ድለ

ካርዲናል ማሬንጎ፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞንጎሊያ ንካቶሊካውያን መተባብዒ እዩ! ካርዲናል ማሬንጎ፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞንጎሊያ ንካቶሊካውያን መተባብዒ እዩ! 

ካርዲናል ማሬንጎ፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሞንጎሊያ ንካቶሊካውያን መተባብዒ እዩ!

ቤተ ክርስቲያን ሞንጎሊያ ድኻን ንእሽቶን እያ። ውሑዳት ኢና። ይኹን እምበር ሓድሕዳዊ ሓልዮት ኣሎ። . . . ምስታ ቀዳመይቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት እትንገር ቤተ ክርስቲያን እዚያ ትመሳሰል ቤተ ክርስቲያን እያ

ብጹዕ ካርዲናል ጆርጆ ማሬንጎ ናይ ርእሰ ከተማ ሞንጎሊያ፥ ኡላንባታር ሓዋርያዊ ህየንተ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ነሓሰ - 4 መስከረም ኣብ ሞንጎሊያ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ምስ ሓበረ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም፥ ንልኡካነ ወንጌልን ምእመናን “ዓቢይ መተባብዒ እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህላወ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሞንጎሊያ “ንዅሎም ምእናንን ልኡካነ ወንጌልን ናይ ብሓቂ ምትብባዕ ዝህብ ዓሚቝ ሓጎስን ጸጋን እዩ፥ እዞም ኣብ ኢጣሊያ ዝተወልዱ ካብ 2001 ዓ.ም.ኣትሒዞም ኣብ መንጎ ህዝቢ መንጎሊያ ዘገልግሉ ዘለዉ ቀዳማይ ካርዲናል ሞንጎሊያ፥ ማሬንጎ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብታ ሃገረ ምብራቕ እስያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ተስፋ እምነትን ፍቕርን ዘነቓቕሕ ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ ኢሎም።

ብጹዕነትኩም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ፍራንቸስኮ ኣብ ሞንጎሊያ ብኸመይ ትቕበልዎን ኣገዳስነቱ እንታይ እዩ ትብሉ? ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ፥ ብመጀመርታ ብዓቢይ ሓጎስን ከም ጸጋን ንቕበሎ፡ ካብ ሞንጎላያውያን ኮነ ካብ መላእ ዓለም እውን ድሮ ሓያሎ ውዕዉዕ መልእኽታት ይበጽሖም ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ብሓቂ ዓቢ ብስራት እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ሞንጎሊያ ዓቢ ኣገዳስነትን ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ንእሽተይ መጓሰ ዘለዎም ቅርበት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ነተን ኣብ ወሰናስን ዓለም ዝርከባ ሃገራትን ህዝብን ምእመናንን ዘለዎም ቅርበት ዘርእይ፡ ንኹሎም ምእመናንን ልኡካነ ወንጌልን መተባብዒ እዩ ኢሎም . . . ።

ብዛዕባ እቲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ዝቕበሎም ማሕበርሰብ ክርስቲያን እንታይ ክትሕብሩና ትኽእሉ? ሓዋርያዊ ግዝኣት ኡላንባታር ንመላእ ግዝኣት እታ ሃገር ዝሽፍን ከም ዝኾነነን፡ 1500 ካቶሊካውያን ከም ዘለዉን ከምኡ እውን ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ሞንጎሊያ ዝርከቡን ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ካቶሊካውያን ኣለዉ፡ 10 ዝተፈላለያ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ልኡካነ ወንጌል ማሕበራት ቤት ከምዘሎን ን27 ሃገራት ዝውክሉ 75 ልኡካነ ወንጌል ዝሓቁፍ እዩ። 29 ካህናት ክልተ ካብ ኣቶም ደቂ ሞንጎሊያ 36 ደናግል ሽዱሽተ ኣሓው ሰለስተ ዓለማውያን ልኡካነ ወንጌል፡ 9 ብወግዒ ዝተመዝገቡ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ቦታታት ኣለዉ።

ቤተ ክርስቲያን ሞንጎሊያ ድኻን ንእሽቶን እያ። ውሑዳት ኢና። ይኹን እምበር ሓድሕዳዊ ሓልዮት ኣሎ። . . . ምስታ ቀዳመይቲ ኣብ ግብረ ሃዋርያት እትንገር ቤተ ክርስቲያን እዚያ ትመሳሰል ቤተ ክርስቲያን እያ። . . .

ኣብ መንጎሊያ ዝርከቡ ክርስቲያን ውሑዳት እያቶም፡ ምስ ካልኦት እምነታት ዘሎ ርክብ ከመይ ይመስል? ኣብ ሞንጎሊያ ዘሎ ናይ ሓባር ናብራ ካብ ርሑቕ ዝመጸ ውርሻ እዩ፡ ኣብ ምጽውዋር ምቅብባል ዝተሞርኮሰ እዩ . . . ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣድማዒ ህላወ ዘለዋ ኮይና ኣብቲ ቦታ ካብ ኣትኣትው ድማ መበል 30 ዓመት ከም ዝጸምበለትን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣካል ስብከተ ወንጌል እዩ። ስለዚ ክሳብ ክንድዚ ስነ ሜላውን ውጥንን ዘይኮነስ መጋበርያ ምስክርነት ንቤተ ክርስቲያን እዩ። እቲ ርክብ፥ ምሕዝነት ዘውሕ ብሓባር ምጉዓዝ ዝብል እዩ። ውሑዳት ምዃንና ካብ ወጻኢ ዝወሃብ መግለጽን ብወጻኢ ዝዝከር እምበር ኣብዚ መላእ ህዝቢ ሞንጎሊያ በዚ ውሑድ ዝብል ቃል ኣይሓስቡን ማሕበረ ሰብ ክርስቲያን እውን ከምኡ ስለዝ መዓልታዊ ከመይ ገርና ወንጌል ብተኣማንነትን ብኣእማንነት ክንነብሮን ክንምስክሮን ኢና እንጽዕር ብሓይሊ ኣምላኽ ግና።

ህላወ ቅዱስ ኣቦና ንሞንጎሊያን እስያን እንታይ ፍረታት ከፍሪ ተስፋ ትገብሩ? ሞንጎሊያ ኣብ ዓለም ዝያዳ ክትፍለጥ ዝገብር ከም ዝኾነን፡ ልክዕ ብሰንኪ ባህላውን ሃይማኖትውን ሃብታ ከምኡ እውን ታሪኻ። ምብጻሕ ቅዱስነቶም፥ ጽባቐ እዛ ምድርን ውርዙይነት ህዝባን ኣብ ቅድሚት ዘቅርብ ከም ዝኸውንን እዚ መለለዪ ህዝቢ እስያ ንዓለም ዘቓልሕ እዩ። ነቲ ንእሽቶ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ሞንጎሊያ ፍሉይ ህያብን ጸጋን እዩ። ነቶም ብጽሞና ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ሂወቶም ዘወፈዩ ስዒቦም ዘበርክትዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ዝነግር እዩ። ኣብ ምህናጽ ዝምድናታትን ምትእምማንን ዋሕስነትን እንከካይዶ ጻዕሪ ተወሳኺ ስጉምቲ ከም ዝኸውን ተስፋይ እዩ።  እዚ እውን ወንጌል ዝነብርን ዝምስክርን ሕይወት ዘቃልሕ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

05 June 2023, 15:56