ድለ

2023.04.05 ዓርቢ ስቕለት ኣብ ሶሪያ፥ ኣብ መንጎ መከራን ተስፋን 2023.04.05 ዓርቢ ስቕለት ኣብ ሶሪያ፥ ኣብ መንጎ መከራን ተስፋን 

ዓርቢ ስቕለት ኣብ ሶሪያ፥ ኣብ መንጎ መከራን ተስፋን

ሶርያውያን ብሰንኪ እቲ ዘሕለፍዎ ስቓይ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት እዚ፥ “ምስ ስቓይን ሞትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ምትእስሳር ክህልዎም ይገብር። . . .

ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣገልግሎት ስደተይናታት ጨንፈር ኣብ ሶሪያ ንጻዕርታት ኣገልግሎት ስደተይናታት እቲ ማሕበር ኣወሃሃዲ ኣባ ቶንይ ኦ’ሪኦርዳን ብዝዕባ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ማእከል ዑናታት ሰሙን ሕማማት የብዕሉ ምህላዎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ብኲናትን ደሓር እውን ብርእደ መሬት ዝዓነወት ሃገረ ሶሪያ ንዝተፈላለየ ጽንኩር ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዓ ከም ዘላን፡ ኣብ ከተማ ኣለፖ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ማእከል ዑናታት ኲናት ሰሙነ ሕማማት የብዕል ኣሎ። በቲ ኣብ ሶርያን ቱርክን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ልዕሊ 50 ሺሕ ንሞት ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ድማ ኣልቦ ቤት ከም ዝኾኑን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ክርስቲያን ሃገረ ሶሪያ ጥንታዊ 2 ሺሕ ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ኣብዚ እዋን እዚ ዝነብሮ ዘሎ ሰሙነ ሕማማት፥ እቲ እታ ሃገርን ህዝብን ኣጋጢምዎ ዘሎ መከራ “ምስ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ስቓይን” ሓቀይና ምትእስሳር ዘለዎ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀጻሊ ዓርቢ ስቕለት

ኣየርላንዳዊ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኦ’ሪዮርዳን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ መላእ ሶሪያ ኣብ ከተማ ኣለፖ ዝንበር ዘሎ ሰሙነ ሕማማት፡ እቲ 12 ዓመት ዝተኻየደ ኲናትን ከምኡ እውን ለብዒ ኮቪድ - 19ን ስዒቡ እውን ዘጋጠመ ርእደ መሬትን ሳዕቤናት ድህረ ባይታ ዝገበረ እዩ፥ ሶርያ ኣብ ቀጻሊ ዓርቢ ስቕለት እትርከብ ሃገር ኮይና ኣላ” ኢሎም።

ናይ ኢየሱሳውያን ኣገልግሎት ንስደተይናታት ማእከል

ማእከል ኣገልግሎት ንስደተይናታት ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጨንፈር ሶርያ፡ ድሕሪ እቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ንኣስታት 40 ሺሕ ዝግመቱ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝን ንኣስታት 11 ሺሕ ዝግመቱ ድማ ብዘጋጠሞም ማህሰይቲ ምኽንያት ዘድሊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከም ዘቕረበን ሓቢሮም፡ እቲ ርእደ መሬት ዘውረዶ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነ፡ ስለዚ ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታዊ እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ሓግዝ ብሓቂ ሰፊሕ እዩ። እቲ ማኣከል ስነ ኣእማሮኣዊ ድጋፍ እውን የቕርብ ምህላዉ ገሊጾም፥ ኵናት ርእደ መሬት ዘስዓቦ ማህሰይቲ ንምሕዋይ ብዙሕ ዓመታት ክሓትት እዩ ኢሎም።

ሰሙነ ሕማማት ኣብ ማእከል ዑናታት

ሶርያውያን ብሰንኪ እቲ ዘሕለፍዎ ስቓይ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት እዚ፥ “ምስ ስቓይን ሞትን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቂ ምትእስሳር ክህልዎም ይገብር። . . . እቲ ሊጡርጊያዊ ጽምብል ምስ ህይወት ኣዚዩ ሓያል ርክብ ስለ ዘለዎ ኣብ ስቓይ ጎይናታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስቓይካ ኣቢልካ ብምእታው ናይቲ ስቓይ ብሓቂ ተኻፋሊ ምዃንካ እቲ እዚ ጉዳይ ዝሓቶ ፈዋሲ ተስፋ ዝለዓለ ብምዃኑ እትጽበዮ ትንሳኤ ብብርቱዕ መንፈስ ከተማዕድዎን ንኽትቅበሎን ምሉእ ምስንዳው ክህልወካ እዩ ዝገብር” እንክብሉ ሓቢሮም፥

ናብ ትንሳኤ ገጽና

ሰንበት ፋሲካ፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ማለት ኢየሱስ ካብ ሙታን ከም ዝተንሰአ ዘብዕለሉ ዕለት እያ፡ ስለዚህ ኣብ መከራ ዘሎ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነዚ እናጠመተ እዩ ፋሲካ ዘብዕል። ህልው ኩነታት ሶርያ ኣዚዩ መከራ ዝተመልኦ ብምዃኑ፡ ኣድማስ ሰንበት ፋሲካ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ክኾኖ ይኽእል ይኹን እምበር መከራን ስቓይን ናብ ትንሳኤ ዘቕነዐ እዩ። ነዚ ተስፋ እዚ ንምርኣይ ግን ፍሉይ ተህዋስነት ይሓትት። ኣብዚ እዋን ኣብ ሶሪያ ተስፋ ክህልወካ ኣዚዩ ከቢድ እዩ፡ ምኽንያቱ እቲ ኲናት ገና ሰለ ዘይተወድአ፡ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘሰንብ እውን እዩ፡ . . . ይኹን እምበር ኣብ ከምዚ ኩነት እዚ እውን ህልው ናይ ትንሳኤ ተስፋ ኣሎና፡ ንሶርያ ዝሓሸ መጻኢ ክህልዋ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ግን ብሓገዝን ብምትሕብባርን ኩሉ እዩ፡ ብፍላይ ፖለቲካውን ስነ ሜላዊ ክሌኣው ርክባት ዓለም ዓቢይ ሓላፍንት ኣለዎም” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 Apr 2023, 16:02