ድለ

ሰንበት ዘምኵራብ የካቲት 26 2015ዓ.ም. (መጋቢት 5 2023)

መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . .ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐጥ አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ከተሕድሩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ቆላ 2፡16-ፍ ያዕ 2፡14-ፍ ግ.ሓ.10፡1-9፤ ሉቃስ 19፡45-48።    ስብከት፡  እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ፥ ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ መዝ. 69፡9።  

አብ መዓልቲ ሰንበት ንአምላኽ ዘሕጉስ ነገር፥ ሕይወትና ቤት አምላኽ ገርና ክንጉዓዝ፥ ሰናይ እናገበርና ንሓውና ሓፍትና ክነፍቅር እሞ እምነትና ሕያው ክንገብር ከም እንኽእል ይነግረና። ኢየሱስ ነዚ ቅድሚ 2000 ዓመት አብ ቤተ መቕደስ ሰቢኽዎ ሎሚ እውን አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ብቤተክርስትያኑ ገሩ ይሰብኮ አሎ።

ወንጌል ንሎሚ ዝተነበና ጎ.ኢ.ክ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አትዩ ዝገበሮን ዘስተምሃሮን ይነግረና። አብ ወንጌል ዮሓንስ ነዚ ናይ ኢየሱስ አብ ቤተ መቕደስ አትዩ ዝገበሮ አብ መጀምርታ ይነግረና አብ ናይ ካልኦት ወንጌላት ግን አብ መጨረሽታ ኢና እንረኽቦ። ቅ. ዮሓንስ አብ መዓልቲ ፋሲካ አይሁድ ከም ዝገበሮ እዩ ዝነግረና። ፋሲካ አይሁድ ዓቢ ብዓል እዩ አብ ብሉይ ኪዳን። ከም ሕጊ ሙሴ አብዚ ዓቢ ብዓል ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ እስራኤላዊ አብ ቅድሚ አምላኽ ክቐርብ አልኦ (ዘጽአ. 34፡23 ዘዳግም 16፡16) እቶም ሕጊ ዘኽብሩ ኩሎም አብቲ ቤተመቕደስ ከይዶም መስዋዕቲ ከቕርቡ አለዎም፥ ሃብታም እንተ ኾነ ብዕራይ ወይ በግዕ ድኻ እንተኾነ ርግቢት ወይ ክልተ ባረቶ ነቲ ዝገበሮ በደል ክስውዕ አለዎ (ሌዋ 5፡7) ከምኡ አብ ዓመት ካብ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ እንተኾነ ፍርቂ ሸክል ክኸፍል አልኦ እዚ መዓልታዊ ውዕለት ብዘመኑ ዝነበረ እዩ። ካልእ ገንዘብ ከም ዲናር፥ ድራክማስ ዝተባህሉ ገንዘብ ናይ አረመን ነጋውስ ስእሊ ስለ ዝነበሮም ንምጽዋት አይበቕዑን እዮም ተባሂሎም አብ ቤተ መቕደስ ከም ምጽዋት ከውድቑ ፍቑድ አይነበረን። እቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝነበረ ጫውጫውታን ድምጽን ነቲ ቤተመቕደስ መልክዑ አቐይርዎ ነሩ ነብያት እውን ነዚ ብዙሕ ጊዜ ይቃወምዎ ነሮም። ቤተ አምላኽ ብኻልእ ክትካእ እንከሎ ጥፍአት እዩ።

ቅንአት ቤትካ በልዓኒ ዝብል አብ መዝ. 69፡9 ዘሎ መሰረት ገሩ ኢየሱስ ሕጊ ክመልእ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ አትዩ ነቶም ዝሸጡን ዝገዝኡን ዝነበሩ ንቤት አምላኽ ዘይመልክዑ የልብስዎ ስለ ዝነበሩ ንኹሎም ካብኡ ሰጊግዎም። ኢየሱስ አነጺሩ ንሱ ወዲ እግዚአብሔር ምዃኑ አቦይ እናበለ ብምሉእ ስልጣን እቲ መስሕ ወዲ አምላኽ ከምዝኾነ ነጊሩ። ቅ.ማርቆስ ምስ እዚ አተሓሒዙ ብምሉእ ስልጣን ከምዝገበሮ ይነግር ነዚ ዝተዓዘቡ መማህርሃን ሕጊ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ ነዚ እትገብር ዘሎኻ እናበሉ ሓቲቶሞ (ማር 11)።

ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ነታ እስራኤላውያን አብ በረኻ ሒዞማ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ታቦተ ኪዳን ተኪአ ህላዌ አምላኽ እትገልጽ እያ ነራ። እቲ አብ ቤተ መቕደስ ዝግበር ዝነበረ ሎሚ አብ ሕይወት ሰባት ክንርእዮ ከሎና አምሳል ናይ እቶም ሃይማኖቶም አብ ደረጃ ሸቐት ዘውርዱ ንኹሉ ነገሮም አብ ሃብቲ ዓለምን ምቾትን አድሂቦም ዝጉዓዙ እዩ ዘመልክት። ንኹሉ ነገር አብ ሕይወቶም ብንዋይ ተኪኦም ይርከቡ። ፍረ ናይ እዚ ኸአ ስሳዔ ምዝመዛ ከምኡ ፍቕሪ ካልኦት ምጉዳል የኸትል። አብቲ ሓቀኛ ትርጉም ቤተ መቕደስ ወይ ቤተ ክርስትያን ክንርኢ ከሎና አምሳል ህላዌ እግዚአብሔር አብ መንጎ ህዝቡ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ነሩ። ከምኡ እውን እግዚአብሔር ብኢየሱስ ገሩ ህላዌኡን ሓይሉን ከም ዝገልጽ እዩ። እንተኾነ ሰብ ነዚ ብኻልእ ተኪእዎ ይጉዓዝ አሎ። ጾም ሰብ ጉዕዞ ሕይወቱ አብ አምላኽ ኽገብር እሞ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ሒዙ ክጉዓዝ ዝሕግዞ እዩ።

አብ ቤተ መቕደስ ክንመላለስ ከም ዝግባእ።

አምላኽ አብ ቤቱ ክንመላለስ ድላዩ እዩ። ኢየሱስ ሓደ ብንጹር ዝፍለጠሉ አብ ኢየሩሳሌም እናኸደ አብ ቤተመቕደስ ይመላለስ ምንባሩ እዩ፥ ቅ. ጳውሎስ ከምኡ ካልኦት ሓዋርያት አብ ቤተ መቕደስ ይመላለሱ ነሮም። አብ ቤት አምላኽ ክንመላለስ ከሎና ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ንገብር። አብ ሕይወትና ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ሰሪዕና ክንክእል አሎና። ንአምላኽ አብ ናብራና አብ ርክባትና አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ቦታ ክንህቦ እንከሎና ሽዑ ክንምስክሮ ንኽእል። ቅ. ዳዊት ንዑናይ ናብ ቤት አምላኽ ምስ በሉኒ ክንደይ ተሓጎስኩ ይብል። አብኡ ምሕረት ሰላም ዕርቂ አሎ። አብ ሓዲስ ኪዳን ቤተ መቕደስ አምላኽ ብርእሱ ክርስቶስ ዝርከቦን አብ ቅ. ቍርባን ብመልክዕ ህብስቲ ስለ ዘሎ ካብኡ ተፈሊና ክንነብር ንሓቀኛ እምነትና አብ ምልክት ሕቶ የእትዎ እዩ። አብ ቤት አምላኽ ምምልላስ እምብአር ምርጫ አይኮነን አብ ሕይወትና ከምቲ መግቢ ማይ አየር ዘድልየና ከምኡ ግድነት ክንገብሮ ዝግብአና ጉዳይ እዩ። ሰብ ምስ አምላኽ ርክብ ምስ አቋረጸ ሽዑ ንኹሉ ክፍአት ክገብር ድሕር አይብልን እዩ። ርክባትና ምስ አምላኽ ከመሎ ቤቱ ቤትና ገርናዮ ዘሎና። ከመይ እጉዓዝ አሎኹ እናበልና ሕልናና ክንሓትት ይግብአና። ጉዕዞ አብ አምላኽ ገጹ ከምርሕ እንከሎ ሰላም ምርድዳእ ምትሕቝቓፍ አሎ ስለዚ ንአምላኽ ክንረኽቦ አብ መገዱን ቤቱን ክንመላለስ ምናልባት መገዱ ጠፊኡና ኮለል ንብል እንተለና ሎሚ ክንረኽቦ እዋኑ እዩ። መገዲ ክጠፍአና ይክአል እዩ ሎሚ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ካብቲ ዝጠፋእናዮ ክንምለስ እሞ ተዓረቐና ክንብሎ እዋኑ እዩ። 

ቤት አምላኽ ቤት ጸሎት እዩ።

እግዚአብሔር ንአና ክጥዕመና ምእንቲ አብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ እንከሎ ንሱ ልዕሊ ቦታን ጊዜን እንከሎ ምእንታና አብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ክንረኽቦ ድላዩ ከይኑ። እዚ ቦታ አምላኽ እንብሎ ቤተ ጸሎት ቤተ ክርስትያን እዩ። አብ 1መቃ 7፡37 ኦ ጎይታ ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ ብስምካ ክስመን ናይ ህዝብኻ ቤተ ጸሎትን መማኅጸንን ኪኸውን ዝኃረኻዮ ንስኻ ኢኻ እናበለ ቤት አምላኽ ቤት ጸሎት ክንገብሮ ድልዩ ከም ዝኾነ ይሕብረና። አብዚ ቤት ጸሎት አቲና እንተ ጸለናሉ ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ትርጉሙ ሒዙ ክጉዓዝ ዝኽእል። ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ መልክዑ ከልውጥዎ ይኽእሉ እዮም። አብኡ ክንመላለስ ከሎና ንአምላኽ አብ ቤቱ ንረኽቦ። ጎ.ኢ.ክ. አብ ቤተ መቕደስ ይመላለስ ከም ዝነበረ እሞ አብኡ አትዩ ይጽልን የስተምህርን ከም ዝነበረ ወንጌል ይነግረና። ቀዳሞት ክርስትያን ነዚ አብቲ መጀመርታ አብ ቤተ መቕደስ አይሁድ ይገብርዎ ነሮም ከምኡ አብ ገዛውቶም። አመንቲ ብሓባር ተአኪቦም ዝጸልዩሉ ገዛ ናይ ኩሎም ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ተባሂሉ። ኩሎም ክርስትያን ዝእከቡሉ ማለት እዩ። አብኡ ንስሓ ኃጢአቶም ይረኽቡ ምስ ሓዎም ሓፍቶም ይዕረቑ አብኡ ንአምላኽ ብቐረባ ይረኽብዎ አብኡ ንጽጉም ሓዎም ይሕግዙ አብኡ ይጥመቑ አብኡ ቃል ኪዳን ይአስሩ አብኡ እንተ ሞቱ ፍትሓት ይግበረሎም ስለዚ ሕይወት ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያኖም ዝተተሓሓዘ እዩ። ሎሚ ቤተ ክርስትያን ንአምላኽ ክንረኽቦ አብ መቕደሱ ኮና ክንመስግኖ ክንልምኖ ትደልየና። አምላኸይ አብ ቤትካ ከም ዝመላለስ ግበረኒ ንበሎ።

ቤት አምላኽ ልብና እዩ።

ቅ. ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ናብ 1ቆሮ 3፡16-17 ቤት መቕደስ አምላኽ ምዃንኩምን፥ መንፈስ አምላኽ አባኹም ኃዲሩ ምህላዉንዶ አይትፈልጡን ኢኹም። ሓደ እኳ ነታ ቤተ መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ አምላኽ ከፍርሶ እዩ እናበለ ኩልና ማሕደር አምላክ ከምዝኾና እሞ ነዚ ቅዱስ ቦታ ልብና ብቅድስና ክንሕዞ ከምዝግብአና ይነግረና። ቀጺሉ ብተምሳሳሊ ርድኢት አብ 1ቆሮ 6፡19-20 ሰውነትኩም ቤተ መቕደስ ናይ እቲ ካብ አምላኽ ዝተቐበልክምዎ አብ ውሽጥኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ አይትፈልጡን ኢኹም እምብአር ናይ ገዛእ ርእስኹም አይኮንኩምን እናበለ ሓደ አማናይ አብ ክርስቶስ ብኹሉ ናይ ክርስቶስ ናይ አምላኽ ከምዝኾነ ይነግረና። ክርስትያን ማለተ አብኡ አምላኽ ዝነብር ማለት እዩ። አብ ነፍስ ወከፍና አምላኽ ምሳና አሎ፥ ንሕና ታቦቱ ኢና ስለዚ ነዚ ፍሉይ ህያብ አምላኽ ብምስጋናን አኽብሮትን ሒዝና ክንክእል ናታትና ተራ እዩ።

አብ ዕለተዊ ሕይወትና ነዚ ቦታ አምላኽ ጥራሕ ክኸውን ዝግብኦ ክወርሱ ዝረባረቡ ሕሱማት ጸላእቲ አለዉና፥ ብአአቶም ተሸኒፍና ምሩኻት ኮና ከይንነብር ሎሚ በዚ ጊዜ ጾም ነቲ ሓቀኛ መሳርያ ክንዕጠቕ ጊዜ ዝህበና እዩ። ልብና ክፉት ስለ ዝኾነ አብኡ ዝአቱ እነፍቅድ ባዕልና ኢና። አብ ልበይ አብ መንፈሰይ ከእትዎ ዝግብአኒ ወይ ከአ ከይአቱ ደው ከብሎ ዝግብአኒ ዘፍቅድ አነ ስለ ዝኾንኩ ኩሉ ጊዜ ንዝመጽአኒ ጋሻ ፈሊጠ ከእትዎ አሎኒ። ልብና ካልኦት ከይውንንዎ እሞ ቤት አምላኽ ምዃኑ ከይሓድግ ዓቢ ምስትውዓል ይሓተና። ሰብ ዝዓበየ ጉድአት ዝወርዶ ልቡ ንአምላኽ ከይአቱ ምፍቃድ ክኽልክል ከሎ ጥራሕ እዩ። ንአምላኽ ቦታ ዝኸልአ ልቢ ክምሕር ክዕረቕ ሰናይ ክገብር ከምኡ አብ ቅድስና ክበጽሕ ከቢድ እዩ። ነዚ ከቢድ ፈተን አብ ጊዜ ጾም አርብዓ ክነሸንፎ ቀሊል እዩ። ጎይታይ አብ ልበይ እቶ ጥራሕ ንበሎ። 

ንቤት አምላኽ ዝኾነ ልብና ሓቀኛ መልክዑ ነልብሶ።

ሰብ ንእግዚአብሔር ክመስል ምስኡ ክነብር እዩ ተፈጢሩ እንተኾነ ንመገዱ ስለ ዝሰሓተ ንአምላኽ ክመስል ጻዕሪ አድልይዎ። ነዚ ንአምላኽ ምምሳል ዝኾነ ዓላማ ተፈጥሮ ወድሰብ ናትና ድኽመትን ብዝጓነፈና ፈተናን ዘይመልክዑ ነልብሶ። ክርስቶስ ከም ዝብሎ ብዓቲ ሰረቕቲ ንገብሮ ቤት ቂምታ፥ ሓመታ፥ ክፍአት ኩሉ ንገብሮ፥ ነዚ ክነጽሪ ምቹእ ጊዜ ሎሚ እዩ። አብ ልብና አቲና ክነጽርዮ ነቲ ንመልክዕ አምላኽ ተኪኡ ገዚእና ዝርከብ ክፍአትና ትዕቢትና ሕመቕና ኩሉ ሎሚ ቀንጢጥና ታቦት አምላኽ ክንገብሮ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ፍቓደኛታት ንኹን። አብ ልበይ እቶ ናትካ ግበረኒ ጓዕጺጹ ሒዙኒ ንዘሎ ጸላኢ ካብኡ ነጻ ክወጽእ ጸጋኻ ሃበኒ ተዓረቐኒ ንበሎ።

ብኢዮኤል ነብይ አቢሉ እግዚአብሔር እምብአርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደአ ቕደዱ ይብል አሎ (ኢዮኤል 2፡12)፥ ቀጺሉ አብ እምባ ጽዮን (ልብና) መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ አኼባ ጸውዑ ይብል። ሎሚ እውን እዚ ቃላት አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ክአቱን ክእወጅን አለዎ። ምሕረት አምላኽ ክንረክብ ብልቢ አብ ልብና ተመሊስና ጽን ክንብሎ አሎና። ጾምና ትርጉም ክህልዎ እንተ ኾነ ብልቢ ዝተሰነየ ክኸውን አለዎ።

ማርያም እታ ቀዳመይቲ ንአምላኽ አብአ ድላዩ ክገብር ዘፍቀደት አብ ከርሳ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ክሓድር ዘፍቀደት ቀዳመይቲ ፍጥረት እያ። ንአምላኽ እሺ ክትብል ዝኸአለት እያ። ንሳ መገዲ አምላኽ ቋንቋ አምላኽ እትፈልጥ እያ፥ ንሳ ንኹሉ ፈተናታት ዓለም ዝረኸበት ግን ዘይተሸነፈት እያ፥ ንሳ ስደት ጥመት ወርደት ኩሉ ዝረአየት እያ ነዚ ኹሉ ጸባባ ጸራ ዝኸአለት ሓንቲ መዓልቲ እውን ካብ ገጽ አምላኽ ዘይተኸወለት ስለ ዝኾነት ሎሚ ንሕና ምስአ ክንጉዓዝ መገዳ ክንክተል እንከሎና መገድና ከይሰሓትና አብቲ ወዳ ዘለዎ ክተብጽሓን ትኽእል እያ። አብ ገለ እዋን መገዲ ይጠፍአኒ አሎ አብ ገለ እዋን ሥጋይ የጥቅዓኒ አሎ አብ ገለ እውን ርጉም ሸይጣን ይዕወተለይ አሎ እሞ አብ ጎነይ ኩኒ ብፍላይ ከአ ነዚ ጊዜ ጾም ጊዜ ጸሎት ጊዜ ንስሓ ከምቲ ዝድለ ክጉዓዞ ለምንለይ ንበላ። ማርያም አብ ዘላቶ ወዳ አሎ ክተስምዖ ክትልምኖ ክእለት አለዋ ንሳ እትብለና ወደይ ዝብለኩም ግበሩ እያ እትብለና። ድላይ ወዳ ንግበር ንስሓ ንአውጅ ኩሉ አብኡ ዝምለሰሉ ኩነታት ንፍጠር።

ርሕሩሕ አምላኽና አብዚ ቅዱስ እዋን ጽዋዕ ቅድስና ተቐቢልና ሃሌ ሉያ እናበልና ክንዝምር ከኽእለና ብሓበራ ብምሉእ ልብና ንለምኖ። ኦ አምላኽ ንጹሕ ታቦትካ ኮይነ ክነብር ሓግዘኒ ንበሎ። አብ ኩል አምላኽ ዝተመስገነ ይኹን።

ጾምና ሕድገት ኃጢአትና አውሂቡ ዘመና ሰላም ፍትሕን ፍቕርን ዘንግሥ ይግበረልና

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

04 March 2023, 13:05