ድለ

ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ፥ ቤተ ክርስቲያን እተራኽብ ድልድል እያ! ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ፥ ቤተ ክርስቲያን እተራኽብ ድልድል እያ! 

ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ፥ ቤተ ክርስቲያን እተራኽብ ድልድል እያ!

ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሓት ካቶሊካውያን “ነቲ ኣብ ቻይና ንቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ዘለዉ ዘድንቑ እዮም።”

ምስታ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ዝኾነት ካቶሊካዊ ስልጣነ ዝስማ ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶንዮ ስፓዳሮ ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣባል ማሕበ ርኢየሱሳውያን ናይ ሆንግ ኮንግ ጳጳስ  ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ቾው፥ ዛዕባ እቲ ኣብ ቤጂንግ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደትን ተልእኾ ሃገረ ስብከት ሆንግ ኮንግን ቤተ ክርስቲያንን ሰፊሕ መግለጺ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሃገረ ስብከትና ካብ ር.ሊጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ድልድል” ናይ ምዃን ተልእኾ ተቐቢላ ኣብዚ መስርሕ እዚ ተዋፊራ ተገልግል፥” እንክብሉ ብጹዕ ኣቡነ ስተፈን ቾው ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ እቲ ዝዓበየ ብድሆ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝተፈላለዩን ተጻረርትን ወገናት ምትእስሳር፡ ንነብሶም ክሰምዑን ክርድኡን ዝህንጠዩ ሰብኣውያን ኣካላት ጌሮም ክርእዩ ምሕጋዝ እዩ። እዚ ድማ ንዘለዎም ጸገማት ከቃልል ወይ ድማ ምትሕብባር ከዕብን እዩ ዝብል ተስፋ ምስቶ መጣምቶም ብኣኽብሮትን ብሓልዮትን ክሰምዑን ንምሕጋዝ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጉዕዞ ናብ ቤጂንግ

ብጹዕ ኣቡነ ቾው፥ ናብ ቤጂንግ ዝገበርዎ ዑደት ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 1994 ዓ.ም. ብናይቲ እዋን ጳጳስ ሆንግ ኮንግ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ጆን ባፕቲስት ዉ ዝገበረዎ ዑደት ከም ዝርእይዎ ገሊጾም፥ “ድልድል ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምዃና ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ቻይና ኣብ መንጎ መበል 16ን 17 ክፍለ ዘመን ኣብ ቻይና ልኡከ ወንጌል ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ማተዮ ሪቺ ዝነበርዎን ዝገለጽዎን ሓሳብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ዋላ’ኳ ግዚያዊ ስምምዕ” ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ኣብ መንጎ በብወገን ክፍሊ ጉዳያት ውጻኢ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ወግዓዊ መትረብ እውን እንተሎ፡ እቲ ኩሉ ርካባትን ከምኡ እውን እቲ ዘካየድዎ ዑደት ቤተ ክርስቲያን እተራኽብ ድልድል እያ ዝብል መግለጺኣ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ኣብ መንጎ ቤጂንግን ሆንግ ኮንግን ዘሎ ርክብ ነዚ ዝምስክር ከም ዝኾነ ኣብሪሆም፡ ካብቶም ኣዚዮም ፍሉጣት ውጽኢታት ናይቲ ዑደት ኣብ መንጎ ጳጳሳት ክልቲአን ሃገረ ስብከታት ዝነበረ ውልቃዊ ርክብን ኣብ ሓያሎ መዳያት ምትሕብባር ዳግማይ ምትብባዕን ዝብል እዩ። ነቲ ብክልቲአን ሰበኻታት ጳጳሳት ኣትሪሮም ዝምነይዎ ምትሕብባር ብሓባር ኣብ ምዕያይ ተስፋን ቆራጽነትን ዝህብ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ህያው እዩ

ብዛዕባ እቲ ኣብ  መንጎ ቅድስቲ መንበርን ህዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይንን ዝተበጽሐ ግዚያዊ ስምምዕ ብዝምልከት ብናቶም ኣርኣእያ፥ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝሓስብዎ ዝሞተ ኣይኮነን፡ ህያው እዩ! ኣብ መንጎ ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ምምዳብ ጳጳሳት ናብ ካልኦት ሰበኻታት ዝምልከት ስምምዕ፥ ዘሎ ናይ ኣርኣእያን ዘይምስምማዕን ጉዳያት ንምውጋድ ምናልባት መብርሂ ዘድልዮ ኮይኑ ይስምዓኒ፥ ስለዚ ኣብ መጻእ ዝያዳ ስሩዕን ዓሚቝን ዘተ እንተ ዝግበር ምናልባት መብርህታት ምረኸበ ዝብል እምነት ኣሎኒ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትርጉም ብዛዕባ ‘ምችናይ’ ቤተ ክርስቲያን

ብዛዕባ ‘ምችናይ’ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ኣብ ቻይና ዘላ ቤተ ክርስቲያን “ሕጂ እውን እዚ ኣምር እዚ ማለት ‘ምችናይ’ ንባዕላ እንታይ ትርጉም ክትህበሉ ከም ዘለዋ ንምርዳእ ትጽዕር ስለ ዘላ፡ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ዘተ ምቕጻል የድሊ፡” ከምኡ እውን “ክሳብ ሕጂ ኣብ ውዱእ መደምደምታ ኣይበጽሐን።” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መሰልን ክብርን

ቀጺሎም “ካብ ቋንቋ ‘መሰላት’ ንላዕሊ ኣብ ምኹስኳስ ‘ክብሩ’ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ሕብረተሰብ ሃገርን ጥዑይ ስምዒት ‘ግብኡነት’ ከነጉልሕ ንመርጽ” ቢሎም፡ “ናትካ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ክብሪ ምድንፋዕን ምርግጋጽን ግደታና እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ቻይና ከም ካልእ ክፋል ዓለም ዋላ’ኳ ውሽጣዊ ድኽነት መሃይምነትን ኣብ ምጥፋእ ፍሉይ ስራሕ ብምስራሕ ክትምስገን እንተለዋ፡ ክብሪ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኣን ኣብ ምድንፋዕ ዝሓሸ ክትሰርሕ ትምህርቲ ክትቀስምስ እለዋ።”

ኣብ ቻይና ዝኽበር ኢየሱሳዊ ካህን ማተዮ ሪቺ

ብዛዕባ ማተዮ ሪቺ (ኣብ ኢጣሊያ ማቸራታ ከተማ ዕለት 6 ጥቅምቲ 1552 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ፐኪንግ ዕለት 11 ግንቦት 1610 ዓ.ም. ዝዓረፉን) ኣመልኪቶም እውን ክዛረቡ እንከለዉ፡ ብጹዕነቶም ይብሉ፥ “ክሳብ ሕጂ ኣብ ቻይና ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስያንን ኣብ ደገን ዝፍለጡን ዝኽበሩን እዮም፡ ኣብ ቻይና ብዝርከቡ ካቶሊካውያን ልዑል ኣኽብሮት ኣለዎም፡ ብቻይናውያን መራሕታን እውን ከምኡ።” ርእሰ ብሔር ሺ ከይተረፉ ኣብ ሓደ ካብቲ ንዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ንሪቺ ክብሪ ከም ዝሃቡ ይሕበር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቻይናን

ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሓት ካቶሊካውያን “ነቲ ኣብ ቻይና ንቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ዘለዉ ዘድንቑ እዮም።” ኩሎም ጳጳሳት እውን ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እወንታዊ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፡ እቶም ነቲ ግዚያዊ ውዕል ዝጻረሩ ግን ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህሊ ዘለዎም እዩ ዝመስለኒ። ይኹን እምበር ካብቲ ዝርእዮን ዘንብቦን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ኣብ ዘካይዶ ርክብ ብዛዕባኦም ዘሎ ኣርኣእያ እወታዊ ምዃኑ አረጋግጽ፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ምእመናን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እሙናት እያቶም። እቲ ግዚያዊ ስምምዕ ንቤተ ክርስቲያኖም እንተ ወሓደ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ሺን ዝግበር ርክብ ባህ ዘብል ለውጥታት ከም ዘምጽእ ተስፋ እገብር።”

“መግንስቲ ቻይና ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ብዙሕ ኣኽብሮት ኣለዎ። ብፍላይ ነቲ ሰፊሕ ኣተሓሳስባኦም ምሉእ ብምሉእ መልእኽቶም ናይ ምምሕልላፍ ክእለቶም የድንቝሎም . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ቻይና ዘለዎም ፍቕርን ናብ ቻይና ክበጽሑ ዘለዎም ተስፋን ስለ ዝገልጹ መንግስቲ ቻይና እውን እዚ ክፍጽሙ እንተ ዝደሊ ዘገርም ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 May 2023, 16:44