ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ክርስቲያን ዝፍጸም ምግፋዕ እናወሰኸ ይኸይድ
ብመሰረት እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዓንቀጽ - 18 ምስ ካልኦት ሰለስተ ዘይመንግስታውያንን ዘይመኽሰባውያንን ክርስቲያን ውድባት ብምትሕብባር ዕለት 28 ለካቲት ወግዓዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ ኵነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዓለም 2022 ዓ.ም.፥ ኣብ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ዝእሰሩ ቁጽር ክርስቲያን ክብ ይብል ምህላዉ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብጀካ እቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ጸጥታ እንኮላ ዝሞተት ኩርዳዊት ማህሳ ኣሚኒ ስዒቡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓይል ጸጥታ ቁጥዐ ዘሰነየ ህዝባዊ ናዕቢ ንምዕፋን ዝፈጸሞ ጭፍጨፋ 2022 ዓ.ም. ኢራናውያን ክርስቲያን ኣብ ሃገሮም እምነቶም ብምንባሮም ጥራይ ዘጋጥሞም ምግፋዕን ማእሰርትን ክብ ከምዝበለን፡ ኣርባዕተ ናይ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተሓለቕቲ ዘይመንግስታውያንን ዘይመኽሰባውያንን ውድባት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ዘማእከለ ዕለት 28 ለካቲት ወግዓዊ ዝኾነ ናይ 2022 ዓ.ም. ጸብጻብ ከም ዘመላኽቶ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓንቀጽ 18 ኣብ ኢራን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሕለቕ ኣብ ሎንደን ዝመደብሩ ዘይመንግታዊ ምስ ክፉት ማዕጾ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምትሕብባር ዝዓዪ፡ ከምኡ እውን ኵነታት ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝከታተል ዓለም ሓቆፍ ክርስቲያናዊ ምትሕብባር ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብሰንኪ እምነት ኣብ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ዝተቐትሉ ኣንግሊካዊ መጋቤ ኣራስቶ ሳያ ሰማዕትነት ዝኽሪ መበል 44 ዓመት ድሕረ ባይታ ዘለዎ ወግዓዊ ዝገበርዎ 25 ገጽ ዝሓዘ ሓምሻይ ሕታም 2022 ዓ.ም. ናይ ጸብጻብ ሰነድ፥
ኣብ 2022 ዓ.ም. 134 ክስቲያን ከም እተኣስሩ
ኢራናውያን ክርስቲያን ብሰንኪ እምነቶም ክቕተሉ ልሙድ እኳ እንተዘይክኮነ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኢራን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዘየለ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. 134 ኢራናውያን ክርስቲያን ብሰንኪ እምነቶም ከም እተኣስሩን ምስ 2021 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ ዕጽፊ ከም ዝኾነን፥ 17 ኢራናውያን ክርስቲያን “ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነት ምውሳእን - ኣንጻር ስርዓት ዝሓቀነ ደዓያት ፈጸምቲ” ብዝብል ክሲ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈረዶምን እቲ ጸብጻብ ከመላኽት እንከሎ፥ ኣብ እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ካብ ሺዓ እስልምና ወጻኢ ካልእ እምነት ምንባር “ንእስላማዊት ረፓብሊክን ክብርታታን” ከም ሓደጋ ይቑጸር።” ኣብ 2022 ዓ.ም. ክልተ ናይ ኣርመን ስርዓት ናይ እትኽተል ቤተ ክርስቲያን ኢራናውያን ኣባላት ኣብ ቤቶም መንፈሳዊ መደባት ኣካይድኩም ብዝብል ክሲ ንዓሰርተ ዓመት ማእሰርቲ ከም እተፈርዱ እቲ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብሰበ ስልጣናት ዝፍጸም ግህሰት
ኣብ 2022 ዓ.ም. 49 ሰነ ኣእምሮኣዊ ስቅያትን 98 ዓመጽን (ዋላ እኳ እቲ ሓቀይና ኣሃዝ ኣዚዩ ዝዓበየ እንተኾነ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ግዳያት ነቲ ዓመጽ ስለ ዘይሕብሩ) ከም ዝወረዶም ኣብቲ ጸብጻብ ክምልከት እንከሎ 468 ዘይክርስቲያን ዝኾኑ እውን ዝርከብዎም ናይቶም ዝተኣስሩ ኢራናውያን ክርስቲያን ናይ ቀረባ ኣዝማድ ከም እተተሓዙ ነቲ ጸብጻብ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣርባዕተ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥራይ ፍቓድ ከም እተወሃበን
እቲ ጸብጻብ ከም ዘመላኽቶ ካልእ ሓበሬታ እውን ብዛዕባ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ስፍራ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ መሬት እስላማዊት ረፓብሊክ ኢራን ኣርባዕተ ቋንቋ ፋርሲ ዝጥቀማ ኣቢያተ ክርስቲያን ጥራይ እየን ክዓያ ዝፍቀደለን። ይኹን እምበር ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ - 19 ብኣካል ተሳትፎ ዝግበረሉ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ተመሊሰን ንኣገልግት ኣምልኾን ስግደትን ክፉታት ንኽኾና ገና ካብ መንግስቲ ፍቓድ ከም ዘይተወሃበን እቲ ጸብጻብ ከም ዝረጋገጾ የመላኽት።
ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ኢራን
እቲ ብወግዒ ኣፍልጦ ዝረኸበ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኢራን፥ ማሕበረሰባት ኣርመንያን ሶርያውያንን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ካብ ልዕሊ 87 ሚሊዮን ዝግመት ብዝሒ ሕዝቢ ኢራን ብዝሒ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣስታት 300 ሺሕ ከም ዝግመትን ይኹን እምበር እዚ ቍጽሪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ስደት ኣዝዩ ከም ዝነከየ እቲ ጽብጻብ ይሕብር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ኣብ ኢራን ንኣርመንያ ሓዋርያዊት ንሩሲያ ኦርቶዶክሳውያን ንሶሪያ ኦርቶዶክሳውያን ኣርመናውያን ከለዳውያንን ሮማውያን ካቶሊክን ከምኡ እውን ኣንግሊካውያንን ፕረስቢተርያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣፍልጦ ከም እትህብን እምነት ክርስቲያን ዝተቐበሉ ብወግዓዊ ደረጃ ዘይሕበር እውን እንተኾነ ካብ እስላም ድሕረ ባይታ ዝመጹ እምነት ክርስትና ዝተቐበሉ ካብ 500 ሺሕ ክሳዕ 800 ሺሕ ከም ዝግመቱ የመላኽት።