ድለ

ሓድሽ መርሕነት ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ሓድሽ መርሕነት ጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን 

ሓድሽ ኣቦ መንበርን ምኽትልን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጴስቆጳሳዊ ጉባኤ

“ብሓባር ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምፈንስ እምነት ንናይ ዓለምና ህልው ኩነታትን ንጠለባት ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ድማ ኣቃልቦ ክንገብርን ናይ ግዜ ምልክት ከነንብብ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ዓለምን ህዝብን ዝነብሩ ንኹን”

እቲ ካብ ዕለት 16 – 19 ግንቦት ኣብ ፖርቶሪኮ ዝተኻየደ መበል 39 ሱርዕ ሓፈሻዊ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪያቢያን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ንሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኻይመ ስፐንግለር ሓድሽ ኣቦ መንበር፡ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ኣዙኣኸን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ ኡያኦን ምኽትል ኣበ መናብርት እንክብል ከም ዝሰመዮም ዜና ቫቲካን ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ካብ ዕለት 16 – 19 ግንቦት ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ፡ ኣብ ናይ ዕለት 18 ግንቦት ውዕሎ ኣብ ብራዚል ናይ ፖርቶ ኣለግረ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኻይመ ስፐንግለርን ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ከም ዝሓረዮምን፥ ብጹዕነቶም ድሕሪ ምሕራዮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ዝተወሃቦም ሓላፍነት ብተኣዝዞ መንፈስ ግን ከኣ ብእምነት ተመሪሐ እቕበሎ - ቢሎም - እቲ ናይ ላቲን ኣማሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ከም ቤት ምኽሪ መጠን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊ ጉዕዞ ምድንፋዕ ዝብል ተልእኾ ዘለዎ እዩ” ቢሎም፡ በዚ ምሰረት ነቲ ቤት ምኽሪ  “ከገልግል - ብኣገልግሎት መንፈስ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት እቕበል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣመላኺቱ፥

“ብሓባር ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምፈንስ እምነት ንናይ ዓለምና ህልው ኩነታትን ንጠለባት ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ድማ ኣቃልቦ ክንገብርን ናይ ግዜ ምልክት ከነንብብ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ዓለምን ህዝብን ዝነብሩ ንኹን” ከም ዝበሉ ሓቢሩ፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣስዒቡ ክልተ ሓደስቲ መኽትል ኣበ መናብርት ሓደ ናይ ቁጠባ ጉዳይት ሓላፍን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ከም ዝመረጸን፥ ንሳቶም እውን ቀዳማይ ምኽትል ኣቦ መንበር ቨነዝወላዊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ልዊስ ኣዙኣኸ ኣያላ፡ ካልኣይ ምኽትል ኣቦ መንበር ፓናማዊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ዶሚንጎ ኡላኦ መንዲየታ፡ ኣቦ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ንኽኾኑ ድማ ዶመኒካዊ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሳንትያጎ ሮድሪገዝ ሮድሪገዝን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ድማ ፐሩቪያዊ ብጹዕ ኣቡነ ሊዛርዶ ኤስትራዳ ሄረራ ከም ዝሓረየ ኣፍሊጡ እቲ ዝተመርጸ መርሕነት ኣካል ብመሰረት ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ቅዋም ካብ 2023 – 2027 ዓ.ም. ዘገልግል ምዃኑ ይሕብር።

20 May 2023, 16:24