ጳጳሳት ሃገራት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃ ንር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 14 ሓጎሶም ይገልጹ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብመንፈስ ሓድነትን እምነትን ናይ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት፣ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሳ ምዃን ዝብል ዘይተኣደነ ሓላፍነት ብምቕባሎም ልዑል ምስጋናኦም ገሊጾም።
ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፣ ንሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊዮን መበል 14 ነቕ ዘይብል ድጋፎን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፣ ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ብድሆታት ኣፍልጦ ብምሃብ ብጸሎቶም ከም ዘሰንይዎም ቃል ብምእታው ኣብ ጎይታ ዘለኩም እምነት ነትባብዕ ከም ዝበሉ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ደብቡባዊ ዞባ ዝሓቁፍ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዘውጸኦ መግለዚ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዝሓረዮም ወትሩ ምስኦም ከም ዝኸውን ንኣምን ቢሎም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቀዳማይ መደረኦም ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ሰላም ክዘርኡ ድማ እግዚኣብሔር ጥበብን ትብዓትን ሓይልን ክህቦም ንጽሊ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበየ ሓድነት
ናይ ኣፍሪቃ ደቡባዊ ዞባ ሃገራት ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ መርሕነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበየ ሓድነት ከምጽእ፣ እምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ከዕምቖን ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ክመርሑን እምነትን ተስፋን ከምዘለዎም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።