ድለ

ዓ. ቅ. መ. - ነጋድያን መንእሰያት ሕ. መ. ኣ. ንሊዝበን ንምኻድ ይሸባሸቡ ዓ. ቅ. መ. - ነጋድያን መንእሰያት ሕ. መ. ኣ. ንሊዝበን ንምኻድ ይሸባሸቡ  

ዓ. ቅ. መ. - ነጋድያን መንእሰያት ሕ. መ. ኣ. ንሊዝበን ንምኻድ ይሸባሸቡ

ብመሰረት ብጹዕ ኣቡነ ባሮን ዝሃብዎ መግለጺ፣ እዚ ፍጻመ እዚ "ንመንእሰያት አብዚ ጉባኤ ናይታ አድማሳዊት ዝኾነት ቤተክርስትያን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ አገዳሲ ምርኻብ ንኽገብሩ ዘኽእሎም ብምዃኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ

ነጋድያን መንእሰያት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብቲ ብዕለት 1 ነሓሰ "ማርያም ድማ ንመገሻ ተበገሰት ተቐላጢፋ ውን ወጸት" ብዝብል ቴማ ዝጅመር ዓ. ቅ. መ. ሓንቲ ኻብተን ሓሙሽተ ዓበይ ቁጽሪ ነጋድያን ልኡኻት ተሳተፍቲ ዘለውዋ ሃገር እያ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮስ ድማ አብቲ ኻብ 3 ኽሳዕ 6 ነሓሰ ናብ ሊዝቦን ዝገብርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ  ምስቶም መንእሰያት አብ ንግደቶም ክሓብርዎም ምዃኖም ተፈሊጡ።

አባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 1,300 ጕጅለታት ወከልቲ መንእሰያት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝመጹ ልዕሊ 28,600 መንእሰያት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንመበል 37 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዓ. ቅ. መ. ንምስታፍ ናብ ሊዝበን ኪጐዓዙ እዮም ። ብመሰረት እቲ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝሃብዎ መግለጺ እዞም መነሰያት እዚአቶም ብብዝሒ ቁጽሮም ክርአ እንከሎ፣ ኻብቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዚሳተፉ ጉዽለታት መበል ሓምሻይ ደረጃ ሒዞም ይርከቡ፣ ቍጽሪ ተመዝገብቲ ድማ ገና ይውስኽ ኣሎ ክብሉ ገሊጾም። 

ቍጽሪ እዞም ነጋድያን እዚአቶም ካብቶም ብ2019 ኣብ ፓናማ ኣብ እተገብረ ዓ. ቅ. መ. እተሳተፉ ተወከልቲ ሕ. መ. ኣ. ብኽልተ ዕጽፊ ክዓቢ እንከሎ፣ አብቲ ብ2016 አብ ካራኮቭ ፖላድ እተኻየድ ዓ. ቅ. መ. ግን አስታት 40,000 ተሳተፍቲ ወከልቲ ካብ ሕ. መ. አ. ከም ዝነበሩ መዛግብ ይሕብሩ።

ናይቲ ብዛዕባ ዓለማውያን ምእመናን፣ ኪዳንን፡ ስድራቤታዊ ህይውትን፡ ከምኡውን ብዛዕባ መንእሰያት ዝግደስ ኮሚተ ኣቡናት ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ አቡነ ሮበርት ባሮን ምስ 60 ካልኦት ጳጵሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ሊዝበን ክነግዱ ምዃኖምን ተፈሊጡ፣ "ሃገርና ነዚ ንግደት እዚ ብሃንቀውታ ኢያ እትጽበዮ" ክብሉ አቡነ ሮበርት ባረን አብ ዝሃብዎ መግለጺ አመልኪቶም። 

መንእሰያት ምስ ኢየሱስ ኣገዳሲ ርክብ ንኺምስርቱ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ  

ብመሰረት ብጹዕ ኣቡነ ባሮን ዝሃብዎ መግለጺ፣ እዚ ፍጻመ እዚ "ንመንእሰያት አብዚ ጉባኤ ናይታ አድማሳዊት ዝኾነት ቤተክርስትያን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ አገዳሲ ምርኻብ ንኽገብሩ ዘኽእሎም ብምዃኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ፣ 

ቅዱስ ኣቦናን መሪሕነት ቤተ-ክርስትያንን ነቶም አብዚ አጋጣሚ እዚ ዝርከቡ መንእሰያት ንኽሰምዕዎምን ቃል ወንጌል ንኽስተምህርዎምን ከሰልጥንዎምን፣ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ናብ ጸዋዕታኦምን ተልእኾኦምን ንኽልእክዎም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝረኽቡሉ እዋን ኢዩ" ክብሉ አብ መግለጺኦም አመልከቱ።

እዞም ካብ ሕ. መ. ኣ. ዝመጹ ነጋድያን ኣብዚ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ዓ. ቅ. መ.  ኣብ ቍምስናታትን፡ ክማፕታትን፡ አባይቲ ስድራቤታንን፡ ከምኡ ውን አብ ሆቴላትን ክጸንሑ ኢዮም ። ካብቶም ካብ ሕ. መ. ኣ. ዝመጹ ልዕሊ 35 ኣቡናት እውን ኣብቲ "ተንስእ! " ብዝብል ቴማ ዝግበር መዓልታዊ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ከም መምህራንን መራሕቲ መደብን ኮይኖም ከገልግሉ ተፈሊጡ።

ጉባኤ ካቶሊካዉያን ጳጳሳት ሕ. መ. ኣ. ምሸት 2 ነሓሰ ንዅሎም ወከልቲ ነጋድያን ሕ. መ. ኣ. ናብቲ ፓራኵወ ዳ-ኲንታ ዳስ-ኮቻስ እተባህለ አብታ ከተማ ዝርከብ ገፊሕ ፓርክ ምብጻ ከገብሩን መደባቶም ከካይዱን ኢዮም፣ ኣቡን ባረን ድሕሪ እቲ መንእሰያት ዘዳልውዎ መደብ መዝሙርን ምስክርነትን ሕመረት ናይቲ መደብ ዝኾነ አስተምህሮ ከስምዑ ኢዮም፣  ከምኡ ውን  ኣቡን ኤድዋርድ በርንስ በዓል ዳላስ  ድማ አካል ናይቲ ናይቲ ሃገራዊ ተበግሶ ቅዱስ ቁርባናዊ ምንቅስቓስ ዝኾነ ቅዱስ ሰዓት አምልኾ አብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ክመርሑ ኢዩም። 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብ3 ነሓሰ ነቶም ነጋድያን ኽሓብረኦም ኢዮም 

ዓ. ቅ. መ. ብዕለት 1 ነሓሰ ብዕሊ ክጅምር ኢዩ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከአ ብዕለት 3 ነሓሰ ነቶም ነጋድያን ክሓብርዎም ኢዩም፣ ብዕለት 4 ነሓሰ ከአ አብቲ ዝግበረሎም ወግዓዊ ናይ ተቕባል መርሓ ግብር ድሕሪ ምስታፍ፣ ቀጺሎም መደብ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኪመርሑን ኣብ ግራት ቫስኮ ዳ ጋማ ዝግበር መደብ ንስሓ ድማ ንገለ መንእሰያት ከናዝዙ ምዃኖም ተፈሊጡ።  ቅዱስነቶም ብዕለት 5 ነሓሰ ምሸት ናይ ዋዜማ ጸሎት ክመርሑን ቀጺሎም ድማ ምስ ዝሓመሙ መንእሰያት ጸሎተ መቑጸራ ከብጽሑ ኢዮም። አብ መደምደምታ መደብ ከአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናይ መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ

ብዕለት 6 ነሓሰ ምስ ኩሎም ነጋድያን ሓቢሮም ከዕርጉ ምዃኖም ተፈሊጡ። 

ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ነጋዲያ 

ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጹ ብኣማኢታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነጋድይን መንእሰያት ኣብቲ ኣብ ሊዝቦን ዝግበር ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ትጽቢት ይግበረሎም አሎ። መብዛሕትኦም ካብቶም ተሳተፍቲ ኻብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ከምኡ ውን ካብ ካናዳ 5,000 ካብ ብራዚል ከኣ 10,000 ኪዀኑ እዮም። እንተዀነ ግን ገለ ውሑድ ቁጽሪ ነጋድያን ካብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዮርዳኖስን (ልዕሊ 400) ካብታ ብውግእ ዝዓነወት ሀይቲ (26) ከምኡውን ካብ  ቻይና (50) ክህልዉ ኢዮም። 

ቅድሚ ዓ. ቅ. መ. ገለ መዓልትታት አገልግሎት አብ ሰበኻታት

ቅድሚ ዕላዊ ምጅማር ዓ. ቅ. መ. ካብ 26 ክሳዕ 31 ሓምለ፣ ካብ 126 ሃገራት ንዚመጹ ልዕሊ 67,600 ነጋድያን ኣብቶም ኣብ ፖርቱጋልን ደሴታታን ዚርከቡ 17 ሰበኻታት አገልግሎታት አብ ሰበኻ ዝብል መደብ መዓልታት ተምኩሮ ከሕልፉ ኢዮም። ብመሰረት እቲ ብአካያዲት ኮሚቴ ዝውጸ መደብ ናብ ልዕሊ 950 ጕጅለታት ኪመቓቐሉን ኣብ ኣባይቲ ስድራቤታትን፣ ቍምስናታትን፣ ቤትምርታትን ከምኡውን ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ተመዲቦም ኪጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ ። 

እቶም ነጋድያን መንእሰያት ነታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንህዝብን ነቲ ዘለውዎ ኩነታትን ክፈልጡን ክላለዩን ከም ምዃኖም፣ ነፍሲ ወከፍ ሰበኻ ነቶም ነጋድያን ኣብ ሓሙሽተ አገደስቲ መደባት ዘተኰረ መርሓ-ግብር ክሰርዑ ኢዮም። እዞም መደባት እዚአቶም ድማ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መደብ፣ ናይ ምልላይ መደብ፣ ናይ ተልእኾን፡ ባህላዊ መደባትን፣ ከምኡውን ናይ ወንጌላዊ-ወፍሪ መደባት ክትግበሩ ምኹኖም አገልግሎት ዜና ቫቲካን የመላኽት። 

26 Jul 2023, 15:57