ድለ

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኦቻይና ሲኖዳውነት ንቕድሚት ከም ዘስጉም መገዲ ትርእዮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኦቻይና ሲኖዳውነት ንቕድሚት ከም ዘስጉም መገዲ ትርእዮ 

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኦቻይና ሲኖዳውነት ንቕድሚት ከም ዘስጉም መገዲ ትርእዮ

ናይቲ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ሓጎስን ተስፋታቱን ኣስሚሮም . . . ነቢያት ክንከውን ዘተባብዕ እውን እዩ ቢሎም፡ እቲ እንእውጆ ፍቕሪ ገዛእ ርእስና ብቐዳምነት ኣብነት ክንከውን ይሓትተና

ናይ ኦቻይና ናይቲ ኣህጉራዊ መድርኽ መስርሕ ሲኖዶስ ሰነድ ወግዓዊ ከም ዝኾነን፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ሓልዮ ናይ ሓባር ቤትናን ሓቋፍነት ዝብሉ ነጥብታት ቀዳምነት ክወሃቦም ከም ዝሓተተ ብኣጽንዖት ዘመላኽት ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኦቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዘካየደቶ ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ኣብ ዘውጸእቶ ሰነድ፥ ተራ ደቂ ኣንትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅልውላው ምህዳርን ከምኡ እውን መንእሰያት ኣብ ዝምልከቱ ቀንዲ ኣርእስታት ኣተኩይራ፡ ነቲ ናይ ሃገራት ኦቻይና ብዙሕነት እወታዊ ተመክሮ ሲኖዳውነት ምዃኑ ብምጥቓስ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብሓቂ ክስማዕ ከምዘለዎ ዘዘኻኽርን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መስርሕ እዚ ዓለማውያን ምእመናን ክሳተፉ ዘቕረበቶ ጻውዒት ከም ዝመሰጦምን፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳዊ ኪደት ዘረጋግጽ እውን እዩ ዝብል ሓሳብ ከም እተነብሮ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍረ ምስትውዓል

እቲ ዝነወሐ ክፋል ብዛዕባ እቶም ከም “ፍረታት” መስርሕ ምስትውዓልን ምስማዕን ዝብሉ ነጥብታት ዝትንትን ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተራ ደቂ ኣንስትዮን ንመንእሰያት ምብጻሕን ንዅሉ ዝሓቁፍ ጥራሕ ዘይኮነ ዝውክል ቅርጽ ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ ውሽጢ ከባቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነብረ ወጥሪ እውን ኣለልዩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ዝለዓሉ ዝተፈላለዩ ጉስነታዊ ሕቶታት ከም ዘለዉ ኣስተብሂሉ፡ ናይ ዝተፈላለየ ጸዋዕታ ተመክሮን ሕብረተሰብ ዝህቦ ምላሽም ከምኡ እውን ብዛዕባ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ቅልውላው ጾታዊ ዓመጽን ብህልትውና ቤተ ክርስቲያንን ዝብሉ ኣርእስታት ከም ዘጉልሕ  ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣህጉራዊ ብድሆታት

ንህዝቢ ኦቻይና እዚዩ ዘተሓሳስብ ስነ ምህዳራዊ ቅልውላው ዝያዳ ኣቃልቦ ምሃብ ከም ዘድሊ እቲ ሰነድ ኣጽኒዑ ገዳማዊ ህይወት ጸዋዕታ ሓዳር ተራ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳያት ህይወትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ እገዳ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ዝያዳ ኣቃልቦ ዝጠልቡ መዳያት ምዃኖም ኣብቲ ሰነድ ተመልኪቱ ከም ዘሎን፥

ሓፈሻዊ ጉባኤ ቀዳምነት ክህበሎም ዝግባእ ጉዳያት

እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ስሩዕ ሓፈሻዊ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ብምጥማት፡ እቲ ኣብ ኦቻይና ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰነድ ብደረጃ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ነጥብታት ኣለልዩ፡ ንተልእኾ ብዝምልከት ንጹር ኣንፈት ከም ዘድልን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ዝያዳ ሲኖዳዊት ክትከውን ከም ዘድልያን ኣስሚሩ፥ እቶም ቀዳምነታት እውን፥ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ተራ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ኣድላይነት ሕንጸት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ህይወት ዘጉልሕ ምዃኑ ይግለጽ።

መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ዕዮ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ህልው ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ተሳተፍቲ ድሮ በቲ መስርሕ ዝተለወጡ ኮይኑ ከም ዝስምዖምን ንዝቕጽል መድርኽ ሲኖዶስ ብዓቢይ ተስፋ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ፥ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ዛዕባ ሲኖዶስ ዝመክር ሓፈሻዊ ስሩዕ ሲኖዶስ “ኣዋስእነት ባህርይ” ከዕቢ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ጳጳሳት ሃገራት ኦቻይና ናይ ገዛእ ርእሶም “ጉስነታዊ ምላሽ” ኣንቢሮም፡ ናይ ኦቻይና ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣቡነ ኤንቶኒ ራንዳዞ፥ “ጓሶት ህዝቢ ውቅያኖስ ተኣኪቦም ነቲ ዝሰምዕዎ ብጸሎት ኣሰንዮም፡ ሓሳብ እውን ከካፍሉ” ድላይ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ ኣብ መጻኢ መድረኻት መስርሕ ሲኖዶስ ዓለማውያን ምእመናን ዝያዳ ተሳትፎ ክህልዎም እውን ተስፋኦም ገሊጾም፡ ኣብ ሲኖዳውነት ምዕባይ ከም ዘድልን እዚ እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝንበር ሕዳሴን ብውልቃዊ ምልዋጥን ከም ዝጅምርን ኩሉ ብሓባር ክጓዕዝ ዝብል ጠለብ እውን ዘቕርብ ምዃኑ ገሊጾም፥ ናይቲ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ሓጎስን ተስፋታቱን ኣስሚሮም . . . ነቢያት ክንከውን ዘተባብዕ እውን እዩ ቢሎም፡ እቲ እንእውጆ ፍቕሪ ገዛእ ርእስና ብቐዳምነት ኣብነት ክንከውን ይሓትተና ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ከም ዝልኣኾን ንሕና እውን ልኡኻቱ ኢና” ዝብል ሓሳብ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2023, 15:30