ድለ

FILE PHOTO: Police officer walks past the belongings of the residents along a street in a Christian neighbourhood, a day after the church buildings and houses were vandalised by protesters in Jaranwala FILE PHOTO: Police officer walks past the belongings of the residents along a street in a Christian neighbourhood, a day after the church buildings and houses were vandalised by protesters in Jaranwala 

ፓኪስታን፦ መራሕቲ ሃይማኖት ንስድራቤታት ናይቶም ብዓመጻ እተጐድኡ ክርስትያን በጺሖም

"አብቲ ቦታ ተረኺብና ዝረኣናዮ ዓብዪ ዕንወት እዩ ዝነበረ። ሰባት ዋላ ሓንቲ እኳ ስለ ዘይተርፎም ሰምቢዶምን ተስፋ ቘሪጾምን ኢና ረኺብናዮም። መሰኻኽር ናይ ፍቕሪ ኢየሱስ ብምዃን ምጽንናዕ ምሃብ ናትና ተራ ኮይኑ ኢና ረኽብናዮ" ብምባል ሊቀ-ጳጳሳት ሾው ኣረጋገጹ።

ናይ ላሆርን ሊቀ-ጳጳስት ምስ መራሕቲ ሃይምኖት እስልማናን ፖለቲካውያን መራሕትን ብምትሕብባር ነቲ ብናይ ሓሶት ክሲ ንአምላኽ ጸሪፍካ ተባሂሉ ብዕለት 16 ነሓሰ ብዓመጽቲ ጉጅለታት እተቐትለ ንቤተሰብን ስድራቤትን አጸናንዑ። 

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ከተማ ላሆርን ሊቀ-ጳጳስት ብጹዕ አቡነ ሰባስትያን ሾው ምስ መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ምስ ግዚያዊ መራሒ መንግስቲ ሃገረ ፓኪስታንን  ኣንዋር-ኡል-ሓቅ ካካርን ብሕብረት ኮይኖም ድሕሪ እቲ ብ16 ነሓሰ ንአምላኽ ጸሪፍካ ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ እተፈጸመ ዓመጽ ብዝመልኦ መጥቃዕቲ ንእተጐድኡ አብ ኢንዱስትሪያዊ ዞባ ፈይሰልአባድ ንዝነብሩ ክርስቲያን ስድራቤት ጃራንዋላ በጺሖም ደገፍን ምጽንናዕን ከም ዝገበሩሎም ዜና ቫቲካን ገሊጹ።

እቲ አብ ልዕሊ ክርስቲያናዊ ህንጻታት ዝወረደ ዓመጻ ዝጀመረሉ ምኽኒያት ገለ ካብ እስላማዊ ማሕበረሰብ አብ ከባቢ ክርስቲያንዊ ማሕበረሰብ ጸርፊ ተባሂሉ ዝእምን እተወሰነ ገጻት ቁርዓትን ከም ዝተረኽቡ ክሲ ምስ አቕረቡ ኢዩ ዝነበረ።

ከምቲ ናይ ሕብራት ጉባኤ ኣብያተ - ክርስትያን ፈጻሚ ዳይረክተር ሳምሶን ሱሓሊ ዝሃቦ ጸብጻብ ቍጽሪ ናይቶም አዓነዉ ናይ ኣምልኾ ህንጻታት 21 እንክኸውን ። ልዕሊ 80 ኣባይቲ እውን ዕላማ መጥቃዕቲ እኳ እንተ ነበሩ ከቢድ ጕድኣት ከም ዝወረዶ ግና ኣይተገልጸን ።  

ምጽንናዕን ሓድነትን 

አብቲ ብጹዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሾው አገብርዎ ምብጻሕ ምስቶም ኵሎም ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ስድራ ቤታት መደብ ጸሎት አካየዱ። አብቲ ናይ ምብጻሕ መደብ መራሕቲ ሃይምኖት ምስልምና ገለ ካብቶም ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ንተግባራት ዓመጻ ኣጽኒዖም ዚዅንኑን ሓድነቶምን ሓባራዊ ጸሎቶምን ዚገልጹን ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎን ምሳልያዊ ትርጕም ዝህብ ርክብ ተገሊጹ። 

"አብቲ ቦታ ተረኺብና ዝረኣናዮ ዓብዪ ዕንወት እዩ ዝነበረ። ሰባት ዋላ ሓንቲ እኳ ስለ ዘይተርፎም ሰምቢዶምን ተስፋ ቘሪጾምን ኢና ረኺብናዮም። መሰኻኽር ናይ ፍቕሪ ኢየሱስ  ብምዃን ምጽንናዕ ምሃብ ናትና ተራ ኮይኑ ኢና ረኽብናዮ" ብምባል ሊቀ-ጳጳሳት ሾው ኣረጋገጹ። 

ብጹዕነቶም ከምኡ ውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስጋውን ሓገዝ ከም ዘድሊ አግፊሖም ገለጹ። እዚ ድማ ምስ ካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት እተዋጽኡ ወለንተይናታትን ዝሰናዶ ክኸውን ኢዩ ። 

"ነቶም ንክርስትያን አሕዋትን አሓትን ኣብዚ መከራ እዚ በይኖም ከም ዘይኰኑን ኢየሱስ ምሳታቶም ከም ዘሎን፣ ንሕናውን ምሳታቶም ከም ዘለና ብምጋር አጸናናዕናዮም ፣ አብአቶም ተገዳስነት ከም ዘሎናን ብኹሉ ዝከአል ክንድግፎም ምዃንና ሓቢርናዮም ኢና" በሉ። 

"ንሕና ውን አብ ጐንኹም አሎና" 

ንእተፈላለያ ሃይማኖታትን ዜጋታት እስላምን ሓዊስካ ንማሕበረሰብ ጃራንዋላ ግዚያዊ መራሒ መንግስቲ ፓኪስታን ዝዀነ ኣንዋር-ኡል-ሓቅ ካካር እውን ምብጻሕ አካይዶም ኢዮም። 

ግዚያዊ መራሒ መንግስቲ ፓኪስታን ኣገዳሲ ኽፍሊ ናይ እታ ሃገር ከም ምዃኖም ብምግላጽ "ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ እምነት ምስልምና ነቶም ውሑዳን ክፍሊ ማሕበረሰብ ንምክልኻል ዘለዎ ሓላፍነት" አጕሊሖም ከመይሲ "ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምምስራት ሃገረ ፓኪስታን ኣገዳሲ ግደ ኣበርኪቱ እዩ" ቢሎም መስከሩ። 

"ንሕና አብ ጐንኹም አሎና" ምስ በለ ወሲኹ ድማ "ድምጺ ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ክንከውን ኢና። ስርዓተ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኢና፣ መንግስትን ማሕበረሰብን ከኣ ብኣፍ ጥራይ ዘይኰነስ ብጭቡጥን ትርጕም ብዘለዎ ተግባራትን አብ ጉንኹም ደው ክብሉ ኢዮም ።" ብምባል አበራትዕዎም። 

 እቶም ግዛዊ መራሒ መንግስቲ ነቶም ብሰንኪ እቲ ዓመጻ ኣባይቶም ዝዓነወ ክርስትያን አሕዋትን አሓትን ንነፍሲ ወከፎም 2 ሚልዮን ሩፒ ናይ ገንዘብ ሓገዝ አወፈዩሎም። 

ከምኡ ውን እቶም መራሕቲ ሃይማኖት እስልምና አብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ነቲ አህጉራዊ ማሕበር “ሃይማኖታት ሰላም” ዘለዎ ተራ ንምጉላሕ ከምቲ አብ መንንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ውህደትን ምትሕብባርን ዘጕልሕ ከም ምዃኑ "ናይ ዝተፈላለያ ክርስቲያን ማሕበራት ሓድነትን ከምኡ ውን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሕብረት ብሓደ ብምዃን 'ኣይፋል' ንጭቆናን ግፍዕን  ክብሉሉ ዝኽእሉ ባይታ ክፈጥሩን  ከምኡውን ምእንቲ ሕድሕድ ምጽላይ ክቅጽሉን ኣብ ፓኪስታን  ፍትሕን ሰላምን ንምህናጽን ክሰርሑ" ጻውዒት ኣቕረበሎም። 

ሳዕቤን ናይቲ ዓመጽ 

ፖል ባሃቲ እተባህለ ሓዉ ነቲ ብዓመጻ እተቐትለ ክርስትያን ፖለቲከኛ ሻህባዝ ባሃቲ ደድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ንጽብሒቱ ምስ ዜና ቫቲካን አብ ዝገበሮ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ማዕበል ዓመጻ ዜምጽኦ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ሓሳብቱ ገለጸ። 

እዞም እተገለሉን ኣዝዮም ድኻታትን ዝኾኑ ሕብረተሰብ ህይወቶም ንምድሓን ኵሉ ነገር ሓዲጎም ክሃድሙ ስለ ዝነበሮም እዚ ኣዝዩ ዘሳቕን ዘሕዝዝን ኩነት ኢዩ።" 

ፖውል ባሃቲ ነቲ ሃገረ ፓኪስታን ንኣምላኽ ከም ምጽራፍ ኢሉ ዘውጽኦ ሕግታት ዳግም ክምርምሮ እውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። "እቶም ህዝቢ ድማ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ሕጊ ኣብ ኢዶም ሒዞም ንክርስትያናት ኬጥቅዕዎም ምፍታኖም ተቐባልነት የብሉን" በለ። 

ኣብ መጻኢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ደጋታት ንምውጋድ 

አቦ-መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ፓኪስታን ሊቀ-ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ጆሴፍ ኣርሻድ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት "ኣብ መጻኢ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ንኸየጋጥሙ" ብቕንዕና መፍትሒ ኽግበረሉ ጻውዒቶም አቕረቡ።   

ሊቀ-ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ኣርሻድ ነቲ ማሕበረሰብ ምስልምና ዚፍጽሞ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ከምኡውን ኵሉ ሕዝቢ ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ዅነታት ብኸመይ ኪቈጻጸሮን ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኪሕግዞምን ከም ዝግባእን ገለጾም ክብል አገልግሎት ዜና ቫቲካን አመልኪቱ ። 

24 Aug 2023, 16:11