ድለ

ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓን፥ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ይህግር ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓን፥ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ይህግር  (AFP or licensors)

ሓይሊ ጸጥታ ኒካራጓን፥ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ይህግር

ሓይሊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝፈጸሞ ዓመጽን ደሓር እውን ብቐጻሊ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ቤተ ክርስትያን ተግባር ይቕጽል ምህላዉን

ሰበ ስልጣን ኒካራጓ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘገልግላ ደናግል ካብቲ ዘገልግላሉ ማእከል ምስጓግ ንኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይህግር ምህላዉ ካብ ኒካራጓ ዝወጸ ምንጪ ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ናይ ኒካራጓ መንግስቲ ሳንዲኒስታ ዘካይዶ ዘሎ ኣንጻር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቕንዐ ፍጻሜታት ደው ከምዘየበልን፡ ብደናግል ደቂ ቅድስቲ ልዊዛ ዘባሪላክ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ከም ዝሃገረን ኣብ ሳን ሳባስቲያን ደ ያሊ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ተግብረ ዕድ ዕለት 30 ግንቦት ብናይታ ሃገር ሓይሊ ጸጥታ ተዓሺጉ እተን ኣብኡ ኣብ ናይ ህንጸት ማእከል ዘገልግላ ዝነበራ ደናግል ብሓይሊ ክለቓ ከም ዝገበረን እተን ደናግል ካብ መንግስቲ ወግዓዊ መልሲ ንኽጽበያ ኣብ ከተማ ማናጓ ከም ዝርከባን ካብኣተን ካብ ኒካራጓ ዘተሰጎት ከም ዘየላን ብዛዕባ እተን ደናግልን ንናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዘድሊ ህንጸት ዘቕርብ ቤት ትምህርቲ ተግባረ እደ ስክፍታን ዘይርጉጽነትን ምህላዉ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፥

ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመሓደራ ኣቢያተ ትምህርቲ ዒላማ ዝገበረ ስጒምቲ

ሰበ ስልጣን ነተን ዶመኒካውያን ደናግል ብስራት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዒላማ ብምግባር ኣብ ደቡባዊ ኒካራጓ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሱሳና ሎፐዝ ካራዞ ከም ዝዓጸወን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ስፐይን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣቦ መንበር ሓው ኸሱስ ዲያዝ ኣሬጎ፥ ኣብ ኒካራጓ ዘጋጥም ዘሎ ዘይርጉጽነት ዘጉልሕ መግለጺ ኣውጺኦም ከም ዝነበሩን፡ እተን ናይ መንግስቲ ኒካራጓ ኣደዳ ኮይነን ዘለዋ ደናግል ኣዝየን ተወፋይነት ዘለወን ንማሕበራዊ ዕዮን ንሰብኣዊ ምዕባለ ንደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ህሙማንን ህጻናትን ንምሕብሓብ ውፉያትን ምስ ድኻትት ዝሰርሓን ድኻታት ዝኣልያን እያተን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድሮ ብርክት ዝበላ ደናግል ኣባላት ዝተፍላለያ ገዳማት ካብታ ሃገር ክወጻ ከም እተገዳን ስርዓት ኦርተጋ ካቶሊካውያን መነኮሳት ዒላማ ምግባር ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘካይዶ ዘሎ ኣሳዶ ኮይኑ ኣብታ ካቶሊካውያን ካብ መላእ 6.5 ሚሊዮን ህዝቢ ኒካራጓ እቲ 58 ሚእታዊ ዝኾነላ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ምዃኑ የዘኻኽር።

ዓፈና ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን

መንግስቲ ኒካራጓ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝተኻየደሉ እዋን ሓይሊ ጸጥታ እታ ሃገር ዝፈጸሞ ዓመጽን ደሓር እውን ብቐጻሊ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ቤተ ክርስትያን ተግባር ይቕጽል ምህላዉን፡  ካህናትን ጳጳሳትን ብሓይሊ ጸጥታ ዝፍጸም ዘሎ ዓፈና ነቒፎም ብግልጺ ዝፍጸም ገበንን ምግሃስ መሰላትን ናጽነትን ኮኒኖም ማሕበራዊ ሰላም ውሑስ ክኽውን ዝጽውዕ ዝሃብዎ መግለጺ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘበገሶ ኣሳዶ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጓ ከም እተኣሰሩን ገሊኦም እውን ከም እተባረሩን፡ “ብኽሕደት ሃገርን ምድኻም ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገር” ብዝብል ገበን ምኽዳዕ ሃገር ዝተኸሱ ናይ ማታጋልፓ ጳጳስ ሮላንዶ ኾሰ ኣልቫረዝ ላጎስ  26 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከምዘለዉን ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ መጋቢት እውን ኣብ ኒካራጓ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዋልደማር ሶመርታግ ካብ ኒካራጓ ከም እተሰጎጉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

03 June 2023, 16:21