ር. ሊ. ጳ.፦ ካብኡ ርሒቕና ዲና? እቲ ፈቃር ኣቦና ይጽበየና ኣሎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሰንበት 23 መጋቢት ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ሮማ ድሕሪ ምውጽኦም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ዘዕርፉሉ ዘለዉ እዋን፣ ኣብቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘዳለውዎ ጽሑፍ፣ “እግዚኣብሔር ኣቦ ይጽበና ከም ዘሎ ስለ ንፈልጥ ተስፋ ኣሎ” ክብሉ ዘጸናንዕ ቃላት ኣካፈሉ። ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ ጽሑፍ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ተሓቲሙ ትማሊ ረቡዕ ተዘርጊሑ ኣሎ።
ኣባላት ጕጅለ ሕክምና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ሆስፒታል ድሕሪ ምፍናዎም ግቡእ ዕረፍቲ ንኽገብሩ ንኽልተ ወርሒ ኼዕርፉ ሓሳብ ስለ ዘቕረቡሎም፣ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ከምቲ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክገብሮ ዝጸንሐ ነቲ ንሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብተኸታተሊ እተሰናደወ ካብ ምዝርጋሕ ኣየቋረጸን።
እቲ በታኒ ወዲ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ኣብ ህይወት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘጋጠመ ነገራት ብምትኳር ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣስተንትኖታት ኣብዚ ሰሙን ውን ብዛዕባ ምሳሌ ናይቲ በታኒ ወዲ ኣስተንተኑ፣ እቲ ኣቦ ነቲ ፋሉል ዝነበረ ውሉዱ ሓንጐፋይ ኢሉ ኺቕበሎ ኸሎ ድማ ደረት ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ከም ዝገለጸልና ኣስተምሃሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ወንጌል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኢዩ እተጕልሕ - "ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ወይ ኣበይ ከም ዝጠፍኣና ብዘየገድስ ኣምላኽ ወትሩ ኢዩ ዝደልየና" ብምባል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኢዮም ድማ ዘመሓላለፉ።
"ኣበይ ወይ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝጠፍኣና ብዘየገድስ ኣምላኽ ወትሩ ይደልየና እዩ!"
"ምናልባት ከምታ ኽትበልዕ ኢላ ኻብ መገዲ ዝጠፍአት ወይ ብሰንኪ ድኻም ንድሕሪት ዝወደቐት በጊዕ መንገድና ስሒትና ንኸውን ንኽእል ኢና" ብምባል ድማ ነቲ ዘሎናዮ ኩነታት ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እዚ ግን ነቲ ጐይታ ዝደልዮ ዘበለ ኩሉ ኣይዓግቶን ወይ ኣይክልክሎን ኢዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋታት ክንገብር ከለና ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኪ፣ መብዛሕትኡ ግዜ "ኣብ ውሽጥና ቄናን እምነት ከም ዝሓድረና ኢዩ ዝገብር፣ እዚ ኸኣ ከም ኣገልገልቲ መጠን ኣብ ዘሎና ርክብ ማለት ንበደልና ኸነተዓራርዮ ኸም ዘሎና ወይ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘድልየና ዀይኑ ኸም ዝስምዓና እዩ ዚገብር" ውን በሉ።
እቲ ሓቀይና ፍቕሪ ኸመይ ኢዩ ዝመስል?
"እቶም ብሓቂ ዜፍቅሩና ጥራይ እዮም ካብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘሎና ግጉይ ኣረኣእያ ሓራ ኼውጽኡና ዚኽእሉ" ብምባል ውን ርእይቶኦም ኣካፈሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ወትሩ ምስ ኣቦኡ ኣብ ቤቱ ዚነብር ዝነበረ ግን ከኣ ካብኡ ዝረሓቐ ዓብዪ ወዲ ክንመሃሮ እንኽእል ትምህርቲ እውን የስተንትኑ ።
ነቲ ማዕጾ ክፉት ይገድፈልና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "እንተዀነ ግን ከይፈቶኹም ርክብኩም ምስ ቀጸልኩም ውዒሉ ሓዲሩ ዚባራዕ ቍጥዓ ኺህልወኩም ይጅምር" ክብሉ ውን የጠንቅቑ። እቲ ዘገርም ግን ከኣ ኣብ ሓጐስ ኣቦኡ ክካፈል ስለ ዘይደለየ እቲ ዓቢ ወዱ ኢዩ ኣብ ደገ ክተርፍ ዝተረኽበ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።
ዝዀነ ዀይኑ ቅብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣቡኡ ኸይገንሖ ወይ ከይተቖጥኦ ኺራኸቦ ኸም ዚወጽእ የዘኻኽረና ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ፍቕሪ ዝርድኦ ኰይኑ ኺስምዖ ጥራይ እዩ ዚደሊ ዝነበረ" ብምባል "ናብ ውሽጢ ዓዲሙ ነቲ ማዕጾ ክፉት ይሓድገሉ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል "እቲ ኣፍ ደገ ንዓና እውን ክፉት እዩ" ብምባል የረጋግጹልና - "እዚ ኸኣ ብልክዕ ተስፋ እንገብረሉ ምኽንያት ኢዩ - ኣቦ ይጽበየና ከም ዘሎ ካብ ርሑቕ ከም ዝርእየና ከምኡውን ወትሩ ማዕጾ ክኸፍተልና ከም ዝኽእል ስለ እንፈልጥ ተስፋ ክህልወና ይኽእል ኢዩ።"
"እታ ማዕጾ እቲኣ ንዓና እውን ክፍቲ እያ"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ንዅሎም እሙናት ከምዚ ዝስዕብ ቢሎም ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ብምዕዳም ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም በጽሑ - "ኣብዚ ባህ ዘብል ዛንታ እዚ ኣበይ ኢና ዘሎና? ናብ ቤትና እንምለሰሉ መገዲ ምእንቲ ኽንረክብ ድማ ንኣምላኽ ኣቦና ንለመኖ" ክብሉ ውን ተላበዉ።