ድለ

MIDEAST PALESTINIANS BETHLEHEM CHRISTMAS MIDEAST PALESTINIANS BETHLEHEM CHRISTMAS  (ANSA)

ቤተ ክርስቲያን ብምፍርራህ ኣኽረርቲ ኣይክትፍርሕን እያ! ፓትርያርክ ቅድስት መሬት

ኣብ ቅድስቲ መሬት ንማሕበረሰባት ክርስትያን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ከምኡ’ውን ቀጻሊ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ላቲናዊ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ‘ቤተ ክርስቲያን ውሑዳት ኣኽረርቲ ብምፍርራህ መደባታ ክእዝዙ ከምዘይትፈቅድን፡ ሰላምን ዕርቅን ከተስፋሕፍሕ ምዃና’ውን ክገልጽ እፈቱ’ እንክብሉ ቤተክርስይ ብምፍርራህ ኣኽረርቲ ከምዘይትደሃል ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ሃገረ እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ዕለታት ብቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ዝካየድ ዘሎ ኣካታዒ ፍርዳዊ ጽገና ብሕዝቢ ዝቀርብ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሓይልታት እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ኣብ ጋዛን ምዕራባዊ ገማግም ባሕርን ዝካየድ ዘሎ ወጥሪ፡ ማሕበረሰባት ክርስትያን ናይታ ሃገር ብሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ዕላማ መጥቃዕቲ ኮይኖም ከምዘለው ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 26 መጋቢት ኣብ ናዝሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ብተኸታታሊ ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ናይ መወዳእታ ኮይኑ፡ ሓደ መንእሰይ ኣብ እዋን ቅዳሴ ናብ ሓንቲ ማሮናዊት ቤተክርስትያን ኣትዩ ነቲ ናይ ሰበኻ ህየንተ ጳጳስ ቁርኣን ከንብብ ክግድዶም ከምዝፈተነ ይንገር። እንተኾነ ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣቡና፡ እቶም ካህን ምንባብ ቊርዓን ምስ ኣበዩ፡ እቲ ሰብኣይ ዓው ቢሉ ጸሎት ምስልምና ከቅርብ ምስ ጀመረ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ምእመናን ብዝገበሩሉ ጸቅጢ ካብቲ ቦታ ክኸይድ ክኢሉ።

ቅድሚ እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ናዝሬት እውን ዝሓለፈ ዕለት 23 መጋቢት ንክልተ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዕላማ ዝገበረ ሓሙሽተ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰባት ኣባትር ዝሓዙ ሰባት፡ ብሳለዛውያን ደናግል ናብ ዝካየድ ቤትትምህርቲ ኣትዮም፣ ነተን ደናግል ‘ረሞዳን ከሪም’ (ሮሞዳን ለጋስ ይኹን) ክብላ ከምዝሓተትወን እንክምልከት እተን ደናግል ኣይፋል ብማለት ነቶም ሰባት ካብቲ ህንጻ ከውጽእዎም ክኢለን።

ከምዚ ዓይነት ፍጻመ፡ ኣብ ናዝሬት ብፍራንቸስካውያን ኣሓት ኣብ እትካየድ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ እውን፡ ብኽልተ ዘይፍለጡ ሰባት ብዝተተኮሰ ቶኽሲ ከምዝተረበሸት እንክምልከት፣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ግዳያት ኣይነበሩን። ከማኡ እውን ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ካልኦት ክልተ ኣኽረርቲ እስራኤላውያን ሰባት ኣብ ጌተሰማኒ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ንዝርከብ ቤተክርስትያን ከምዘጥቅዑ ይንገር።

ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቃዕታት ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ካህናትን ውሉደ ክህነትን ዝፍጸም ኣካላውን ቃላውን ጸርፍን ዓመጽን ኣብ ቅድስት መሬት ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን፣ መቓብራትን ንብረት ክርስትያንን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕታት፣ ብፍላይ ከኣ ብእስራኤላውያን ኣኽረርቲ ሰፋሮ ዝግበር ኣካላውን ቃላውን መጥቃዕቲ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዳርጋ መዓልታዊ ይፍጸም ኣሎ። ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 222፡ ሓድሽ ጽንፊ ዝረገጸ የማናዊ ጥምረት ብቤንጃሚን ናታንያሁ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ድማ ኣዝዩ ከምዝገደደ ተሓቢሩ።

ተጻይ ክርስትያን ዚካየድ መጥቃዕታት ብቀንዱ ንካቶሊካውያንን ግሪኻውያን-ኦርቶዶክሳውያን ህንጻታት ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ እውን ይሕበር። ከማኡ እውን ሓደ ካብቲ ዳሕረዋይ ፍጻመታት ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ክልተ ሰባት ኣብ መካነ መቓብር ኣንግሊካውያን ኣእማን መቓብር ብምውዳቕን መስቀላት ብምስባርን ዝተፈጸመ እውን ይርከብ። ሓያሎ ኣርመንያውያንን ሶርያውያንን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን እውን ብተደጋጋሚ ምግፋዕን ቃላዊ ዓመጽን ከምዝወረዶም ሓቢሮም እዮም።

ቤተክርስትያን የሻቅላ እምበር ኣየፍራሃን!

ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ ላቲናዊ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ርእይቶኦም ክህቡ እንከለዉ፡ ‘ቤተ ክርስቲያን ትሻቐል እምበር፡ ካብ ኣኽረርቲ ኣይትፈርህን፡ ኩሎም ኣኽረርቲ ኣስላም  ወይ ኣይሁድ ኣይኮኑን’ እንክብሉ ኣመልኪቶም።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ “ውሑዳት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘለዎም ገበነኛታት መደባትና ክእዝዙ ኣይንፈቅድን ኢና። ካብ ጽልኢ ናይዞም ሰባት ዝዓቢ ነገር ኣሎና” እንክብሉ ንሬድዮ ማርያ ሓቢሮም። ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምቅጻል “ጽንፈኛታት ኩሎም ሓደ እዮም፡ ንሕና ግን ኣይንፈርሕን ኢና። እቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃዋሁ ምናልባት ኣሉታዊ ምዃኑን ናብ ምብራኽ ዓመጽ ንኸይድ ከምዘለናን ንፈልጥ ኢና፡ እንተኾነ ግን ክንፈርሕ የብልናን” እንክብሉ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምትሕብባር ምድላይ ምቕጻል ከምዘድልዮ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

“ከም ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ መጠን ብውሑዳት ኣኽረርቲ ከይፈራሕና ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበረሰባት ንምህናጽ ክንሰርሕን ክንተሓባበርን ኣለና።”

ተመሳሳሊ ቃላት እውን ብናይ ብፁዕነቶም ፓትርያርካዊ ህየንተ ንእስራኤል ብፁዕ አቡነ ራፊክ ናህራ እውን ብወገኖም፡ “ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰረታውያን ምንቅስቓሳት ኩለን ሃይማኖታት ክርስትያን ካብቶም ውሑዳን ማሕበረሰብ እዮም፡” ክብሉ ንሬድዮ ማርያ ገሊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ “ኣብዚ ኩነታት እዚ ንወንጌል ዕርቂ ኢየሱስ ብትብዓት ንምምስካር ተልእኾ ኣሎና። ብሓባር ብስኒት ንክንነብር ኩላትና እጃምና ክንገብር ኣለና” ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝርከቡ መራሕቲ ክርስትያን ማሕበረሰቦም ብኣኽረርቲ እስራኤላውያንን ካልእ ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ካብቲ ዞባ ክባረሩ ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖም ነበሩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ጌተሰማኒ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኦርቶዶክሳዊ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም “ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ቅዱስ ቦታ ኣብ ዝፍጸም ግብረሽበራዊ ገበናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም” ብምዝኽኻር፣ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ቅዱሳት ስፍራታቶምን ንዝርከቡ ክርስትያን ንምሕላው ኣህጉራዊ ምትእትታው ክግበር ጻውዒት ኣቅሪቦም ነበሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ተመሳሳሊ ጥርዓን ብሓላዊ ቅድስት መሬት ፍራንቸስካዊ ካህን ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶን ናብ ሰበስልጣን እስራኤል ቀሪቡ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 March 2023, 13:41