ድለ

ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ደው ክብል ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ደው ክብል ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ  (ANSA)

ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ደው ክብል ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ

ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ዝርከቡ ክርስቲያን፡ ካብዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ንምክልኻል ወሳኒ ስጒምቲ ክውሰድ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ “ኣብታ ዝበዝሐ ህዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝኾነላ ሃገረ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣልቦ ክስታት መሰረት ዝፍጸም ኣድልዎን መጥቓዕትን ዘሕዝን እዩ

ድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ፓኪስታን ግዝኣት ፑንጃብ ኣብ ኣብ እትርከብ ከተማ ጃራንዋላ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኣባይቲ ክርስቲያንን ዝተፈጸመ ዕስለ መጥቃዕቲ ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ግዝኣት ማኒፑር ንክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ ኑፋቄኣዊ ናዕቢ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬራላ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ብኵለ መዳይ ደው ንምባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምትእትታው ክገብር ዝሓትት ኣብ ዘቕረቦ ጻውዒት፥ “ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ክርስቲያን ዒላማ ናዕብን ዕስለታት መጥቓዕትን ይኸውን ኣሎ” ከም ዝበሉ ኤሺያን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ግዝኣት ማኒፑር ዝተፈጸመ ኑፋቄኣዊ ዓመጽ መብዛሕቲኡ ንክርስቲያን ብሔር ኩኪ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነን መንግስቲ ህንዲ እውን ዘርእዮ ዘሎ ሱቕታ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ንክፍለ ግዝኣት ማኒፑር ይዕብልል ከም ዘሎን ኣስታት 200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 50 ሺሕ ድማ ከም እተመዛበሉን ኣብቲ ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተደጋጋሚ ግፍዒ እውን ከም ዝፍጸምን ኣቢያተ ትምህርቲ ሓዊሱ ኣማኢት ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ክርስቲያናዊ ትካላትን ከም እተቓጸለ ኤሺያን ነውስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ፑንጃብ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ዕስለ መጥቓዕቲ

ኣብ ፓኪስታን ኣብ ከተማ ጃራንዋላ፥ ጸለመ ቁርዓን ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ስዒቡ ዕለት 16 ነሓሰ ልዕሊ 80 ኣባይቲ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን 19 ኣቢያተ ክርስቲያናትን ብዕስለ መጥቓዕቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ከም ዝፈረሰን፡ ድሕሪ እቲ ዕለት 20 ነሓሰ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ መላእ ፓኪስታን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ነቶም ግዳያት ቅርበቶም ንምርግጋጽ ፍልዩ መደብ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ከምዘካየዱን፡ ቁርዓን ኣርኪስኩም ወይ ሃይማኖት ምስልምና ኣናሺኹምን ዛዕባ ነቢይ ሕማቕ ተዛሪብኩም ብዝብል ምስምስ፡ ጸረ ሃይማኖት ግብሪ ገበን ዝብል ናይ መቕጽዒ ሕጊ ብምጥቓም መሰረት ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ዝቐርብ ክሲ ብዙሓት ከም ዝእሰሩን እዚ እውን ንጸረ ክርስቲያን ዓመጽ መጋበርያ ዝጥቀምሉ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንናይታ ሃገር ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ውሕስነት ህይወት ንሓደጋ ከም ዝቃልዑ ብተደጋጋሚ ዝርአ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ኑፋቄኣውነትን ውልትውነትን

ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከቡ 1.4 ቢሊዮን ህዝቢ ኣስታት 2.3 ሚእታዊ ክርስቲያን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ሰዓብቲ ሃይማኖት ሂንዱን፥ ኣብታ እቲ ዝበዘሐ ህዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾነላ ሃገረ ፓኪስታን ድማ ካብ ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ 1.5 ሚእታዊ ክርስቲያን ከም ዝኾነን ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬራላ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ኣብ ህንድን ፓኪስታንን ዝርከቡ ክርስቲያን፡ ካብዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ንምክልኻል ወሳኒ ስጒምቲ ክውሰድ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ “ኣብታ ዝበዝሐ ህዝባ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዝኾነላ ሃገረ ፓኪስታን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ኣልቦ ክስታት መሰረት ዝፍጸም ኣድልዎን መጥቓዕትን ዘሕዝን እዩ - ሽበራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ኑፋቄነትን ውልትውናን ዘተባብዑ ምዃኖም ርዱእ እዩ። እቲ ጽልኢ ዝመልኦ ወፍርታቶም ብሚሊዮና ዝቑጸሩ ሰባት ውሕስነት ከይስምዖን ክመዛበሉን ክስደዱን ዘገድድ እዩ” እንክብሉ ናይ ኬራላ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወሃቢ ቃል ኣብ ጃኮብ ጂ ፓላካፒሊ ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ኡካ እተሰምያ ናይ እስያ ካቶሊካውያን ሕብረት ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

ኣባ ፓላካፒሊይ፥ ኣብ ፓኪስታን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ውሁዳን ብምዃኖም ጥራይ ኣደዳ መጥቓዕቲ ከም ዝኾኑን በዚ ምኽንያት ድማ ይስደዱ ከም ዘለዉን ኣመልኪቶም፥ ህንዲ ብመሰረት ኣብ ቀረባ ኣዋን ካብ ኒውደልሂ ዝመደብሩ ጉባኤ ክርስቲያናዊ ህብረት እተሰምየ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዓመጽን ኣሳዶን ዝከታተል፡ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ኣርባዕተ ሚእቲ ክርስቲያን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 274 መጥቓዕቲ ከም እተመዝገበን፡ መብዛሕቲኦም ድማ ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ህንዲ ከም ገበን ተቖጺሩ ዘሎ ‘ሃይምኖት ምቕያር’ ዝብል ዓንቀጽ መሰረት ናይ ሓሶት ክስታት ዘስዕቦ ምዃኑን እቲ ሃይማኖት ምቕያር ገበን ዝብል ሕጊ “ንሂንዱ ዝድግፉን ክርስቲያን ዒላማ ዝገብር ምዃኑ” ናይ ኬራላ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ካቶልካዊ ሕብረት ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ ዜና  ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሰ ተግባራት ዓመጽ ግዳያት ዝዝክር መዓልቲ ው.ሕ.ሃ

ናይ ኬራላ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ቅድሚ እቲ ዕለት 22 ነሓሰ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ግዳያት ኣብ ሃይማኖት ወይ እምነት ዝተመርኮሰ ተግባራት ዓመጽ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ ምስ ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ዝተኣሳሰረ ሰብኣዊ መሰላት ንምድጋፍ ዝገብሮ ጻዕሪ መሰረት ኣብ 2019 ዓ.ም. ብዘጽደቖ ውሳኔ ዘተኣታተዎ መዓልቲ ዝኽሪ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ኩሉ ሃይማኖቱን እምነቱን ናይ ምንባርን ምግላጽን መሰል ከም ዘለዎን ብፍላይ ድማ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሰብኣዊ መሰል ክኽበር ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

23 Aug 2023, 16:25