ድለ

መገድታት ንኹሉ ዝሓቁፍ ትምህርቲ፡ ጻውዒት ንሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ትምህርቲ መገድታት ንኹሉ ዝሓቁፍ ትምህርቲ፡ ጻውዒት ንሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ትምህርቲ 

መገድታት ንኹሉ ዝሓቁፍ ትምህርቲ፡ ጻውዒት ንሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ትምህርቲ

ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፡ ኣብ ትምህርቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝምልከት ኣህጉራዊ ጉባኤ ብምእንጋድ፡ ንተማሃሮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምህናጽን ንምውህሃድን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝዓለመ ትምህርታዊ ውጥናትን ከም ዘዛተየ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ “ትምህርቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ መደብ። Pathways for Hope, Understanding & Meaningful Integration - መንገድታት ንተስፋ፣ ንምርዳእን ትርጉም ንዘለዎ ውህደት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 6 - 8 ሕዳር ዝተኻየደ ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሳላ ሓባራዊ ጻዕሪ መርበባዊ ትምህርቲ ስደተይታትን ተመዛበልትን፡ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ስካላብሪኒያዊ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታትን ተመዛበልትን መንበረ ጥበብ ጆን ካሮልን መንበረ ጥበብ ቪላኖቫ ውጥናዊ ተበግሶ ንስደተይናታትን ተመዘበልትን ምስ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከም ዝኾነ የመላኽት።

እቲ መምሃራንን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ውድባት ግብረ - ሰናይ ጕጅለታት ከምኡውን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተማሃሮ ሓድሽ ትምህርታዊ ልምድታት ንምምይያጥ ዘጣመረ ዋዕላ ሓባራዊ ምርዳእ ንምድንፋዕን ንስደተይናታትን ተመዛበልንትን ከምኡውን ነቶም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ንምትሕብባርን ኩለንተናዊ ውሁድ ጻዕርታት ንምቅልጣፍን መገድታት ንምልላይ ዝሃቀነ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

09 November 2024, 16:54