ድለ

ናይጀርያ፡ ሲኖዳውነት ኣብ ካቶሊክ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዋልድ ሓጋዚ ህንጸት እዩ ናይጀርያ፡ ሲኖዳውነት ኣብ ካቶሊክ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዋልድ ሓጋዚ ህንጸት እዩ 

ናይጀርያ፡ ሲኖዳውነት ኣብ ካቶሊክ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዋልድ ሓጋዚ ህንጸት እዩ

እናቴ ጃስቲና ኣደጆ ኣውጉስቲንያዊት መነኮስ ከም ዝገለጸኦ፥ መንፈስ ሲኖዳውነት ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሓቂ ንዘድሊ ህንጸት ፍርያም ዝኾነ መምርሒ ዘቕረበ ምዃኑ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይጀሪያዊት እናቴ ጁስቲና ኣደጆ፡ ኣባል ማሕበር ኣጎስጢናውያን ደናግል፡ ምስማዕን ምክፋልን ዝብል መንፈስ ሲኖዳውነት፡ ኣብ ህንጸት ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ሓጋዚ ምዃኑ ካብ ዘለወን ተመክሮ ተበጊሰን የረጋግጻ።

ሲኖዳውነት

“ሲኖዳውነት ነተን ተማሃሮ ምስማዕ፡ ምስአን ክንራኸብ፡ ዝያዳ ዕድላት ይህበና፡ ንሳተን ድማ ምሳና ክራኸባ ናጻ ኮይነን ይስምዐን” እንክብላ፡ እቲ ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ ዘላ ጉዕዞ ሲኖዳውነት፡ ኣብ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓቕለሲያውያን ተቕዋማትን ፍረ ይህብ ምህላዉ፡ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን፡ "እቲ ሲኖዳዊ ኣቀራርባና ድማ ብጭቡጥ ኩሉ ሰብ ኣካል ሕብረተሰብ ምዃኑን በይናውነት ከይስምዖን ይሕግዝ፡ ብቤተ ክርስቲያን ደረጃ እውን እንተኾነ። ሲኖዳውነት  ምስማዕን ምክፋልን ክንነብር ዝድርኽን ሰባት ናባና መጺኦም፡ ናይ ህይወት ጸገማቶም ንኸካፍሉናን ኽንተሓጋገዝን የብቅዓና ኣሎ” ኢለን።

እዘን ኣብዚ እዋን’ዚ ርእሰ መምህር ናይቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዝተመስረተ ቤተ ትምህርቲ ኣዋልድ “እኖ ሰናይ ምኽሪ፡” እናቴ ጁስቲና ኣደጆ፡ ኣገባብ ሲኖዳውነት፡ ነተን ኣዋልድ ተመሃሮ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ “ብዝያዳ ንግብረ ገብ ቅኑዓት፡ ዝያዳ ክፉት ኣተሓሳስባ ዘለወን፡ ዝያዳ ርእሰ - ተኣማንነት ዘለወንን ኣብ ህይወተን ንቕድሚት ክጥምታ ዝሕግዘን እዩ . . . እዚ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ናይ ሲኖዳውነት ባህሊ ዘላቕነቱ ንምርግጋጽ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ተማሃሮ ጉዕዞኦ ህይወቶም ብቐሊሉ ንኽካፈሉ ዝገብር ስርዓትን ኣገባብን ሲኖዳውነት መሰረት እዩ፡ እንክብላ ኣዘኻኺረን፥ ምስ ካልእ ምርኻብ፡ ነቲ ካልእ ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ እውን ምራኻብ እዩ፥ እዚ ድማ ጉዕዞ ሲኖዳውነት የረኣግጸልና እንክብላ ዘካይደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

30 Jan 2025, 16:24