ድለ

2023.03.02 Angelicum Conferenza sui rapporti tra cattolici ed ebrei 2023.03.02 Angelicum Conferenza sui rapporti tra cattolici ed ebrei 

ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊካውያንን ዝግበር ዘተን ምትሕብባርን!

ኣብ ማእከል ከተማ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ኣንጀሊኩም "ሮማውያን ካቶሊካውያንን ኣይሁድን ድሕሪ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን: ንመጻኢ ምምዕዳው" ብዝብል ኣርእስቲ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝተኻየደን ፕሮፌሰር ቤን-ዮሃናንን ዲኮስታን እውን ኣስተምህሮ ከምዝቀረቡ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኣይሁድን ካቶሊካውያንን ኣብ ዘተን ምትሕብባርን ዘጋጠሞም ብድሆታት ምምልካት፡ ዝብል ሓሳብ ትኹረት ናይቲ ዝሓለፈ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ኣንጀሊኩም ዝተኻየደ "ሮማውያን ካቶሊካውያንን ኣይሁድን ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ ንመጻኢ ምምዕዳው" ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ጉባኤ እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ ኣካል ናይቲ ብጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ማለት ኣንጀሊኩም ኣብ ሮማ፡ ብተቊዋም ኵላዊ መጽናዕትን ማእከል ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ውስጠ ሃይማኖታት ዘተን ዘዳለዎ ዝዓበየ ጉባኤ ርክብ ካቶሊካውያንንን ኣይሁድን እዩ።

ኣብዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ካቶሊካውያንን ዝካየድ ዓቢይ ዘተ ኣስተምህሮ ዘቅረቡ ፕሮፌሰር ጋቪን ዲኮስታ ካብ ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ ኣብ ሮማ (ኣንጀሊኩም) ከምኡ’ውን ፕሮፌሰር ካርማ ቤን ዮሃናን ኮይኖም፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣይሁድ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ካቶሊካውያን ጃፓንን፡ ህንድን፡ ፓኪስታንን  ስለዝነበሩ ንፕሮፈሰር ካርማ ስለምንታይ ከምኡ ክግደሱ ክኢሎም ዝብል ዝብል ሕቶ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣቅረቡለን።

ፕሮፈሰር ካርማ እንክምልሳ ብቀንዱ ኢየሱስ ኣይሁዳዊ ስለዝነበረ ቢልና ክንምልስ ንኽእል። ብርግጽ ከኣ ታሪኽ ክርስትና ብዓንዲ ርእሱ ብዙሕ ብዛዕባ ታሪኽ ኣይሁድን ክርስትያንን ስለዘጣምር እዩ።  ከማኡ እውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳን ምሉእ ብምሉኡ ንኣይሁድ እኳ ዝምልከት እንተኾነ ታሪኽ ድሕነትን ትንቢት ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስን ሒዙ ንምጽኣት መሲሕ ዘሰናዱ ብምንባሩ ኣካል ቀኖና ካቶሊክ ስለዝኾነ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝብሎን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ደጋጊሙ ዘረጋግጾን እቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ኣይሁድን ዝተገብረ ቃል ኪዳን ዘይምለስ ስለዝኾነ እዚ ርክብ እዚ ኣድለየ እንክብላ መሊሽን።

ኣብቲ ምስ ቫቲካን ኒውስ - ራድዮ ቫቲካን ዝገበራኦ ቃለ ምልልስ ፕሮፈሰር ካርማ ካብ ዝተፈላለየ ኲርናዓት ዓለም ክሳብ ሕጂ ነዚ ዘተ ምስ ኣይሁዳውያን ዘይጀመሩ ክርስትያን ሎሚ ዘተ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዚ ክብላ ኣስሚረናሉ። ‘እዚ ኣብ መንጎ ዕብራውያንን ካቶሊካውያንን ዝግበር ዘተ ግን ኣብ መንጎ ወከልቲ ዝግበር ንኣሽቱ ዝርርባት ዘይኮነስ ሓቀኛ ዝርርብ ኣይሁድን ክርስትያንን ንምምዕባል እቲ እንኮ መገዲ ንመላእ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ንመላእ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ምትእስሳር እቲ ዝበለጸ እዩ። ርክብ ኣይሁድን ክርስትያንን ብዙሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣብ ዘይረኣየሉ መዳያት ዝያዳ ዘተ ክርኢ ተስፋ እገብር። ንኣብነት ኣብተን ውሑዳት ማሕበረሰባት ኣይሁድ ጥራይ ኣብ ዘለዉለን ሃገራት ኤውሮጳ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ጀርመንን ጣልያንን ዝግበር ዘተ ካብቲ ቀንዲ መበቈል ኣይሁድ ዝኾነት ሃገረ እስራኤል እዚ ዘተ እዚ ኣዝዩ ዝወሓደ ኣገዳስነት ኣለዎ’ ኢለን።

ኣገባብ ዘተ ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ!

ፕሮፈሰር ካርማ ትንተናአን ብምቅጻል፣ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝርርብ ካቶሊክን ኣይሁድን ዘበርከትዎ ዓቢ ኣበርክቶ ይዝክራ እሞ፣ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ መሳጢ ጉዳይን ንምእማኑ ዘጸግምን ብሓቂ ሃብታምን ሰፊሕን ዝኾነ ኣገባብ ዘተ ምስ ኣይሁድ ነበረ። እዚ ከኣ ምስ ኣይሁድ ዝነበሮ ቅርበትን ኣብ ኣብያተ ጸሎቶም ምኻድን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ምስ ዘለው መንግሥታት እውን ቅርበቶምን ንዘተ ክፉትነቶምን እዩ። እዚ ዘገርም ኣብ ምኲራባቶም ምእታው ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ናይ ብኽያት መንደቅ ኢየሩሳሌም ከይዱ ምስላሙን ጸሎቱ ኣብ መንቀራቅሮ ናይቲ መንደቅ ምግዳፉን ኮይኑ ብዓቢ ከኣ ዓበይቲ ኣሕዋት ክርስትያን ቢሎም ሰመይዎምን ቀረብዎምን። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዘተን ዝርርብን ዋላ ምስቶም ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዘይፈልጡ ኣይሁድ እውን ከይተረፈ ርትዓውን ኩሉ ዝርድኦን ገበሮ’ ኢለን።

ካቶሊካዊ መርገጺ!

ፕሮፌሰር ጋቪን ዲኮስታ እውን ብግዲኦም ነቲ ቅድስት መንበር ብ2015 "ውህበታትን ጸዋዕታን ኣምላኽ ዘይዕጸፍ እዩ (ሮሜ 11፡29)" እንክትብል ዘቅረበቶ ሰነድ ብምጥቃስ፡ "ራቢናዊ ኣይሁድነት ምስ ኣምላኽ ዝተኣትወ ሓቀኛ ቃል ኪዳን እዩ" ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ መድሓኒ ኩሉ ሰብ ምዃኑ ትምህር" ክብሉ ደጊሞም ኣረጋገጹ። ዲኮስታ ምስ ቫቲካን ኒውስ - ራድዮ ቫቲካን ብዛዕባ መጻኢ ዝርርብ ካቶሊክን ኣይሁድን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፣ ብቐዳምነት ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ኣይሁድ ጽቡቕ ዝምድና ክህልወካ ምርግጋጽ የድሊ። በዚ ኸምዚ ከኣ ኣይሁድነት እንታይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣይሁድነት ዝፈልዮ እንታይ ምዃኑን ክንፈልጥ ንኽእል። ረቢናዊ ኣይሁድነት ምሉእ ኣፋዊ ትውፊትን ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ነቲ ጽሑፍ ዝትርጉመሉን ኣገባብ ኣለዎ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ፕሮፌሰር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ምንባብ ጽቡቕ ከም ዚኸውን፣ ከምኡ’ውን፡ ንሓድሽ ኪዳን እተጽንዕን እትምህርን ኣይሁዳዊት ምህቲር ኤሚ ጂል ሌቪን እተቅርቦ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ከም ኣብነት ጠቂሶም ቃለ ምልልሶም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 Mar 2023, 14:12