ኣብ ኒካራጓ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ተሃጊሩ
ኣብ ኒካራጓ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ናይ ማእከላይ ኣመሪካ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብን ካልኦት ዝተፈላለየ ዘይንቀሳቐስን ዝንቀሳቐስን ንብረቱ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ፥ “ናይ ሽበራ ማእከላት” ብዝብል ክሲ ከምዝሃገረን ነዚ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ማሕበር ኢየሱሳውያን፥ “መሰረት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲ” እዩ እንክብል መልሲ ከምዝሃበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ኣብ ኒካራጓ ተንቀሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ንብረቱ ኩሉ ብወተሃደራዊ መግንስቲ ኒካራጓ ከምእተሃገረ ናይቲ መንበረ ጥበብ መስራትን ኣመሓዳርን ማሕበር ኢየሱሳውያን ከፍልጥ እንከሎ፡ እዚ እውን እቲ ተቕዋም ማእከል ግብረ ሽበራ ብዝብል ክሲ ናይ ማናጓ ዓስራይ ቤት ፍርዲ መቕጻዕቲ ገበናት ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መግለጺ ጠቒሱ የመልክት።
መርትዖ ዘይብሉ ናይ ሓሶት ክሲ
ናይ ዞባ ማእከል ኣመሪካ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣብ ልዕሊ ዘመሓድሮ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ “ናይ ሓሶትን መሰረት ኣልቦ” ብምባል፥ “እቲ ውሳኔ ብስርዓት ንሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን ፍጹም ምልካዊ መንግስቲ ንምድልዳል ዝዓለመ ዝመስል ናይ መንግስቲ ውሳኔ እዩ” ክብል ይገልጾ። ማሕበር ኢየሱሳውያን፥ “መንግስቲ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ሰራሕተይናታት መምሃራንን ኣካላት ምሕደራን ካልኦት ሰራሕተይናታት እቲ መንበረ ጥበብ ከምኡ እውን ባህላዊ ውርሻታት እታ ሃገር ካብዚ ዘይምኽኑይን ዘይርትዓውን ክሲ ዝብገስ መጉዳእቲ ዘስዕብ ምዃኑን ተንቀሳቓስን ዘይንቀሳቐስን ቁጠባውን ንብረት እቲ መንበረ ጥበብ ኮነ ቢሉ ንኽምንዝዕ ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ፥ በዚ ምኽንያት እቲ መንበረ ጥበብ ብንቡር ኣገልግሎት ክሳብ ዝጅምር ትምህርታውን ምሕደራውን ንጥፈታቱ ከቋርጽ ይግደድ” ዝብል መግለጺ ከምዘውጸአ ዜና ቫቲካን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዞባ ማእከላይ ኣመሪካ ጠቒሱ የመላኽት።
ናይቲ መንበረ ጥበብ ታሪኽ
እቲ ብ UCA ብዝብል ኣህጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ - “መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ” ኣብ 1963 ዓ.ም. ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዘይመኽሰባዊ ርእሱ ዝኸኣለ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ክርስቲያናዊ መንፈስ ዘለዎ ትካል ትምህርቲ ኮይኑ ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መንበረ ጥበብ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ምሕደራ መንበረ ጥበብ ማእከላ ኣመሪካ ናይ ትምህርቲ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እዩ እንክብሉ መግለጺ ማሕበር ኢየሱስውያን ይገልጾ። መንግስቲ ብቕልጡፍ ኣብ ልዕሊ እቲ መንበረ ጥበብ ዝፈጸሞ ጎበጣ ደው ከብል ንሓትት፡ ብተወሳኺ እቲ ናይ ማሕበረሰብ ስነ ምምህርና ናጽነትን ኣብ ምሁራውን ማሕበራውን ምዕባለ እታ ሃገር ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዓቕሙን ዳግማይ ክረክብ ክፍቀደሉ ንሓትት” ከምዝበለ ዜና ቫቲካን ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ዓቢይ ሓለቓ ኣባ ኣርቱሮ ሶዛ፥ ብዛዕባ መንግስቲ ኒካራውጓ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣማእኪሎም፥ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ነቲ ናይቲ መንበረ ጥበብ ተመሃሮን መምሃራንን ኣመሓደርትን ሰራሕተይናታትን ቅርበቶም ገሊጾም፥ “ኣብ ሓቂ ናጽነትን መሰል ክብርታት ዝተመርኮዘ ትምህርቲ ንመንእሰያት ከምኡ እውን ንኹሉ ህዝቢ ኒካራጓ መሰረት ዝገብር ዘተ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሕጂ እውን ብፍሉይ መንገዲ ኣብዚ ህሞት መስቀል ነቲ ብዞባ ማእከላይ ኣመሪካ ሃገረ ኒካራጓ ርእሰ ከተማ ማናጉዋ ዝርከብ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ዝተመስረተን ዝመሓደርን መንበረ ጥበብ ማእከላይ ኣመሪካ ንዘለዎ ተልእኾን ንመላእ ማሕበር ኢየሱሳውያን ደገፈይ እገልጽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።