ሮማ ኢዮቤል ናይ ምብራቓውያን ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣብያተ ክርስቲያን ተአንግድ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ካብ ዕለት 12 – 14 ግንቦት ንምእመናንን ውርሻን ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝተወፈየ መዓልቲ ኢዮቤል፣ ዝተፈላለያ ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ሮማን ከባቢኣን ኣብ ዝርከባ ባዚሊካታት መስዋዕተ ቅዳሴ ይዕርጋ ከም ዘለዋን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ መግለዚ ዝጠቐስ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ዕለት 12 ግንቦት ሰዓት 08፡30 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካቲሊካውያን ኣቢያት ክርስቲያን ብስርዓተ ግዕዝ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዕረጋን፣ ሰዓት 13፡00 ድሕሪ ቀትሪ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣርመንያ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓቢይ ብስርዓት ኣርመንያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገን ድሕሪኡ ሰዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ብቆብጣዊ ስርዓት መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገ የመላኽት።
ናይ ዕለት 13 ግንቦት መደባት
ዕለት 13 ግንቦት እቲ ጽምብል ናብ ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሊሱ ልክዕ ሰዓት 13፡00 ናይ ሶርያ ስርዓት ዝኽተላ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብሓባር መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጋን፣ እዚ እውን ከለዳውያንን ሲሮ - ማላባርን ኣብያተ ክርስቲያናት ዘጠቓልል ከም ዝነበረን፣ ምሸት ሰዓት 18፡45 ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ማሮናይት ቤተ ክርስቲያንን ሲሮ - ማላንካራን ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢተ ክርስቲያን ጸሎተ ዘሰርክ ከም ዝደገማ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ሰዓት 21፡00 ምሸት ብቢዛንታዊ ሊጡርጊያ ንወላዲት ኣምላክ ውዳሴ መዝሙር ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14
ረቡዕ ዕለት 14 ግንቦት ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኢዮቤል ንግደት ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያን ሰዓት 10፡00 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎ ስሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ር.ሊ.ጳ. ሊዮን መበል 14 ብዝካየድ ርክብ ክዛዘም እዩ። ሰዓት 14፡00 ድሕሪ ቀትሪ ናይ ቢዛንታይን ትውፊት ዝስዕባ ናይ ግሪኽ ስርዓት ዝኽተላ መለካዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፣ ዩክርያናዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማንያዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲይን ብሓባር ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጋ ምዃነን ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ምብራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስቲያናት
ባዕለን ዝመሓደራን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምሉእ ሓድነት ዘለወን ኣብ ምብራቓዊ ክርስትና ዝተሰረታ ፍሉይ ስርዓተ ቅዳሴን ስነ መለኮትን ትውፊታትን ዝዕቅባ 23 ምብራቓዊ ካቶሊካዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዘለዋ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ መብዛሕትአን እዘን ኣብያተ ክርስቲያም ኣብ መንጎ ምብራቓዊ ኦርቶዶክሳውያን ማሕበረሰባትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካብ ዝተገብረ ታሪኻዊ ዳግመ ሓድነት ዝመንጨዋ ኮይነን ኣብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ህንድን ገለ ክፋል ኣፍሪቃን፣ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ምመናነን ኣቢለን ኣብ መላዕ ዓለም ዝርከባ ኮይነን ከም ዘለዋ ኣፍሊጡ።