ድለ

ኣብ ሞስኮ ርክብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ፓትሪያርክ ኪሪልንናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ሰላም ካርዲናል ጹፒ ኣብ ሞስኮ ርክብ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ፓትሪያርክ ኪሪልንናይ ር.ሊ.ጳ. ልኡኽ ሰላም ካርዲናል ጹፒ  

“ምስ ፍራንቸስኮ ንኹሉ መዓት ደው ንምባል”፥ ተልእኾ ካርዲናል ጹፒ ዝድግፍ ምንቅስቓስ

ተዋሳኺ ሞትን ብቓላት ክግለጽ ዝይከኣል ስቓይን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ዝኾነ ይኹን ርትዓዊ ጻዕሪ ምትዕንቓፍ ዕሽነት እዩ

ኢጣሊያ ንኩለስዊ ኣጽዋር ዝእግድ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ከትስዕቦን ከተጽንዕን ካብ ዝጠልባ ልዕሊ ሰላሳ ዝኾና ኣቕለሲያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብ ዝፈረማሉ መግለጺ፥ ነቲ ንር.ሊ.ጳ. ወኪሎም ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንምባል ናይ ቅዱስነቶም ናይ ሰላም ልኡኽ ካርዲናል ጹፒ ናይ ቅድስቲ መንበር ጻዕርታት ሰላም “ተወሳኺ ሞትን ዘይንገር ስቓይን ንምውጋድ” ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ከተዓናቕፍ ዝኽእል ነገራት ኩሉ ከይህሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ ሳላሳ ከምኡ እውን ዓቢይ ውክልና ዘለወን ኣቅለሲያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ብዘይ ምቁራጽ ኢጣሊያ ኣብ 2017 ዓ.ም. ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝእግድ ክስትስዕቦ ዝሓትቱን ከምኡ እውን “ንቐጻሊ ስጉምቲ ሰላም ናይ ቅድስቲ መንበርን እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ደው ንባል እተካይዶ ዘላ ናይ ሰላም ጻዕሪ” ምሉእ ደገፍ ብምቕራብ፥ ኣብ ሓደ ናይ ውግእ ኵነታት ካብ ግዜ ናብግዜ ዘይርጉእ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ “ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ንምጥቃም መገዲ ዝጸርግ ዘሎ ብሓገዝ ዓለም ለኻዊ በርገሳዊ ሕብረተሰብ ኣህጉራዊ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክባት ዕቱብ ናይ ሰላም ዘተ ንምኽፋት ተዋሳኺ ሞትን ብቓላት ክግለጽ ዝይከኣል ስቓይን ንምውጋድ ዝግበር ዘሎ ዝኾነ ይኹን ርትዓዊ ጻዕሪ ምትዕንቓፍ ዕሽነት እዩ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ደው ክብል በነዲክቶስ መበል 15 ዘቕረብዎ ጻውዒት

እቲ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ዝጻረር፡ ግዜ ዘይሓስቦን ዝህውኽን . . . ነቲ ኣብ ናይ ዓለም ውግእ ዘይጠቕም ምኽንያት ጃማላዊ ቅለት ደው ንምባል በነዲክቶስ መበል 15 ዘቅረብዎ ጻውዒት ዝጻረር ርእይቶ ይወሃቦ ከም ዝነበረ እተን ኣቅለስያዊያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራትን ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ ዘኪረን፥ ስለዚ “ነቲ ንካርዲናል ጹፒ ኣብቲ ፍረ ዘለዎን ንቑሕን ምልክት ናይ ግዜ ዘንብብ እተወሃቦም ተልእኾ ሰላም ብጸሎትን ብጭቡጥ ቈራጽነትን ንድግፍ ኢና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘንበራ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

29 Jul 2023, 15:54