ድለ

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ኲናት ዒራቕ፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ምስ ህዝቢ እያ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ኲናት ዒራቕ፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ምስ ህዝቢ እያ  (ANSA)

ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ኲናት ዒራቕ፥ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ምስ ህዝቢ እያ

ቤተ ክርስቲያን ሰላም ክህሉ ህልውቲ እምበር ጸገምን መከራን ምስ ዝህሉ ብኹርቲ ኣይኮነትን . . . ህላወኣ ክርስቶሳዊ እዩ!

ኣብ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ኲናት ኣብ ዒራቕ እቶም ሽዑ ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ደሓር ካርዲናል ፊሎኒ ንር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሰላም ልኡኽ ኮይኖም ኣብቲ ከባቢ ሰላም ውሑስ ክኸውን ዝጸዓሩን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኮይና ንህዝባ ካብ ምጽንናዕን መገዲ ሰላም ካብ ምሕባርን ከም ዘይትቦክርን ከም ዘይቦኸረትን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝነበረ ህዝቢ ቀረባ ብምዃን እተረጋግጾ ተልእኾ ምዃኑ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ምጅማር ኲናት ዒራቕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 2001 – 2006 ዓ.ም. ኣብ ዮርዳኖስን ዒራቕን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕት፥ ኣብ ህይወቶም ዘጋጠሞም እቲ ኣዚዩ ከቢድ ቢሎም ዝገልጽዎ ተመክሮ ኲናት ዒራቕ ምዃኑን ነቲ ኣብ መንጎ ቦምብታትን ቀታሊ መጥቃዕትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምልስ ቢሎም ብምዝካር፥ ኣብ ዒራቕ ዝተጀመረ ውግእ 20 ዓመት የቑጽር ኣሎ፥ እቲ ዕለት 20 መጋቢት 2003 ዓ.ም.  ኣሃዱ ዝበለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ወራር ኣብ ባቕዳድ ከም ዝነበሩን፥

ኣብ ሕይወተይ እቲ ኣዚዩ ጽንኩር እዋን እዩ ነይሩ!

ብርግጽ ኣነ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዒራቕ ዝነበሩ ጳጳሳት ካህናት ምእመናን መላእ ሕዝብን ምእንቲ ሰላምን እቲ ውግእ ከይብገስ ዝተፈላለየ ጻውዒትን ምንቅስቓስን እውን እንተገበሩ ካብ ኲናት ዝተፈልየ ኣረኣእያን ኣማራጽን ከነቕርብ ዓቕሚ ኣኮይነ ስልጣን እውን ኣይነበረናን፥ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዒራቕ ዝተጀመረ ኲናትን ከምኡ እውን እቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ዘተ ክፍታሕ እውን ከይተሓለሉ ጻውዒት የቕርቡ ምንባሮም ይዝክሩ።

ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳጋምዊ ብዙሕ ጻውዒታትን ተበግሶታትን ንሰላም

ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ሃዋሁ ኲናት ኣብ ዝስምዓሉ ዝነበረ እዋን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ሰላም ብምቕራብ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣይፋል ንውግእ፥ ውግእ ዘይተርፍ ክፋል ሰብኣዊ ታሪኽ ኣይኮነን፥ ኲናት ኩሉ ግዜ ምልክት ስዕረት እዩ!” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ብጹዕነቶም ገሊጾም፡ እቲ ኲናት “ዘይተርፍ” ኮይኑ ምስ ተራእየ ምእቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዕለት 5 መጋቢት 2003 ዓ.ም. መዓልቲ ጸሎት  ምእንቲ ሰላም ከም ዝኣወጁን ዕለት 6 መጋቢት ኣብታ ዓመት እቲኣ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዒራቕን ኣብ ሚዛን እቲ ድሮ ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘስዕቦ ዓቢ ክሳራን ክወልዶ ዝክእልን ጽንፈይናነት ኩሉ ግምት ብምሃብ፡ ንዘተ ሕጂ እውን ግዜ ኣሎ፡ ሕጂ እውን ንሰላም ቦታ ኣሎ፥ ኣብ ምርድዳእ ንምብጻሕን ዘተ ንምብጋስን ብፉጹም ኣይድንጐይን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ እውን ይጠቕሱ።

ኣብ ልዕሊ ዒራቅ ዘይተመዓራረየ መጥቓዕቲ እዩ ዝተፈጸመ፥ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ውሳኔ መሰረት እውን እቲ ውግእ ከይብገስ ብዙሕ ምንቅስቓሳት እውን እተተገበረ እቲ ውግእ ካብ ምፍጻሙ ኣይዓገተን፡ ሳዳም ሑሴን “ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር” ኣለዎም ዝብል ግምት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ኣብ ልዕሊ ዒራቕ መጥቓዕቲ ኣዚዞም፥ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ንስርዓት ሳዳም ሑሴን ብምዕላው፥ “ናይ ዒራቕ ጃምላዊ ዕንወት ዘስዕብ ኣጽዋር” ዝበሃል መርትዖታት ንምድላይ ዝግበር ዝነበረ ስርሒት ተበራተዐ። እቲ ኣጽዋር ግና ብፍጹም ኣብ ዝኾነ ይኹን መሬት ዒራቕ ኣይተረኽበን። ሰራዊት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሸሞንተ ዓመት ኣብ ዒራቕ ከም ዝጸንሐን ኣብቲ ውግእ 4, 600 ወተሃደራት ኣመሪካን 270 ሺሕ ዒራቓውያንን መብዛሕቲኦም ሰላማውያን ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ውግእ እውን ከም ዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ኵናት ኣብ ልዕሊ ዒራቕ “ዳዒሽ ዘፍረየን ዝተፈላለዩ ጸንፈይናታትን ዓሌታውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ዝወለደን እዩ፥ እዚ እውን ናይ ታሪኽ ተንተንቲ ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ። ኣብ ዒራቕን ሶርያን ሱር ሰዲዱ ብዙሕ ጸገም ከስዕብ ምስ ጀመረ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ዒራቕ ወተሃድራታ ከተእትው ምኽንያት ኮና፡ ድሕሪ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ምጅማር ኲናት ኣብ ዒራቕ ካብ 2003 ዓ.ም. ወራር ኣመሪካ ጀሚሩ ክንደይ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ብርግጽ ዝፍለጥ ኣይኮነን` እንተኾነ ግን ካብ 275 ሺሕ ክሳብ 306 ሺሕ ብቐጥታ ምስቲ ውግእ ዝተኣሳሰረ ዓመጽ ኣመርካን መሻርኽታ ወተሃደራትን ሓይሊ ጸጥታን ዒራቕ ከምኡ እውን ተቓወምቲ ሓይልታት ካብ ግዜ ወራር ክሳብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ከም ዝሞቱ ይፍለጥ። ዋላ እኳ ንናይ ዒራቕ ዳግመ ሕንጻት ልዕሊ 100 ቢሊዮን ዶላር እተተኣከበ ብዙሓት ክፋላት እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብዘፈላለየ ሕጽረት ድዩ ስእነት ኣገልግሎት መውሃቢ መሰረታዊ ድላይ ኣብ ስቓይ እዩ ዘሎ። . . .

ነቲ ዘይተርፍ ምቕባል

ብጹዕነቶም ድሕሪ ምጅማር ኲናት ዝነበረ መዓልታት ዘተ ንምዕባይ ሰላም ንምምጻእ ዕድል ዘይምርኻቡን መገዲ ሞትን ህልቂት ከም ቅብሉ ክትርእዮ ብሓቂ ዓቢይ ሰብኣዊ ውድቀትን ስዕረትን እዩ። ይዅን እምበር ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኮይና ዝከኣላ ከም ዝገበረት እውን ኣረጋጊጾም፥

ቤተ ክርስቲያን ሰላም ክህሉ ህልውቲ እምበር ጸገምን መከራን ምስ ዝህሉ ብኹርቲ ኣይኮነትን . . . ህላወኣ ክርስቶሳዊ እዩ!

ምእንቲ መሰል ህዝብታት ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላምን ሓድነትን ተገልግል፡ ዘተን ምቅርራብን ክህሉ ምትብባዕ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መንጎ ህዝብታት እውን. . .

ቤተ ክርስቲያን መጻእተይና ዘይኮነት ኣካል ህዝቢ እያ፡ ኣብ ክውንነት ህዝቢ ዘላ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅድም ውግእ ኣብ ዒራቕ ህዳጣን ኣባላት እውን እንተነበራ ጸገም ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን ድሕሪ ኲናት ግና ህዳጣን ኣባላት ዘለዋ ብምዃና ንዝተፈላለየ ሓደጋ ተቓለዐት ኣባላታ እውን ኣዝዮም ተተንከፉ፥ “ኣብ ዘመን ሳዳም ሑሴን ቤተ ክርስቲያን ትኽበር ነይራ” . . . እንክብሉ ድማ ብጹዕነቶም የስተብህሉ።

ኣብ ቀዳማይ ሽሓዊ ዓመት መብዛሕቲኦም ክርስቲያን ከለዳውያን ምንባሮምን ደሓር ድማ ኦርቶዶክሳውያን ከም ዝነበሩን ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ድማ ኣብ ሞንጎ ክርስቲያን ህዳጣን ከም ዝኾነትን ካልኦት እውን ብዙሓት ውሑዳት ዝኣባላተን ኣቢያተ ክርስቲያንን ካልኦት ሃይማኖታት እውን ተኸቢረን ይነብራ ነይረን - ከም ክፋል ህዝቢ፡” ዒራቕ ኣብላጺ ህዝባ እስላም እውን እንተነበረ ክርስቲያን ኮኑ ካልኦት ሰዓብቲ ሃይማኖታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዝነበሮምን ንጥፈታት ልኡካነ ወንጌል ክልኩል እኳ እንተነበረ እምነቶም ንምትግባርን ንምንባርን ናጻ እዮም ዝነበሩ፡ መንነት ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት እውን ይኽበር ነይሩ” ይብሉ።

ዘይርጉጽነትን ሕቶታትን

ድሕሪ እቲ ውግእ ዒራቕ እንታይ ክትመስል እያ ዝብል ሕቶ ከም ዝነበረን “ናይ ሳዳም ሑሴን መንግስቲ እንተድኣ ተዓልዩ እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክንወስድ ኣሎና” ዝብሉን ካልኦት ሕቶታት ዘማእከለ ዘተ ኣብ መንጎ ጳጳሳት ነካይድ ነይርና፥

ቤተ ክርስቲያን ኣካል ህይወት ህዝቢ ዒራቕ ስለ ዝኾነት ንመሰል ህዝቢ ተሓላቕት እያ!

ድሕሪ ሳዳም ሑሴን እቲ ስልጣን ካብ ህዳጣን ሱኒ ናብ ኣብላጺ ሾዓውያን ምስ ተሰጋገረ “እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ናይ ሃይማኖት ናጽነት ተመሳሳሊ ውሕስነት ዶ ይህልዎ ዝብል ሕቶ እውን ነይሩና፡ ይኹን እምበር “ድሕሪ ምዝዛም ስርዓት ሳዳም ሑሴን ብኣኽረርቲ ጉጅለታት ብቐዳምነት ኣደዳ ዓመጽ ዝኾነ ክርስትያን ማሕበረሰብ እዩ ነይሩ - ብዙሕ ድማ ተሳቒና ኢና፥ . . . ”

ኣቢያተ ክርስቲያን ዓንየን ብዙሓት ድማ ናይ እምነት ሰማእታት ኮኑ!

መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ስላምን ጸጥታን ውሑስ ኣብ ምግባር ብዙሕ ዓቕሚ ኣይነበሮም ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከባሉ ስፍራ ሓለዋ ክቐውም ገይሩን ብፍላይ ስግደትን ኣምኾን ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ጸጥታን ሰላምን ውሑስ ንምግባር እውን መንግስቲ ይጽዕር ነይሩ እዩ። ቀስ እናበለ ነገራት ይመሓየሽ ኣሎ፡ ኣቢያተ ክርስቲያን ክሳብ ሕጂ ብሓይሊ ጸጥታ ዝሕለዋ እውን እንተኾነ ንገራት ዝተመሓየሸ ይመስል፡ ብፍላይ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥

ስለዚ ዝሓሸ ምርድዳእ ዝረኣየሉ ኩነታት ኣብ መገዲ ዘሎ ይመስለኒ!

እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

21 March 2023, 16:17