ድለ

ናብ ቤት አቦና ንመለስ: ሰንበት ዘደብረ ዘይት መጋቢት 10 2015 ዓ.ም. (3/19/2023)!

መዝሙር፡ እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተደብረ ዘይት. . . . ብዙኃት ብስመይ አነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ክመጹኹም እዮም እሞ ከየስሕቱኹም ተጠንቀቑ ተሰናዲኹም ጽንሑ። እቲ ክሳብ መወዳእታ ተዓጊሱ ዝጸንሕ ንሱ ኪድኅን እዩ። ወዲ ሰብ ኪመጽእ እንከሎ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ክካወስ እዩ። ሽዑ ኃጢአተኛታት ምድሪ ኩሎም ኪበኽዩ እዮም፥ ሻቡ እግዚአብሔር ብትእዛዙን ብቓሉን ብአእላፋት መላእኽቱን ተዓጂቡ ብቃንዳ መለኸት ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ክወርድ እዩ። ንሱ ዋና ሰንበት ገባር ሕይወት አቦ እዩ እሞ በታ ስዓት እቲአ ካብ ሞት ኃጢአት ይምሓረና።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት.            2ቆሮ 5፡17-21፥ 2ጴጥ 3፡7-15፥ ግ.ሓ. 24፡1-21፥ ሉቃ 15፡1-32       ምስባክ፡. እግዚአብሔርሰ ግሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም፥ እሳት ይነድድ  ቅድሜሁ። እግዚኣብሔር'ሲ ብግህዶ ኢዩ ዝመጽእ፡  ኣምላኽና'ውን ስቕ ኣይብልን'ዩ፡ ነበልባል ሓዊ ይነድድ ኣብ ቅድሚኡ።(መዝ.50:3)

ሰንበት ዘደብረ ዘይቲ ብዛዕባ ዳግማይ ምጽአት ዓለምን ክንገብሮ ዝግብአና ምቅርራብን ይሕብረና። አብ ምስባክ እግዚአብሔር ግልጺ ኮይኑ ክመጽእ እዩ ዝመጽኦ ኸአ ንአና ክፈርድን ናይ ዘለዓለም ቦታና ከትሕዝን ኢሉ እዩ። ንሕና አብ ቅድሚ አምላኽ ምውት ምስበልናን አብ መወዳእታ ዓለም ምስ ኩሎም ሰባት ክንቀውም ኢና። ብዝገበርናዮ ኸአ ክንፍረድ ኢና። ጽቡቅ ዝገበሩ አብ መንግስተ ሰማይ ሕማቕ ዝገበሩ ኸአ አብ ገሃነም እሳት ንዘለዓለም ክውሰነሎም እዩ። መጻኢ ዕድልና ሎሚ አብዚ ምድሪ እንከሎና ኢና እንውስኖ። ሕይወተይ ከመይ እመርሖ አሎኹ? መገዲ ቅድስና ሒዘዮ ዘሎኹ? ወይስ ሰይጣን ተዓዊትለይ አብ ኃጢአት አብ ጸልማት እየ ዝነብር ዘሎኹ ኢልና ሕልናን ክንርኢ እሞ አብ መገዲ አምላኽ ክንምልስ ንንገር አሎና።

ናይ ሉቃስ ወንጌል ብዛዕባ በታኒ ወዲ ይነግረና፥ አብዚ ጊዜ ጾም አርብዓ አብ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዘና ምሳሌ እዩ። ጊዜ ጾም ጊዜ ተሓድሶ እዩ። ሓደ ካብቲ ክንሕደስ ዝሕግዘና ነገር ነቲ አብ ሕይወትና ዘሎ ዘይስሩዕ፥ ዘይሰማማዕ፥ ጠዋይ መዋይ ምዕራይ እዩ። ብኻልእ አዘራርባ እቲ አብ ኃጢአት ዘውደቐና ክፍሊ ሕይወትና ጠባይና ርኢና ክንክእል እዩ። ነቲ ክንቅይሮ ዝግብአና አቐዲምና እንተ ዘይፈለጥናዮ ክንቅይር አይክአልን እዩ። ብዙሓት ካባና አብ ውሽጥና አቲና እንታይ ከም እንመስል ርኢና ዘይንኽእል ኢና። ናይ ካልኦት ሕይወት ክንፈርድ ክንርኢ ዘየጸግመና ተበዲለ ክንብል ጊዜ ዘይወስደልና እንተ ኾነ አብ ርእስና ተመሊስና እንታይ ዓይነት ጠባይ፥ መንፈስን፥ ሕይወትን ከምዘሎና ክንርኢ ዝኸብደና ሰባት ኢና።

ሓንሳብ አብ ሕይወትና አቲና ምስ ከአልና እሞ ነቲ አብ ውሽጥና ዘሎ ካካይ መካይ ከም ጽልኢ፥ ቁጥዓ፥ ቂምታ፥ ስሳዔ፥ ሕነ ምፍዳይ፥ ዘይቅንዕና ወይ ምዕማጽ ርኢና እንተ ኸአልና ክንሳሕ እዩ ዘሎና። አብ ወንጌል ምንሳሕ ክብል እንከሎ በቲ ዝገበርካዮ ምጥዓስ ወይ ምሕዛን ጥራሕ አይኮነን ዘስምዕ፥ ቅጽበታዊ ተሓድሶን ምልዋጥን እዩ ዘስምዕ። አብ ሕይወትካ ዝልዓለ ምቅያር ምግባር ማለት እዩ። አብ አምላኽን አብ ሰብን ዘሎካ አረአእያ ጨሪሽካ ምቕያር ማለት እዩ። ነቲ ምስ አምላኽ፥ ምስ ኢየሱስ፥ ምስ ካልኦት ሰባት፥ ምስ ርእሰይን ዘሎኒ ርክብ ምሕዳሱ ማለት እዩ። አብ ሕይወተይ ናይ ሓቂ አብ አምላኽ ዝመልሰኒ ነገር ምግባርን ፍጹም ተሓድሶ ለቢሰ ናይ አምላኽ ምዃንን እዩ።

አብ ጊዜ ጾም አርብዓ ብዙሓት ጽቡቕ ኑዛዜ ኃጢአቶም ይገብሩ፥ እንተኾነ አብዚ ክንዝክሮ ዘሎና ከምዚ ዝአመሰለ ኑዛዜ ኃጢአት ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኻ ጥራሕ ርኢኻ ንአኡ ጥራሕ ምንሳሕ አይኮነን ክግበር ዘልኦ። አብ ሕይወትካ ከመይ ገርካ ምሕዳስን ናይ ሓቂ ለውጢ ጠባይን ከም እተምጽእ ምሕሳብ የድሊ። አብ ዝገብሮ ንስሓ ኃጢአተይ አብ ሕወተይ ለውጢ ዘየምጽእ ተደጋጋማይ ነገር ጥራሕ እንተ ኾነ ካብታ ዝተናዘዝኩላ ዕለት ክሳብ ሎሚ ከምኡ ንዝመጽእ ሓንቲ ለውጢ አይገበርኩን ማለት እዩ።

ሓደ ካብቲ ናይ ተሓድሶ ሕይወት አብ ጊዜ ጾም አርብዓ ክንገብሮ ዝግብአና ሓቀኛታት አርድእቲ ክርስቶስ ምዃን፥ አብቲ ንሱ ዝሃበናን ጸጋታቱ ምስታፍ፥ አብ ኩሉ መገዱን ድለቱን እሙን ተኸታሊ ኮንካ ምጉዓዝ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ፍሊጲስዩስ ዝበሎ ልክዕ ከምቲ ናይ ኢየሱስ አተሓሳስባ ርድኢትን ይሃልኹም ዝበሎ አብ ኩሉ ናይ ክርስቶስ ኮና ክንርከብ እዩ እቲ ድለት።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘሎ መልእኽቲ ብብሩህ መገዲ ናይ እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ኃጥእ ዘለዎ አረአእያ፥ ንኃጢአተኛ ክምሕር ዘለዎ ድለት፥ ምስቲ ካብኡ ጨሪሹ ርሒቑ ዘሎ ክዕረቕ ዘርእዮ ድለት ይገልጸልና። አብ ወንጌል እንተ ረኤና አብ ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ ዝቐርቡን ዝስዕቡን ዝሰምዕዎ ዝነበሩን ኃጥአንን ብሰባት ዝተገለሉን ዝተፈንፈኑን እዮም። ፈሪስውያንን ጸሓፍትን እቶም ጥዑያትን ሃይማኖታውያንን ዝብሃሉ በቲ ንሱ ዝገብሮ ተዓንቂፎምን ተገሪሞምን። እዚ ሰብ እዚ ንኃጥአን ይቕበልን ምስኦም ይበልዕን እናበሉ ይሓምይዎ ነሮም። ከም ናቶም አተሓሳስባ ናይ ሓደ ጥዑይ ሰብ መለክዒ ካብ ክፉአት ሰባት ዝርሕቕ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ንሕና እውን ከምኡ ኢና እንሓስብ፥ ከምኡ እንተ ኾና ከም ናይ ኢየሱስ አተሓሳስባ የብልናን።

ነዚ ከረድእ ኢሉ ኢየሱስ ሰለስተ ምሳሌ ሂብዎም አብ ናይ ሎሚ ንባባትና ንሓንቲ ብዛዕባ በታኒ ወዲ ኢና አንቢብና። እታ ቀዳመይቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ጓሳ በግዑ ዘጥፍኤ እያ። ንሱ ንዝጠፍኤት ክደሊ አብ ኩሉ ይደልያ፥ ንኹለን ሓዲጉ ነታ ዝጠፍኤት ክደሊ ይኸይድ። እዛ ምሳሌ ነቲ አምላኽ ንሓደ ኃጢአተኛ ክደሊ ዝገብሮ እያ እትገልጽ። ምስረኸባ ሓጎሱ ምስ ጎረባብቱ ይካፈሎ ዝጠፍኤት በግዐይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጎሱ ይብሎም። እታ ካልአይቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሓንቲ ድኻ ሰበይቲ ካብ ዓሰርተ ቅርሺ ብሩር ሓንቲ ዝጠፍአታ ትነግር። ሓንቲ እያ ጠፊአታ ንአአ ግን ብዙሕ ዋጋ አልአ፥ ክትረኽባ ኢላ ንኹሉ ገዝአ ፋሕ ተብሎ እሞ ትደልዮ እሞ ምስ ረኽበታ ንጎረባብታ እታ ጠፊአትኒ ዝነበረት ብሩረይ ረኺባያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጎሳ ትብለን። እዚአ እውን ዓባይ ምሳሌ አምላኽ ብምምላስ ሓደ ኃጥእ ክንደይ ከምዝሕጎስ ንምግላጽ እዩ።

እታ ሳልሰይቲ ምሳሌ ብዛዕባ በታኒ ወዲ እያ ብጣዕሚ ኸአ ተንካፊት መሳጢት እያ። ንሳ ብዛዕባ እቲ ንኡስ ውሉድ ዘይኮነ አተኩሮአ ብዛዕባ እቲ አቦ እዩ። እቲ አቦ ንእግዚአብሔርን ንኢየሱስን እዩ ዝውክል። እዚ ወላዲ ክልተ ደቁ ሓደ አብ ገዛ እንከሎ ከም ዘይ ወዲ ገዛ ይነብር እቲ ካልአይ ከአ ካብ ገዛ ወጺኡ ነብኡን ንኹሎም ቤተ ሰቡ አብ ዘሕፍር ኩነት ይወድቅ። ወላዲ ኩሉ ጊዜ ተስፋ ከይቆረጸ ንድሕነት ዝጠፍኡ ደቁ ምስ ጽዓረ እዩ። እዚ ወደይ እዛ ጓለይ አብ ልቦም ተመሊሶም ሰብ ይኾኑዶ ይኾኑ እናበለ ይሓስብ። ኩሎም ወለዲ ዝብልዎ እዩ።

አብዛ ምሳሌ አቦን ክልተ ደቅን ነናቶም ትምህርቲ ይህቡና። አቦ ሕያዋይ ሓላዪ መሓሪ ንደቁ ኩነታቶም ብዘየገስ ዘፍቅር እዩ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ክሕጎሱን ምስኡ ክኾኑ እዩ ዝደልዮም። እቶም ክልተ ደቂ ግን በብናቶም ካብ አብኦም ይጠፍኡ። እቲ ንኡስ ገዛ አብኡ ሓዲጉ ንዓዲ ጥፍአት መሪጹ ደገ ወጺኡ። እቲ ዓቢ እውን አብ ዓዲ አብ ገዛ አብኡ እንከሎ ጠፊኡ። ናይ ገዛ አብኡ ጣዕሚ ከስተማቕር አይከአለን። ነዞም ክልተ ጥፉአት ደቁ ብዝገበርዎ ዘይኮነ ብዓይኒ ምሕረት አብ ቤቱ ደቂ ቤት ከም ዝስምዖም ይገብሮም። ደቂ ቤት ኮና አብ ቤት አምላኽ ክንአቱ ዘዘኻኽረና ሰንበት።

ብዕምቆት ነቲ ናይ እዞም ክልተ ወሉዳት ክንሓስቦ እንከሎና ከምዚ ዝስዕም ገርና ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ንእሽቶይ ብርከይ ክወጽእ ብምባሉ ጌጋ የብሉን እቲ ጌጋ ዝምጸ ኩሉ እቲ ሕያዋይ አብኡ ዘውረሶ ብርኩ ሒዙ ካብ ቤት አብኡ ወጺኡ ንዓዲ ጓና ከይዱ አብኡ ብዕብዳንን ብዘይ ስሩዕ አገባብን ስለ ዘጥፍኦ እዩ። አብ መጨረሻ ኩሉ ዘልኦ ገንዘብ ወዲኡ አብ ጕስነት ሓሳሙ ተቖጺሩ። አብ ባህሊ አይሁድ ሓሳሙ ዝተረግሙ እንስሳ እዮም ዝሕሰቡ፥ ካብዚ ዝተላዕለ ስግኦም አይብላዕን እዩ፥ ከም አጋንንቲ እዮም ዝሕሰቡ በዚ እዩ ሓደ ጊዜ ኢየሱስ ነጋንንቲ ምስ አውጽኦም አብ ሓሳሙ ክአትዉ ምስ ሓተትዎ ዘፍቀደሎም። እዚ ንኡስ ውሉድ እምብአር አብ ዝተሓት ሕስረት በጺሑ። ነቲ ካብ አብኡ ዝወረሶ ኩሉ ምስ አጥፍኤ እሞ አብ ዓዲ ጓና ምስተሸገረ ቤት አብኡ ዘኪሩ። ቤት አቦይስ እምበር እናበለ ነቲ ሰናይ አብኡ እንከሎ ክርእዮ ዘይክአለ አብ ቦታ ሽግር ክርእዮ ክኢሉ። 

ብወገን ወላዲ ሓንቲ ሓሳብ ጥራሕ እያ አብ ልቡ ዝነበረት፥ ወዱ ከመይ ኢሉ አብ ቤቱ ከም ዝምለስ ወደይ ሓንቲ መዓልቲ ገዝኡ ናፊቝ ይምለሰኒዶ ይኸውን ዝብል እዩ። እዚ ርጉም ቆልዓ አብ ገዛና ውርደትን ሕፍረትን አምጺኡ ኢሉ አይሓሰበን። ብአንጻሩ ወደይ አርሒቁ ከይዱ ጠፊኡ አሎ ክምለስ እየ ዝደልዮ እናበለ ነታ ንጥፍአት ዝመረጻ መገዲ ወግሐ ጸብሐ ይጥምት ነሩ። አብ አፍደገ ገዝኡ ኮይኑ ገለዶ አይምለሰንን እናበለ ብዓይኒ ተስፋ ንምምላስ ወዱ ይጽበ ነሩ። እቲ አብ ወዱ ዝነበሮ ፍቕሪ ክንዲ ዮውጣ ዝአክል እውን ለውጢ አይገበረን (የውጣ ዝነአሰት ፍደል ዕብራይስጢ እያ)። ብወገን ወላዲ ናይ ቂምታ ወይ ተስፋ ቍርጸት ወይ እውን ሕርቃን አይተራእየን። ሓንትስ ወደይ ይመለስ እምበር ኩሉ ክምሕሮ እየ እዩ ዝበል ዝነበረ።

አብ ምምላስ እዚ ዝጠፍአ ቆልዓ ሓንቲ ብሓይሊ ዝተገብረ ነገር የለን። ፖሊስ አይተሰዱን፥ ግዙአት ከምጽእዎ አይተላእኩን። አቦ አብ ቤቱ ኮይኑ ምምላስ ወዱ ጥራሕ እዩ ዝጽበ ነሩ። እቲ ወዱ ባዕሉ እዩ ነቲ ውሳኔ ክወስዶ ዘለዎ። ሕይወቱ ድሕሪ ምርአይ አብ ልቡ ተመሊሱ ናብ ቤት አብኡ ክምለስ ከአ ወሲኑ። ብምኽሪ ሰባት ወይ ብግዱድ መገዲ አይኮነን ክምለስ ደልዩ። እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ጠባይ ናይ ሓደ ብሓቂ ዝንሳሕ ሰብ። ባዕልኻ ሕይወትካ ክትቅይር ምድላይ። 

ድሕሪ ነውሕ ጊዜን በቲ ዝወረዶ ጸበባን አብ ልቡ ክምለስ ጀሚሩ፥ ነቲ ዝገበሮ ጌጋ ክርድኦ ጀሚሩ። አብኡ ካሳብ ክንደናይ ሕያዋይን ጥዑይ ሰብ ከም ዝነበረ ከለሊ ጀሚሩ። ናይ ንስሓ ጉዕዞ ጀሚሩ። በቲ ዝገበሮ ዘሕፍርን ዘዋርድን ምርጭኡ ክስምዖ ጀሚሩ ሽዑ አብ ቤት አብኡ ዝወስዶ ጉዕዞ ጀሚሩ። አብዚ ጊዜ ጾም ካብ ነፍስወከፍና ነዚ ጉዕዞ ተኸቲልና ክንምለሶ አፍደገ ምሕረቱ ከፊቱ ደቀይ ሎሚዶ ጽባሕ ይምለሱኒ እናበለ ይጽበየና አሎ። እቲ ውሳኔ ካባና እዩ።

አቦ ብወገኑ ዝጠፍኤ ወዱ ብማዕዶ ንቤቱ ገጹ ክመጽእ ምስ ረአዮ ካብ ገዛ ወጺኡ እናጎየየ ሓቑፉ ስዒምዎ፥ ካብወዱ ሓንቲ ቃል ከይሰምዐ አብ ጉዳይ ምቕባልን ምሕቋፍን ይአቱ። ምናልባት እቲ ውሉድ ነዚ ይፈልጥ ነሩ እንተ ዝኸውን ነቲ ክብሎ ዝተሰናደዎ ሓሳባት ከም ዘየድሊ ምፈለጠ ነሩ። ወላዲ ቀልጢፉ ትእዛዝ እዩ ሂቡ አብ ገዝኡ ኩሉ ዝበለጸ ነገርን ዓቢ ብዓል ክግበርን። እዚ ብወገን ወላዲ ክንርእዮ ከሎና ናይ ምሕረት ምልክት፥ ናይ ዕርቂ ምልክት፥ብወገን ውሉድ ክንርእዮ ከሎና ኸአ ናይ ምምላስ ምልክት፥ አብ ሕይወቱ ፍጹም ንስሓ ከምዝገበረ ዘመልክት እሞ አብቲ ክኾኖ ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

እዚ ኹሉ ዝተባህለ ክንዝክሮ አድላዪ እዩ ምኽንያቱ ኢየሱስ ነቶም ፈሪሳውያን ምስ ኃጥአን ብምሕዋሱ ዝኸሰስዎ መልሲ ንምሃብ ዝበሎ ስለ ዝኾነ። እዚ ምሳሌ ናይ አምላኽ እንታይነት ብንጹር ይገልጸልና ብሓደ ወገን ብዙሓት ካባና ብምልኡ ዘይተቐበልናዮ ከምዘሎና ስለ ዝገልጽ ብኽላእ ወገን ከአ ምስ ካልኦት ሰባት ዘሎና ጠባይ ከመይ ኢሉ አብዘይተደለ ርክብ ከምዝወድቕ ዝገልጽ እዩ።

አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንከሎ እቲ ዓቢ ውሉድ ሓንቲ ዘይፈልጥ አብ ገዛ አብኡ ክመጽእ እንከሎ ብርሑቕ እንከሎ ብዓልን ሓጎስን ዋዕዋዕታን ምስ ሰምዐ ይገርሞ ንሓደ ካብ ግዙአት አብኡ ጸዊዑ እንታይ እዩ እዚ ዝሰምዖ ዘሎኹ እናበለ ይሓቶ። እቲ ግዙእ ጥፉእ ሓውኻ ስለ ዝተመልሰ አቦኻ ዓቢ ብዓል ይገብረሉ አሎ ዝገርመካ አብ ኢዱ ካትም ኩሉ ክዳኑ ቀይሩ ዝሰብሓ ከብቲ ሓሪዱ እዩ ብዓል ዝገብረሉ ዘሎ እናበለ አጋኒኑ ነጊርዎ። ወዮ ዓቢ ውሉድ አብ ቤት አብኡ ምእታው አብዩ፥ ኮርዩ ምኽንያቱ ንሱ ጥዑይ ውሉድ አብ ቤት አብኡ ዝነብር እንከሎ ከምዚ ዝበለ ተቕባል ሓጎስ ተገርሉ ዘይፈልጥ ነዚ ገዛና አዋሪዱ ገንዘቡ ዝበተነ ግን እዚ ኹሉ ብዓል ተገርሉ ኢሉ ገዛ ምእታው አብዩ። ብወገና እንተ ረአናዮ እውን እንታይ ዓይነት ርትዒ እዩ እዚ፥ አብ ቤት አብኡ ኩሉ ዝተባህሎ እናፈጸመ ዝነብር ሓንቲ ዘይግበረሉ፥ ነቲ ምስ ዝሩጋትን ጥፉአትን ገንዘብ አብኡ ዘጥፍኤ ግን ከም ሓደ ንጉሥ ዝግበረሉ እንታይ እዩ እቲ ጉዳይ? ናይ አብኡ ነገር ክርድኦ አጸጊምዎ? ምናልባት ገለና እውን ከምኡ ንሓስብ ንህሉ ኢና።

አብ ገለ ነገራት ተግባራት አምላኽ አብ ርድኢትናን አተሓሳስባናን ጥራሕ ተመስሪትና እንተ ረኤና ዘይቅኑዕ ኮይኑ ይርአየና እዩ። አምላኽ ግን ብፍቕሪ ፍጡራቱ ዝተበላሸወ እዩ። ምስ ነፍሲ ወከፍና ከምኡ እዩ። እስከ ንርአ ሓንቲ መዓልቲ አብ መንበረ ኑዛዜ ካህን አይትሓዘለይ ሓንቲ ክገብረካ/ኪ አይክእልን እየ ካብ ሕጂ ንድሓር ክፈትሓካ/ኪ አይክእልን እየ ምስ አምላኽ ዕርቂ የብልካን/ክን እንተ ዝብለና፥ ደጊም እቲ ብአምላኽ ዝውሃበና ናይ ምሕረት ኮታ ቁጽሪ ወዲእካዮ እንተ ንብሃል ከመይ ምኾነ ስምዒትናን ሕይወትናን? ብርግጽ ከምኡ አይኮነን እቲ ጉዳይ። አብ ምሕረት አምላኽ ደረት የለን። ኩሉ ጊዜ ምስ መሓረ እዩ።

አምላኽ አብ ዝሓለፈ አይኮነን ዝግደስ አብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዩ ዝግድሶ። አነ ዝፍረዶ አብ ዝሓለፈ ብዝገበርክዎ ወይ ዘይገበርክዎ አይኮንኩን ዝፍረድ። ወይ እውን አብ ዝመጽእ ከመይ ከም ዝገብር ብምጭናቕ አይኮንኩ። አነ ዝፍረድ ሕጂ አብዚአ እዋን ምስ አምላኽ ብዘሎኒ ርክብ እየ ዝፍረድ። አብዚ መሰረት እዩ እቲ አብ የማን ኢየሱስ ምስኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ቀታል ሰብ ምሕረት ዝረኸበ። ሎሚ ምሳይ አብ ሰማይ ክትህሉ ኢኻ ዝተባህለ። ንዘለዓለማዊ ሕይወት አብዛ ስዓት ሎሚ ከም ዝአቱ ተነጊርዎ። እታ አብ እግሪ ኢየሱስ ኮይና እናነብዓት አእጋሩ እትደርዝ ዝነበረት ዘማዊት ሰበይቲ በቲ ዝገበረቶ ጣዕሳ ምሕረት ረኺባ። አነ ክስከፈሉ ዘሎኒ አነ አብዚአ እዋን ምስ አምላኽን ምስቶም ብአኦም አቢለ ምስኡ ዝራኸቦ ከማይ ዝበሎ ሰባትን ዘሎኒ ናይ ፍቕሪ ርክብ ከመይ እዩ።

አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዙሕ ክንምሃር ንክእል። አምላኽ ከመይ እንተ ገበርና እዩ ዝምሕረና። ንኸማና ዝበሉ ሰባት ከመይ ገርና ክንምሕሮም ከም ዝግብአና። አምላኽ ክምሕረና ንደሊ እንተ ኾና ንሕና ኸአ ክንምሕር ክንክእል አሎና። ክንምሕር እንከሎና ብምሉእ ዲና እንምሕር ወይስ ብፈረቓ? ምስ አምላኽ ክንዕረቕ እንተ ኾና ምስቶም ኩሎም አብ ሕይወትና ምንጪ ፍልልይን ባእስን ቃንዛን ዝኾኑ ነገራት አብኦም ክንዕረቕ ይግባእ።

ንአምላኽ ክነመስግን ይግብአና ንሱ መሓርን ፈቃርን አቦን እዩ፥ ደጋጊምና አብ ዝወደቕናሉ ብዘይ ደረት ዝምሕር አቦ እዩ ዘሎና። አብዚ ደው ክንብል የብልናን ተማሒረ ኢልና ክንዛነ የብልናን ልክዕ ምስ ካልኦት ከመይ ኢልና ናይ ምሕረት ነገራት ከምእነዘውትር ክንሓስብ ይግብአና። ዝበደልና ይቕረ በለልና ነቶም ዝበደሉን ይቕረ ክንብል እዩ ጸሎትና። ምስ ሓውናን ሓፍትናን ክንዕረቕ ከሎና ንዝሓለፈ ክፍአትን ስምዒታትን ሕርቃናን ቂምታን ሓዲግና አብ ጉዕዞ ሰላም ፍቕሪ ክንምለስ አሎና።

አብ ኢየሱስ አተኲርና አብነቱን ትምህርቱን እንተ ጠመትና ርክባትና ክመሓየሽ እዩ። ከምዚ እንተ ገበርና አብቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ብዝያዳ ኢና እንቐርብ ከምኡ ካልእ እንገብሮ ነገር እውን አሎ፥ ሕይወት ሰላምን ስምምዕን ዝመልኦ ከምዝኾነ ክንርኢ ኢና። መኽሰብ ዘለዎ ቅዱስ ፍረ ዘምጽእ ጉዳይ እዩ። 

አምላኽ አብኡ እንምለሰላ መገዲ ክጥምት ንሕና ኸአ ካብቲ ካብኡ ፈልዩና ዘሎ ኃጢአትና ተነሲሕና ክንቀርቦ እዋኑ እዩ እሞ ንመለስ። አብ መንበረ ንስሓ ቀሪብና ብድፍረት ኃጢአትና ተአሚና ንነሳሕ። ነዚ ኸአ ብጸግኡ ይሓግዘና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ    

 

18 March 2023, 15:38