ መሃረኒ’ ትብል እያ እሞ ፍልይ ኣቢልና ሓደ ዝጸልኣና ስብ ዘኪርና ምእንታኡ ንጸሊ ንከንፍቅሮ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና እውን ንለምን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ ፍ ቊሩብ ተሪፍዋ እንከሎ ኦ ጐይታ ይቅረ በለሎም እንክብል እዩ ናብ ክብሪ ጐይታ ሰጊሩ፣። ”

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቅ!
19 June 2018, 10:18
ንኩሉ ኣንብብ >