ዓቃቤ ቅዱሳት ስፍራ ቅድስቲ መሬት፥ ኢየሩሳሌም ናይ ኩሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት እያ!
ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራ ዓቃቤ ኣባል ማሕበር ፍንቸስካውያን ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቅድስቲ መሬት ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ዋላ’ኳ ወጥሪ እንተሃለወ፡ መንፈሳውያን ነጋዶ ናብ ቅድስቲ መሬት ብፍላይ ኣብዚ እዋን ሰሙነ ሕማማት ይውሕዙ” ምህላዎም ሓቢሮም፥ ክሳብ እዚ እዋንዚ ድማ ኣብቲ ውጥረትን ዓመጽን ምንም ዓይነት እደ ኣታውነት መንፈሳውያን ነጋዶ ከም ዘየሎ የረጋግጹ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ’ኳ ውጥረት እንተሃለወ መንፈሳዊ ጽምብል ሰሙነ ሕማማት ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍቅ ዓቃቤ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ኣብ ልዕሊ ናይ ክርስትና እምነት መግለጺ ምልክታ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቃዕቲ እውን እንተሎ ኣብቲ ውጥረትን ዓመጽን ኢድ መንፈሳውያን ነጋዶ ብፍጹም ከም ዘየለ አረጋግጽ” ኢሎም።
ክርስቲያናዊ ቦታታት ንምዕቃብን ንህላወ ክርስቲያን ዘተባብዕ “ኣብ ቅድስቲ መንሬት” ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ዓቃቤ” እዚ ንቕድስቲ መሬት ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ እዩ? ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍቅ ኣብ ኢየሩሳሌም ህላወ፡ ኣብታ ሃገር ንናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ክቕጽል ዝገብር፡ ኣቢያተ ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕና መውሃብን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሓገዝን መደብ ሕንጻት ኣብ መዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስያን ንእተሳልጦ ኣገልግሎት እውን ዓቢይ ደገፍ እዩ፥ ቁጠባዊ ምንጪ እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘጋጥም ሰብኣዊ ጸገም ንኣብነት ኣብ ሶሪያ ብርእደ መሬት ንዝተጎድአ ህዝቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ትርከብ። ሰሙነ ሕማማት ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ብሃይማኖትን እምነትን መንጽር ጥራሕ ዘይኮነ ኣገዳሲ ምንጪ እውን እዩ።
. . . ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ወጥሪ ብኸመይ ምግለጽክምዎ፡ እቲ ኩነታት ከምቲ ብደገ ዝርአ መዓት ድዩ? ብገለ መገዲ መዓታዊ እዩ ክበሃል ይከኣል። ብገለ መገዲ ድማ ብቐጻሊ ዝርአ መዓት እውን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ርጉእ ኣይኮነን . . . ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቦታ ዝተፈጸመ መጥቓዕትን እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ እንተሪእና ብርግጽ መዓታዊ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ቅድስቲ መሬት ህላወና ኩሉ ግዚ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እዩ . . . ይኹን እምበር ዘላቒ ህላወ እዩ። እቲ ኣዚዩ ዘገድስ እምነት ምድልዳል እዩ። ነቲ ኢየሱስ “ኣይትፍርሑ” ዝብሎ ቃል ወትሩ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ክንዕቅቦ ኣሎና፡ ሓይልና ካብ መንፈስ ቅዱስን ምስ ኢየሱስ ካብ ምዃን ዘሎን ርክብን እምበር ካብ ዓቕሚ ሰብ ኣይኮነን።
እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ወጥርን ዓመጽን ኣብ ሎዕሊ ሰሙነ ሕማማት ዘለዎ ጽልዋ እንታይ እዩ፥ ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብ ሰሙነ ሕማማት መንፈሳውያን ነጋዶ ይውሕዙዶ ኣለዉ፥ ወይ ብሰንኪ ዓመጽ ውሑድ እዩ? መንፈሳውያን ነጋዶ ክውሕዙ እንከለዉ ዓመጽ ይንክይ እዩ ክብል እኽእል፡ ስለዚ ድማ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣዚዮም ኣገደስቲ ኣዮም ክብል ይኽእል። መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዘይህልውሉ እዋን ቁጽጽር ስለ ዝንክይ ጸንፈይናውያን ሓይልታት ንዝፍጽምዎ ተግባራቶም ዕድል እዮም ዝርኸቡ። . . .
መንፈሳውያን ነጋዶ ረቛሒ ምርግጋእን መከላኸሊ ዓመጽን እዮም ክብል እኽእል።
ኣብ ገምጋምኩም መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ናብ ቅድስቲ መሬት ካብ ምኻድ ኣይተዓንቀፉን፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል ሰሙነ ሕማማት ዘለዎ ጽልዋ እንታይ ይመስል? ኣብዚ እዋን ይብዛሕ ይውሓድ መንፈሳውያን ነጋዶ ከምቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19 ዘይኮነስ ካብቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ብዝሒ ዝነበረ ብኽልተ ዕጽፊ ክብ ዝበለ እዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ ከተማታት ቅድስቲ መሬት ብመንፈሳውያን ነጋዶ ተጨናኒቐን ዘለዋ ይመስላ። ከምኡ እውን ክርስቲያን መፍንፈሳውያን ነጋዶ ጥራሕ ዘይኮኑስ ክርስቲያናዊ ፋሲካ ምስ ፋሲካ ኣይሁድን ምስ ሮሞዳን ኣስላምን ዝተራኸበ ብምዃኑ እዚ እውን ሓደ ምኽንያት እዩ። ንኣብነት ዝሓለፈ ዓርቢ ክልተ ሚእቲ ሺሕ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ዓል ኣቕሳ መስጊድ ተረኺቦም ነይሮም ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ልዕሊ 20 ሺሕ ክስቲያን ነይሮም . . .
እዚ ህሞት እዚ ኢየሩሳሌም ብሓቂ ናይ ኩሎም ኣህዛብ ቤተ ጸሎት እያ ክንብል ንኽእል!
ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ክርስቲያን እምነት መግለጺ ቦታታት ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ድሕሪ ዘጋጠመ ዕንወት፥ ነቲ ናይ እምነት መግለጺ ስፍራ ንምሕላው እንታይ ይግበር ኣሎ? ሰበ ስልጣን እዅል ስራሕን ጭቡጥ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉዶ? ንዓና ብርግጽ ነቲ ናይ ዓመጽን ዕንወትን ተግባራት ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ ውሕስነት ምሕታት ኣገዳስን ኣድላይን እውን እዩ። ብርግጽ ነዚ ኩሉ ተግባራት ኣቐዲምካ ምርኣይ ኣይከኣልን እዩ፡ ፍጽም ቁጽጽር ክህልወና እውን ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ነገር ምስ ዘጋጥመና ግን ነቲ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ምኹናንን ውሕስነት ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ኢየሩሳሌም ንኹሎም ምእመናን ናይ ኵለን ኣብርሃማዊ ሃይማኖታት ውሑስ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክትከውን ንደሊ፡ ኢየሩሳሌም ናይ ኣይሁድ ክርስቲያን እስላም ከተማ እያ፡ ፍጹም ውሕስነት ክህልው ዝከኣል ኣይኹን ውሕስነት ክህልወና ግን ንጽዕር . . .
ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንህዝቢ ኣብ እትህብዎ ኣገልግት ኣባኹም ፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረ ህሞት ኣሎዶ? ኣብ መንጎ ምእመናንን መፍነሳውያን ነጋዶ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዘሎ ምትሕብባር . . . ኣብ ከባቢና ዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ንቶም ኣብ ሶሪያ ብዘጋጠመ ርእደ ምሬት ዝተጐድኡ ህዝብን ማሕበረ ክርስቲያንን ገዳማትን ክበጽሑን ብሓቂ እቲ ዘሎ ምትሕብባር ክሳብ ክንደይ ጥልቂ ምዃኑ ትርኢ። ኣብ ሶሪያ ኮነ ኣብ መንጐ ህዝቢ፥ ብዘይ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ . . . ዝግበር ምትሕብባር ከምኡ እውን እቲ ካልእ ጦብላሕታ ዘሕደረለይ ህሞት ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ መንፈሳዊ ጽንብላት እቲ ቅዱሳት ስፍራ ምድራዊ ህይወት ኢየሱስ ክትንክፍ ዝገብር ምዃኑ እዩ . . . ስለዚህ ሰሙነ ሕማማት ኣብቲ ከም ጭቡጥ ሕማማት ኢየሱስ ዝተነብረሉ ቦታ ምንባር እዩ . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።