2018-06-14 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 2018-06-14 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ  (Vatican Media)

ዘለፋን ባእስን ንመጻኢ ስለዘጸልምት ናብ ዕርክነት ምስግጋር ይምረጽ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ዘለፋ ናይ ብጻይና መሰልን ክብርን ስለዝትንክፍ ካብ ዘለፋ ምስ እንቊጠብ ብጻይና ንክዓቢ ከም እንሕግዞ’ ገሊጾም፣

ኣባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ማቴዎስ 5 ከኣ “ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን እዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፣ ናብ መንግሥተ ሰማያት ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ። ‘ንቀዳሞት፡ ‘ኣይትቕተል፣ ዝቐተለ ኩሉ ንኩነኔ ዝተገበኤ እዩ፡’ ከም ዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግን፡ ንኃዉ ዚቚጠዓሉ ዂሉ ናብ ፍርዲ ክቐርብ፣ እቲ ንኃዉ፡ ‘ኣታ ዓሻ’ ዚብሎ ከኣ ንገሃነም እሳት ዝተገበኤ እዩ እብለኩም ኣሎኹ፣ እምበኣርከስ መባእካ ኣብ መሠውዒ እንተ ኣቅረብካ፡ ኣብኡ ከኣ ኃዉኻ ፈሪዱልካ ከም ዘሎ እንተ ዘከርካ፣ ነቲ መባእካ ኣብ ቅድሚ እቲ መሠውዒ ኅደጎ፣ ኬድካ ቅድም ምስ ኃውኻ ተዓረቕ፣ ደኅሪዙይ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” ዝብል ነበረ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ቃል ወንጌል መሠረት ብምግባር ናብ ናይ ዕለታዊ ናብራና ዘጋጥሙ ምናዳ እቶም ብመካይን ኣብ ናይ ታህዋኽ ሰዓት ዝጐዓዙን እሞ ጭቅጭቅ ምስ በዝሔ ክትቋየቊ ክትቊጣዕ ንቡር እኳ እንተመሰለ ካብ ቅንእን ሕስድናን ዝተላዕለ ዘለፋን ቈይቊን ጸለመን ግን ነቲ ብጻይና ዳርጋ ክንቀትሎ ንጅምር ነቲ ብሰብ ዘለዎ ኣኽብሮት ኣጥፊእና ክብሩ ነጉድል መጻኢኡ ነጸልምቶ፣ እዚ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ጐይታና ኢየሱስ ቅድሚ መባእ ምቅራብና ክንገብሮ ዝሓተና ዕርቂ ክብሪ ካልኦት ብምሕላው ክብርና እውን ከም እንሕሉ ስለዝገብረና መሠረታዊ ለውጢ እዩ፣

 ምስ መባእስትኻ ቀልጢፍካ ተዓረቅ!

“‘[ ምስ መባእስትኻ ቀልጢፍካ ተዓረቅ’ እንተዘይኮነ እቲ በዓል ነገርካ ናብ ዳኛ ንሱ ኸኣ ናብ ዘብዔኛኡ ከይሕልፈካ እሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከይትድርበ’ ክብል ከሎ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝምህሮም ዘሎ ሰብኣዊ ጥበብ ኮይኑ ዳርጋ ብሰብኣዊ ኣተሓስስባ ካብ ጽቡቅ ፍርዲ ሕማቅ ስምምዕ ይሓይሽ ዚዓይነቱ እዩ፣ ነዚ ዝበለሉ ከኣ ብዛዕባ ፍቅርን ምስ ኣሕዋት ክህሉ ዘለዎ ናይ ምሕረት ሥራሕን ንክምህሮም ኣብቲ ዕለታዊ ሕይወቶም ንዘጋጥም ኣብነት ብምምጻእ እዩ፣ ጽንሕ ኢሉ ግን ክንዮ እዚ ሰጊሩ ጸገም ዘለፋን ጸለመን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኾነ ይገልጽ፣ ] ”

እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዝርዝሮ ዘለፋ ጥንታውን ኣብኡ ቃዲሩ ዘሎን ኮይኑ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣባና እውን ዘጋጥም ዳርጋ ዝተከዘነ ናይ ዘለፋን ውርደትን ጸለመን ቃላት ኣሎና፣ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኢየሱስ ኣጽኒዑ ምስታ ኣይትቅተል ትብል ትእዛዝ እግዚብሔር ዘተሓሕዞ፣ ንሓው ዘቈጥዔ ዘበለ ክፍረድ እውን ይብል። ‘ንኃው ዓሻ ዝበለ ንገሃነመ እሳት ዝተገበኤ እዩ’ እንክብል እቲ ዘለፋ ኣብኡ ከምዘየብቅዕ ካልእ ማዕጾ ናብ ገሃነመ እሳት ከምዝኽፈት እሞ ኣብ ምቅታል ከምዝመርሕ ንክገልጽ እዩ፣ ከመይ ዘለፋ መጀመርታ ቅትለት ኮይኑ ነቲ ካልእ ክብሩ ተጉድል ነቲ ክኸብር ዝነበሮ መሰል ትቅንጥጦ እሞ ካብቲ ሕብረተሰብ ወሰን ትጒሕፎ እዚ ኸኣ ካብ ማሕበረሰብ ምቅታሉ ማለት እዩ፣

ነቲ ዘለፋ ዝቅበል ዳርጋ ኣፉ ክሕዝ ክዕበስ ገርካዮ ማለት እዩ!

ኣብዚ ዓዲ ጣልያን ኣብ እዋን እቶ እቶ መራሕቲ መካይን ነንሕድሕዶም ክጸራረፉ እንክትሰምዕ ዳርጋ ካርናቫለ ናይ ዘለፋ ትረክብ፣ ሕዝቢ ናይ ዘለፋን ጸርፍን ቃላት ክፈጥር ክትራኢ ዘገርም እዩ፣ ምናልባት ሓሪቅካ ኣብ ግዜ ጽቅጥቅጥ ዝወጽእ ቃላት እዩ ክትብሉ ትኽእሉ ኮይኑ ልማድ ስለዝኸውን ንየው ንበሎ፣ ኣብ ርእሲኡ እቲ ነቲ ዘለፋ ወይ ጸርፊ ዝቅበል ዳርጋ ብዳርባ እምኒ ዝኾነ ዘረባ ኢኻ ተቚስሎ ክዛረብ እውን የጸግሞ ከመይ በታ ቃልካ ኣፉ ክሕዝ ክዕበስ ገርካዮ፣ እቲ ዝገደደ ግን እቲ ካብ ቅንኢ ዝውልድ ዘለፋን ጸለመን ከኣ ኣሎ፣ ሓደ ሰብ ኣካለ ስንኩል ናይ ኣእምሮ ይኹን ናይ ኣካል እንተደኣ ኣልዪዎ ኣየፍርሃናን በዚ ከኣ ክንዘልፎ ድላይ ኣይህልወናን፣

ሞት ተምጽእከስ ቅንኢ እያ፣

ኮይኑ ግን ሓደ ደስ ዘይብለኒ ነገር ምስ ገበረ ስንኩል ኢለ እጸርፎ፣ እዚ ከኣ ስንኩል ኣእምሮ ስንኩል ማሕበረሰብ ስንኩል ሥድራቤት ኮይኑ ምስ ማሕበረሰብ ከምዘይሕወስ እገብሮ በዚ ከኣ መጻኢ ናይቲ ሰብ ኣጸልምት እቀትሎ ማለት እዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸገም ዝመርሕ ነዚ ሕማም እዚ ማዕጾ ዝኸፍት ቅንኢ ሓሳዳ እዩ፣ መጽሓፈ ጥበብ ‘ሞት ኣብ ዓለም ብቅንኢ ዲያብሎስ ኣተወት ይብል፣ ሞት ተምጽእከስ ቅንኢ እያ፣ ምንም ቅንኢ የብለይን ክንብል ከሎና ኣጸቢቅና ክንሓስብ የድሊ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ተሓቢኣ ኣላ፣ ክትግለጽ እንከላ ሕብርኻ ለዋዊጣ እያ ተቃጽለካ፣ እዚ ከምዚ ጠባይ ዘለዎም ሰባት ክዝልፉ ከዕንው ጸገም የብሎምን፣ ስለዝኾነ እዩ ኢየሱስ ክትጽልስ ይኹን መባእ ክተቅርብስ ይኹን ወይውን ኣብ ቅዳሴ ክትሳተፍ ኣብ ትኸደሉ ግዜ ሓውኻ ዝበደለካ ትዝ እንተኢሉካ መጀመርያ ኬድካ ምሳኡ ክትዕረቅ ዝእዝዝ፣

ኢየሱስከስ ብመሠረቱ ሡር ነቀላዊ እዩ፣ ዕርቂ ናይ ጽቡቕ ጠባይ ዝንባሌ ዘይኮነስ ክብሪ ናይ ብጻይካን ናይ ገዛእ ርእስኻን ክትሕሉ ዝእዝዝ ሱርነቀላዊ ኣከያይዳ እዩ፣ ካብ ዘለፋ ናብ ዕርቂ ናብ ቅንኢ ናብ ዕርክነት እዩ እቲ ጉዕዞ፣ ኢየሱስ ሎሚ ክንክተሎ ዘሎናን ክንጐዓዞ ዘሎናን መንገዲ ኢሉ ዝህበና እዚ እዩ፣

“ ሎሚ ነፍስወከፍና ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነ እዝልፍ ወይ እጻርፍዶ! መዓስ መዓስ እየ ኣብዚ ጸገም ዝወርድ ኢልና ክንስተንትን የድሊ፣ ንሓደ ሓወይ ብዘለፋይ ካብ ልበይ መኣስ መኣስ እየ ዝሓኮ ብማለት ክነስተንትን እሞ ነታ መርዛም ሱር መንፈስ ቅንእን ውድድርን ሕስድናን ካባና ክነርሕቅ ንጽዓር፣ ነዚ ምስ እንገብር ክነፍቅር ክንጅምር ኢና ሠናይ ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕብየቶም ከሐጉሰና እዩ፣ ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ይዓድለና እንክብሉ ስብክቶም ዛዘሙ፣ ”

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቅ!
14 June 2018, 11:05
ንኩሉ ኣንብብ >