ኬንያ፥ ድሕሪ እቲ ብጹዓን ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጻውዒት ዕርቂ ናይ ተቓወምቲ ውጥን ተቓውሞታቶም የቋርጹ
ጳጳሳት ኬንያ ብዛዕባ ህልው ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ሃገሮም ኣማእኪሎም ድሕሪ ዘውጽእዎ መግለጺ መራሒ ተቓውምቲ ራይላ ኦዲንጋ ብሰንኪ ምውሳኽ መነባብሮን ኣካታዕን ምርጫ 2022 ዓ.ም. ዘበገስዎ ጸረ መንግስቲ ዝሃቀነ ውጥን ተቓውሞታት ከም ዘቋረጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ሰሙን ዝለዓለ ፖለቲካዊ ናዕቢ መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኣሞሎ ኦዲንጋ ንዕለት 3 ሚያዝያ ክካየድ ጸዊዕምዎ ዝነበረ ራብዓይ ሃገራዊ ጸረ መግንስቲ ውጥን ተቓውሞ ድሕሪ ምቁርጾም ርእሰ ብሔር ዊልያም ሳሞይ ሩቶ ምስ ኦዶንጋ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ንኽዝትዩ ድልው ምዃኑ ድሕሪ ምግላጾም፡ ነቲ ዘሎ ወጥሪ ክንክይን ናብ ጽገናዊ ምርጫ ንምባል ዝድግፍ ሃዋሁ ይርአ ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ዝተኻየደ ምርጫን ዘንቀሎ ተቓውሞ
ካብ 20 መጋቢት ጀምሩ ብጥምረት ተቓወምቲ ውድባት፥ ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ምትላላት ዝነበሮ እዩ ብዝብል ምኽንያት ዝተጸውዑ ሰለስተ ብሔራዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከም እተኻየዱን ኣብቶም ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብውሑዱ ሰለስተ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን 400 እውን ከም ዝቖሰሉን ካልኦት ኣስታት 200 ድማ ከምእተኣሰሩን ሓያሎ ትካላት ንግዲ ከም እተዘምተን ከምኡ እውን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን መካይንን እውን ከም እተቓውጸለን ገሊጹ፥
ፕረዚደንት ሩቶ ምስ ኦዲንጋ ንኽዝትዩ ዘቕረብዎ ዕድመ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ዝተሳዕሩ ነበር ቀዳማይ ሚኒስተር ንዓወት ሩቶ ዝከራኸሩ ኦዲንጋ ብዛዕባ መስርሕ ምርጫ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘለዎም ስክፍታታት ዘማእከለ ዘተ ክካየድ ርእሰ ብሔር ሩቶ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ነቲ ዝጸውዕዎ ራብዓይ ህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ደው ከም ዘብልዎ ዕለት 2 ሚያዝያ ብወግዒ ከም ዝገለጹን እቲ ርእሰ ብሔር ሩቶ ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ናይ ሰላም ምልክት ከም ዝርእይዎን እዚ እውን እወታዊ ምዕባለታት ክርአይ ይገብር እንተሎ፡ ውድቦም “እቲ ናይ ዘተ መስርሕ ፍረ እንተዘይብሉ” ዳግማይ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምጅማር ድልው ምዃኑ ከም ዘጠንቀቑ ኣፍሊጡ።
ጻውዒት ጳጳሳት ንዕርቂ
ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ ንዅሎም “ኬንያውያን፥ ኣብ መንግስትን ኣብ ተቓውሞን ዘለዉ መራሕቲ” ዝዓለመ መግለጺ ከም ዘውጽአን፡ . . . “ዕርቂ” ክግበር ተማሕጺኖም፥ “ኩሉ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተቓውሞ ከቋረጽ” ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሞምባሳ ሊቀ ጳጳኣት ብጹዕ ኣቡነ ማርቲን ኪቩቫ ነቲ መግለጺ ብወግዒ ከም ዘቅረብዎን . . . ኬንያ ናብ ስርዓት ኣልቦነት ኣቢላ ናብ ዝገደደ ሓደጋ ከይትወድቕ ኣጠንቂቖም፡ ናይቲ ዝሰክፍ ዕግርግርን ኣልቦነት ሕጊ ከይእተው፥ “ፖለቲካዊ መራሕቲ ኬንያ ነቲ ተፈጥሩ ዘሎ ጸገም ብዘተ ካብ ምፍታሕ ዘርእይዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ግትርነት ክኣልዩ ንጽውዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኬንያ ንሓደጋታት ስርዓት ኣልቦነት ከተቕጽል የብላን
“ፖለቲካዊ መራሕትና ኣብ ክንዲ ፍታሕ ዝደልዩ፡ ንሃገርና ከይሓልዩ፥ ጽልኢ ሕነ ምፍዳይን ስርዓት ኣልቦነትን ከጋድዱ ዝመረጹ ይምስሉ፡” እንክብሉ ጳጳሳት ኬንያ፥ ፖለቲከይናታት “ሓላፍነታዊ ዘይኮነ ምፍርራሕን ንኬንያውያን ብምልዕዓል ዘተኣታትዎ ዘሎ ዕግርግር . . . መራሕትን ዜጋታትን ብሸለልትነት ይርእይዎ ምህላዎምን ብፍላይ በቶም ሕጊ ከኽብሩ ዘለዎም ኣካላት ዝፍጸም ግፍዒ ብሓቂ ንሓዝን . . . ኬንያ ነዚ መገዲ እዚ ክትስዕብ ክትፈቅድ የብላን፡ ሃገርና ናብ ህውከትን ስርዓት ኣልቦ ሕብረተሰብን ክትወርድ ክንፈቅድ የብልናን ኣይግባእን እውን፡” እንክብል ርእዮቶ ከም ዝሃበን፥ ኣስዒቡ እውን እቲ ዕለት 22 መጋቢት ንዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብዚ ናብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝሰናደወሉ እዋን ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጾም ሮሞዳን ኣብ ዝነብርሉ ዘለውሉ ቅዱስ ወርሒ፥ “ናይ ፖለቲካ ኣካላት ነቲ ግጭት ደው ንኸብሉ ንላበው፥
መራሕቲ ፖለቲካ ክዝትዩ እምበር ነንሓድሕዶም ክጭድሩ የብሎምን። ጽልኢ ዘይኮነ ምፍቃርን ይቕረ ምባልን ምቅላስ ዘይኮነ ጽን ንምብህሃልን ንዘተን ዝኽእለኩም መግዲ ኣለልዩ!
ቢሎም “ብመንግስትን ብፖለቲካዊ መራሕትን ዝዳሎ መደብ ጸሎትን ጽምብላትን” ጠቒሶም ድሕሪ እቲ መደብ ጸሎትን ጽምብላትን ዘሎ ዕላማ ነቲ ዘካይድዎ መደብ ጸሎትን ጽምብላትን ኣብ ሕቶ ዘእትው እዩ . . . ኣብ መንጎ መራሕትን ተቓወምትን ዝፍነው ናይ መጥቓዕትን ውልቃዊ መጥቃዕትን ፖለቲካዊ ናዕብን ቃላት ደው ክብልን” ሓቲቶም፥ ኣብ እዋን ተቓውሞ ሰልፊ ንብረት ዝዘምቱን መጥቓዕቲ ዝፍጽሙ ገበነይናታት ክምርመሩን ብሕጊ ክሕተቱን ከምኡ እውን “ኣኽባሪ ሕጊ ብዘርእይዎ ሸለልትነትን ብዘውርድኦ መጉዳእትን ምኽንያት ንህዝቢ ይቕረታ ክሓቱ” ጻውዒት ነቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ንፍታሕ ቅልውላው ኣብ ሰሙነ ሕማማት ፍሉዩ ጸሎት ክግበር ይጽውዑ
ቀጺሎም ጳጳሳት ኬንያ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፥ ኣብዚ እዋን ሰሙነ ሕማማት ህዝቢ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ “ምእንቲ ነባሪ ፍታሕን እቲ ብብዙሕ ጻዕሪ ዝተረኽበ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ፋሕ ከይብል ፍሉይ ጸሎት ከዕርግ፥
ስቓይ ክርስቶስ ክንምስክር ከሎና ከም ዜጋታት ብፍላይ ድማ መራሕትና ነታ ንሱ ዝሞተላ ሓቂ ማለት ምሕረትን ይቕረታን ንኸይንጠልም ገዛእ ርእስና ንመርምር
እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ኣብ መወዳእታ ኩሎም ዜጋታት ኬንያ ፍልልያት ንምፍታሕ ዝዓለመ ዓመጽ ብምንጻግ ናብ ሰላምዊ ፍታሕ ከብሉ ንምሕጸን፥ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝቐረበ ጻውዒት ንዘተ
ናይ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ኬንያ፥ ነቲ ዓመጽ ኮኒኖም እታ ሃገር ናብቲ ኣብ 2007 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ 1200 ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ሁከት ከይተብል ዘተ ወሳኒ እዩ ቢሎም ጻውዒት ዘተ ከም ዘቕረቡን፥ . . . ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣህጉራዊ ስክፍታ ዝፍጠረ ከም ዝኾነን ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ሓዊስካ፥ ነቲ ህውከት ምግታእን ብሰላማዊ መገዲ ክዛዘም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የዘኻኽር።