ድለ

ጳጳሳት ፖርቱጋል ንጉዳይ ግህሰት ዝከታተል ሓድሽ ጉጅለ ኣቑይሞም ጳጳሳት ፖርቱጋል ንጉዳይ ግህሰት ዝከታተል ሓድሽ ጉጅለ ኣቑይሞም  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ፖርቱጋል ንጉዳይ ግህሰት ዝከታተል ሓድሽ ጉጅለ ኣቑይሞም

እቲ ጸብጻብ ኣብ ፖርቱጋል ዘስዓበ ህዝባዊ ቃንዛ ስዒቡ፥ ጳጳሳት ፖርቱጋል ዕለት 3 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ መካነ ንግደት ማርያም ፋጢማ ፍሉይ ምሉእ ኣኼብ ብምክያድ ውጽኢታት ናይቲ ጸብጻብ መርሚሮም ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዘሎ መዓት ጾታዊ ዓመጽ ንምፍታሕ ሓደስቲ ስጉምትታት ከም ዝወሰኑን

Grupo VIDA - ጉጅለ ህይወት ብዝብል መጸውዕ ዝሓለፈ ወርሒ ሚይዝያ ዝቖመ ኣብ መጀመሪያ ናይዚ ዓመት እዚ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ካቶኪካዊት ቤተ ክርስቲያን ፖርቱጋል ጸብጻብ ወግዓዊ ከምዝገበረ ዝፍለጥ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጉባኤ መንበረ ጵጵስና ፖርቱጋል ዝቖመ ናጻ ጉጅለ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተቓላዕቲ ዓበይትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምክትታል ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ስርሑ ካብ ዝጅምር 48 ጥርዓን ከም ዝበጸሖን፡ ካብቶም 48 ግዳያት እቶም 30 ነታ ጉጅለ ንተወሳኺ ቀኖናውን በርገሳውን መስርሕ፡ ንብቑዓት ኣካላት ንምሕባር ፍቓዶም ከም ዝሃቡ ናይቲ ጉጅለ ኣባል ናይ ስነ-ኣእምሮ ሊቅ ሩተ ኣጉልሃስ ዕለት 23 ነሓሰብ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራን ወሲኻ ኣስታት 20 ድማ እቲ ሰነ ኣእምሮኣውን ፍወሳ ስነ ኣእምሮኣውን ደገፍ ክረኽቡ እዮም ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጸብጻብ ወርሒ ለካቲት ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፖርቱጋል

Grupo VIDA - ጉጅለ ህይወት ብዝብል መጸውዕ ዝቖመ ሓድሽ ኣካል ዕለት 13 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፖርቱጋል ንዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ዝከታተል ድሕሪ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ተነቀፍቲ ዓበይትን ዝምልከት ናይ ፑርጉጋል ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝሓልይ ሽማግለ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብጉባኤ ጳጳሳት ፖርቱጋል ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ጸብጻብ ካብ 1950 - 2022 ዓ.ም. ዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝምልከት ብጠቕላላ 4,815 ግዳያት ናይ ወሲብ ዓመጽ ከም ዝኾኑ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ኮይኑ መብዛሕቲኡ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ፖርቱጋል ዝተፈጸመ ከም ዝኾነን፥ ናይቲ ናጻ ሽማግለ ኣቦ መንበር ናይ ስነ ኣእምሮ ሊቅን ሓኪም ስነ ኣእምሮን ፐድሮ ስትረኽት እቲ ዝተኣከበ መረዳእታ፡ “ጫፍ ናይቲ ኩምራ በረድ እዩ” እንክብል ከም ዘጠንቀቐን እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብቲ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ስርዓት ምምሕዳር ቤት አክርስቲያን “ብስርዓት” ከም ዝተሓብአ ኣጉሊሑ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብጳጳሳት ፖርቱጋል ዝተወስደ ስጉምትታት

እቲ ጸብጻብ ኣብ ፖርቱጋል ዘስዓበ ህዝባዊ ቃንዛ ስዒቡ፥ ጳጳሳት ፖርቱጋል ዕለት 3 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ መካነ ንግደት ማርያም ፋጢማ ፍሉይ ምሉእ ኣኼብ ብምክያድ ውጽኢታት ናይቲ ጸብጻብ መርሚሮም ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአ ዘሎ መዓት ጾታዊ ዓመጽ ንምፍታሕ ሓደስቲ ስጉምትታት ከም ዝወሰኑን፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝገበርዎ ካልኣይ ኣኼባ፡ እቲ ሽማግለ ሃገረ ስብከት ነቶም ግዳያት ንምቕባልን ንምስናይን ዘካይዶ ክቡር ዕዮ ብዝያዳ ንምሕያል ከም እውን ኣብ ቅድመ ምክልኻል ግህሰት ምስቲ ኣወሃሃዲ ሃገራዊ ሽማግለ ክዓዪ ከምዝወሰኑ ኣመልኪቱ፥ ነዚ ሽማግለ እዚ ጥርዓን ንምቕራብ ሓበሬታ ንምሃብ እውን ብቐጥታ ዘራኽብ ቁጽሪ ተለፎን ኣብቲ ናይቲ ሓድሽ ዝቖመ ጉጅለ ህይወት እተሰምየ ሽማግለ www.grupovita.pt ኣብ ዘረእስቱ  ወግዕዊ መርበብ ሓበሬታ ምውካስ ዝከኣል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብሕታዊ ርክብ  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሊዝበን ምስ ግዳያት ናይ ወሲብ ዓመጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2023 ዓ.ም. ንምጽምባል ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ፖርቱጋል ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ኣደዳ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ዝኾኑ 13 ግዳያት ዕለት 2 ነሓሰ ብውልቂ ኣብቲ ናይ ፖርቱጋል ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣብ ዝዓረፉሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ርሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ተራኺቦም ከምዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 Aug 2023, 16:49