ኣፍሪቃ፥ ኣህጉራዊ ምዕራፍ ሲኖዶስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ክሳዕ ዕለት 6 መጋቢት ዝቕጽል ኣብ ኣህጉራዊ ሰነድ ሲኖዳውነት ዘስተንትን ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣህጉራዊ ምዕራፍ ሲኖዶስ ዕለት 1 መጋቢት ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ተጋባእያን ኣሳቲፉ ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ነቲ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ ምርዳእ ክበሃል እንከሎ ነቲ ዝዛረበና መንፈስ ቅዱስ ልብና ምኽፋት ከምኡ እውን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ብዝሓሸ መገዲ ንምፍጻም ንሓድሕድና ምስማዕ ማለት እዩ፡” ነዚ ዝበሉ ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣህጉራዊ ምዕራፍ ሲኖዶስ መደረ ዘስምዑ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጒባኤ ምኽትል ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳቲ ሉሲዮ ሙዋንዱላ ክኾኑ እንከለዉ ብጹዕነቶም ናይዚ ኣህጉራዊ ምዕራፍ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነተ ኣሕጽር ኣቢሎም ከም ዝገለጹን፥
ከም ሓንቲ ስድራ ቤት
ነቲ ቀዳማይ ዋዕላ ኣኼባ ዝኸፈቱ ናይ SECAM - ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስጋርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ ከም ዝኾኑን ቅድም ክብል ነቲ ዓውደ ኣኼባ መበገሲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ብጹዕ ኣቡነ ሙዋንዱላ፥ “ኣብ ኣፍሪቃ ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ብሓባር ክንመላለስ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና፡ ንሓድሕድና ንምስማዕ።” ኣስዒቦም ብፍላይ ናይጀሪያ ድሕሪ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ስዒቡ ካብ ዘጋጥማ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክትወጽእ ሰላምን ምርግጋእን ዕርቅን ከተቐድም ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
መንፈሳዊ ዘተ
ሓሳብካ ምግላጽ ንኻልእ ዕድል ምሃብ ብሓባር ምህናጽ፥ እዞም ሰለስተ ምዕራፍ ብኣማኻሪ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ሲኖዶስ ኣባ ጃኮሞ ኮስታ፡ ነቶም 200 ተጋባእያን፥ ኣገባብ ዕዮ “መንፈሳዊ ዘተ” ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ኣባ ኮስታ ንኹሎም ተጋባእያን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናት ዓለማውያን ምእመናን ውፉያንን ውፉያትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ወከልቲ ካልኦት ሃይማኖታትን፥ “እዚ ኣገባብ እዚ ኣበርክቶ ናይቲ ካልእ ክንሰምዕን ተልኾ ወንጌል ብሓድሽ ኣገባብ ንኸነለልይ ሓድሽ መገድታት ንዘቕርበልና መንፈስ ቅዱስ ክፉታት ክንከውን ይሕግዘና።” ናይዚ ኩሉ መንቀሳቐሲ ድማ ጸሎት እዩ!” ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቶ ዘእትው ኣገባብ ኣይኮነን፥ ሲኖዳውነት ናይ ኩሉ ተመክሮታት ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ካብ ውልቃዊ ርእይቶ ናብ ሓባራውነት
ስለዚ ኣተኩሮ ናይቲ መንፈሳዊ ዘተ ኣብቲ ትሰምዖ ዘለኻ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእስኻን ኣብቲ ብመንፈሳዊ ደረጃ ዘጋጥመካ ነጋራትን እዩ። እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ - “ምስቲ እንነብረሉን እንተኣትዎን ክውንነት ካብ ምርኻብ ምጅማር ዝብል እዩ፡” እቲ ካልኣይ ድማ እቶም ተጋባእያን “ናብ ሕመረት ተመክሮኦም ንምኻድ ተመክሮኦም ብመንጽር ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክትርጉሙ” ዝጽውዕ እዩ። ስለዚ እቲ መጠንቀቕታ እምበኣር ካብቲ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ዝብሎ ክንየው ምኻድ እምበር ኣብ ሓደ ንጽል ኣርኣእያ ጸቕጢ ምግባር ኣይሃሉ ዝብል እዩ። “እቲ ዘካፈልክዎ ምስቲ ካልኦት ዝብልዎ ክሰማማዕ ኣለዎ። ማለት ካብ ውልቃዊ ርእይቶ ናብቲ ኣብ ምክፋል ብሓባር ክንሃንጾ ከም እተጸዋዕና ኣፍልጦ ናብ ምሃብ ንሓልፍ።”
ካብ ‘ኣነ` ናብ ‘ንሕና’
ኣስዒቦም ኣባ ኮስታ እቲ ሳልሳይ ምዕራፍ፥ “በቲ ምስቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ብዝተገብረ ርክብ ዝተለወጠ ኩሉ ሰብ ናብ ናቱ ማሕበረሰብ ክምለስ ዝተጸውዐ እዩ” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም እቲ ነፍሲ ወከፍ ተሳታፊ ናይቲ ጉባኤ፡ ክገብሮ ዝተጸውዖ ዓይነት ምስግጋር - ምሕላፍ፥ ይብሉ ካብ “ኣነ” ናብ “ንሕና” ከምቲ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘጋጠመ፥ ካብ ምድንጋር ናብ ስኒት ምሕላፍ ማለት እዩ። ኣብቲ እዋን ናብቶም መበቆል ማሕበረሰባት ተመሊስካ ነቲ ዝተነብረ ተመክሮ ምክፋል እዩ።
ሓባራዊ መመያ (ብሓባር ምስትውዓል)
ኣብቲ ጉባኤ ህላወ ብዙሓት ተሳተፍቲ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣፍልጦ ምሃብ ይግባእ። ንሳቶም ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኣገደስቲ ውሳነታት ዝውሰደሉ መኣዲ ዘይርከብ ክፋል ህዝቢ ይውክሉ። “እቲ ዝቐረበ ኣገባብ። ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ምስትውዓልን ብሓባር ምስማዕ ስለ ዘስፍሕ ኣዚዩ መሳጢ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣህጉራዊ ምዕራፍ ሲኖዶስ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዕለት 6 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ስታዲዮም - ናይ ስፖርት ሜዳ” ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕጾ ከም ዝኾነን፡ እዚ ጉባኤ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ጋና ኣክራ ኣብ ከንያ ናይሮቢ ዝተኻየደ ክልተ ናይ ዕዮ ኣኼባታት ኮይኑ፡ ንድፊ ናይ መወዳእታ ሰነድ ሲኖዶስ ኣፍሪቃ ንምድላው ዝሃቀነ እዩ። ልኡኻት ኣብ ናይ ኣህጉራዊ ምዕራፍ እቲ ናይ ዕዮ ሰነድ ዘቕርቦም ሕቶታት ክግምግሙን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዕዮ SECAM - ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ንዝካየድ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ናይ መካየዲ ዕዮ ሰነድ ናብ ዘዳልው ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ሲኖዶስ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣበርክቶኡ ከመሓላልፍ ምዃኑ የዘኻኽር።