ደ.ረ. ኮንጎ፥ ኣብ ኪንሻሳ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኵለ መዳያዊ ኣገልግሎት ንተመሃሮ
ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ዝርከብ ብናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳትን ብማሕበራት ደናግል ቁጠባዊ ሓገዝ ዝረክብ “ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ”፥ ኣብ መደብ ህንጸትን ንተመሃሮ ናይ መግቢ ሓገዝ ብምቕራብን ዓቢይ ኣገልግሎት ይህብ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ኪንሻሳ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ዝርከብ ሚኮንዶ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ዝርከብ “ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ነቶም ናይቲ ከባቢ ድኻታት ብመደብ ህንጸትን ብምግባዊ ሓገዝን ዘገልግል ካልኦት ዓቢይ ናይ ቁጠባ ድኽነት ዘለዎም ኣባላት ኣባይቲ ስድራ እውን መሰረታዊ ሓገዝ ዘቕርብን ንብዙሓት ድኻታት ተመሃሮ ብሰንኪ ስእነት መግቢ ካብ መዓዲ ትምህርቲ ከይግለሉ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ንኽበጽሑ ዘለዎም ተስፋ ከየጥፍኡ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ዝረኽብሉ ፍሉይ ስፍራ ኮይንዎም ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ትምህርትን መግብን
“ዘርኢ ተስፋ” እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዘይመኽሰባዊ ትካል ምስተን ኣብ ኪንሻሳ ዘገልግላ ዘለዋ ኣባላት ማሕበር ደናግል ዘህማማቱ” ብምትሕብባር ከምኡ እውን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ እቲ ካብ ህዝቢ ኢጣሊያ ዝረኽቦ ሸሞንተ ሺሓዊ ሓገዝ “ንተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ” ኣብ ኪንሻሳ ንዝውዕል ሓገዝ ዝብል ካብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ግብረ ሰናይ ብዝርከብ ሓገዝ ነቶም ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ደጋዊ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ድኻታት መደብ ህንጸትን ናይ መግቢ ሓገዝን ከቕርብ ምኽኣሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ስለዚ እቶም ተመሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዕለት እንጌራ ንኸናድዩ ካብ ዝወድቅሉ ዝተፈላለየ ዓይነት መጻወዲያ ተላቒቖም፥ ትምህርቶም ክቕጽሉን መግቢ ድማ ክረኽቡን ንምሕጋዝ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ንትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን መንእሰያትን ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ክረኽቡ ዘገልግልን ስእነት መግቢ ምቅላስን ሕንጸትን ዘጣመረ መደብ የሳልጥ ምህላዉ የመላኽት።
ጽንኩር ቁጠባዊ ኵነታት
ኣብ ሚኮንዶ ብመንግስቲ ዝመሓደራ ኣባይቲ ትምህርቲ ንጠለባት ተመሃሮ መልሲ ክህባ ዘይክእላ ብምዃነን ከምኡ እውን መብዛሕቲአን ኣባይቲ ስድራ ደቀን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ናብ ናይ ግሊ ኣባይቲ ትምህርቲ ከመዝግቡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘይብሎም ብምዃኖም፥ ብዙሓት መንእሰያት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ብዝተፈላለየ ኩነት ክይኹለፍ ዕለታዊ እንጌራ ንኸናድዩ ናብ ስራሕ ዓለም ከይዳጎነኡን እታ ቁሩብ ዝርካባ ስድራ ቤት እውን ካብ ደቀ ኣስንትዮ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸዱ ካብ ምምራጽ ንኽትላቐቐ ኣዚዩ ድኽነት ኣብ ዝረኣየሉ ኩነታት ህጻናት ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሕርሻ ወይ ዕደና ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሑ ወይ ውን ኣብ ናይ ከባቢ ዕጡቓት ሓይሊ ንኽኣትዉ ከይግደዱን፡ እዋልድ ድማ ቅድሚ ሕጋው ዕድመአን ናብ ሓዳርን ወይ ናብ ምንዝርና ከብላ ከይግደዳ፡ ነዚ ዅሉ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ህንጸትን መግብን ካብ ምቕራብ ሓሊፉ መጋበርያ ፍትሕን ማዕርነትን ኮይኑ ንዜጋታት ኣብ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት የገልግል ምህላዉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ንህይወት ዝኸውን ዓሚቝ ትምህርቲ
ካብ 2007 ዓ.ም. ጀሚረን ኣተን ደናግል ዘህማማቱ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ክም እተዋፈራን ካብ 5 ክሳብ 10 ዓመት ዝዕድመኦም ኣወዳትን ኣዋልድን መባእታዊ ትምህርቲ ከምኡ እውን መግብን መጽለልን ኣብ ምቕራብ ከም ዝርከባን ኣስታት 75 መንእሰያት ብዛዕባ ሳዕቤን ወልፍታትን ዛዕባ ጾታዊ ርክብን ዓመጽን ብፍሉይ መደብ ህንጸት ዝሰልጠኑ ብተራኦም ኣብ ህንጸት መንእሰያት ተዋፊሮም የገልግሉ ከም ዘለዉን፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስድራ ቤት ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ እውን ንደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን መደብ ሕንጸት ብምቕራ የገልግላ ከምዘለዋን፡ እዚ ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ እንኮ ካልኣይን ላዕለዋይን ደረጃን ቤት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ብዙሓት እውን ንመናብርተ ጥበብ ትምህርቲ ዘብቅዕ ዘሎ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ተስፋ ንመጻኢ
ማሕበር “ዘርኢ ተስፋ” ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ “ኣደ ፍቕሪ” እተሰምየ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ቈልዑ ወጻኢታት ዝሽፍን ከም ዝኾነን እዚ ቤት ትምህርቲ መውዓሊ ቆልዑ ናይ ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርጺ ክኸውን እንከሎ፥ “ህላወ ቤት ትምህርቲ ንኣዝዮም ድኻታት ማሕበረሰባት ዘይተኣደነ ዋጋ ኣለዎ” ብመሰረት እቲ ዘይመኽሰባዊ ትካል፥ “ምኽንያቱ ማሕበራዊ ባህላዊ ቁጠባዊውን ምዕባለ ስለ ዘስፍሕ፡ ንመጻኢ ወለዶታት ዝሓሸ መጻኢ መሰረት ስለ ዝፈጥር” እዩ።