ፓኪስታን፥ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ‘መዓልቲ ጾምን ጸሎትን’
ጳጳሳት ፓኪስታን ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስኒት ንኽህሉ፡ ንኹሉ ዓይነት ዓመጽ ኣይፋል ንበል” እንክብሉ መዓልጺ ጸሎት ክኸውን ንላቦ እንክብሉ ኩሉ ናብዚ ናይ ጸሎት ህሞት ከምዝዓደሙን እዚ እውን ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያናን ኣባይቲ ማሕበርሰብ ክርስቲያንን ዕንወት ዘስዓበ ጃምላዊ መጥቓዕት ስዒቡ ዘመሓላለፍዎ ዕድመ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ክልተ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ኣርኪስኩም ብዝብል ክሲ ምስ ተኣሰሩ ስዒቢ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኩሉ ካቶሊካውያንን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሰንበት ዕለት 20 ነሓሰ ፍሉይ መዓልቲ ጸሎት ክኸውን እዩ። ጉባኤ ጳጳሳት እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣባይቲ ክርስቲያን ምእመናን ዝተፈጸመ መጥቓዕትን ዓመጽን ከምኡ እውን ድሕሪ ምእሳር ክልተ ‘ሃይማኖት ምስልምና ምርካስ” ብዝብል ገበን ዝተኸሱ ምእመናን፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ስኒት ክህሉ ጻውዒት ብምቕራብ ኩሎም ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዕለት 20 ነሓሰ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ስኒትን ክሓብሩ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ይሕብር።
ተስፋ ስምርትን ሰላማዊትን ፓኪስታን
ናይ ዞባ ፑንጃብ ማእከል ከተማ ላሆር ሊቀ ጳጳሳት ሰባስቲያን ሻው፥ “ንሰላምን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ስኒት፥ ንኹሉ ዓይነት ዓመጽን ጽልእን ኣይፋል” ክበሃል ክንጽሊ ኢና፥ ዓመጽን ጽልእን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘይምኽኑይን ንሕበርተሰብ ናብ ሞት ዝድርኽ ስሚ እዩ” ከምዝበሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ምእመናንን ኩሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን፥ ኣብ ፓኪስታን ሰላማዊ ካብ ጽልኢ ናጻ ዝኾነ መሰላትን ናጽነትን ኩሎም ዜጋታት ፍልልያት ሃይማኖት ብዘየገድስ ናይ ኩሉ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበር ክሓብሩ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።
ሃይማኖት ምርካስ - ገበን
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ምእመናን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝጀመረ ኣብ ልዕሊ ክለተ ክርስቲያን ንቑርዓን ዘርክስ ተግባር ፈጺምኩም ዝብል ክሲ ምስ ቀረበ ክኸውን እንከሎ፥ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ሓደ ናይቲ ከባቢ መራሒ ሃይትማኖት ምስልምና ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት ስዒቡ ዝተፈጸመ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ክኸውን እንከሎ፥ ‘ቁርዓን ኣርኪሶምን ጸረ ነቢይን ሃይማኖት ምስልምናን ተዛሪቦም” ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክፍሊ ሓይሊ ጸረ ግብረ ሽበራ ከምዝኣተዉ ፊደስ ዜና ኣግልግሎት ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን፥
ብሓደ ድምጺ ዓመጽ ምኹናን
ድሕሪ እቲ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ብዝተኻየደ ጸረ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዓመጽ፥ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘጠቓልል ኣርባዕተ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰለስተ ቤተ ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋን መካነ መቓብር ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘርክስ ተግባር ከም እተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኣቢያተ ክርስቲያናትን ቤተ ጸሎትን መጒዳእቲ ከምዝወረደን ብውሕዱ ሰለስተ ኣባላት ማሕበርሰብ ክስቲያን ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ኣፍሊጡ፥ ናይ ፓኪስታን ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ኢስላማባድ ራዋልፒንዲ ሊቀ ጳጳሳት ጆሰፍ ኣርሳልድ፥ “ሕግን ስርዓትን ክነገስ ንሓትት” ከም ዝበሉን፡ ኣብ ፓኪስታን “ኪዳን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ” ዝመርሑ ካቶሊክ ምእመን ኣክማል ብሃቲ፥ ሎሚ እውን ሃይማኖት ምርካስ ገበን እዩ ዝብል ሕጊ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ሃይማኖታትን ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝፍጸም ጃምላዊ ዓመጽ መመኽነይታ ምዃኑ ንዕዘብ ኣሎና ከም ዝበለን፡ ኣብ ፓኪስታን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ኣዛድ ማርሻል፥ “መንግስቲ ንኹሉ ፍትሕን ድሕነትን ከተረጋግጽ” ንጽውዕ ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።