ድለ

ካሪታስ ሶሪያ፥ ሶርያ ኣብዚ እትነብሮ ዘሎ ጽልሙት እዋን ከይትርሳዕ ጻውዒት የቕርብ ካሪታስ ሶሪያ፥ ሶርያ ኣብዚ እትነብሮ ዘሎ ጽልሙት እዋን ከይትርሳዕ ጻውዒት የቕርብ  (Caritas italiana)

ካሪታስ ሶሪያ፥ ሶርያ ኣብዚ እትነብሮ ዘሎ ጽልሙት እዋን ከይትርሳዕ ጻውዒት የቕርብ

ካርታስ ጨንፈር ሶሪያ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብንጥፈት ይዋሳእ

ቁጠባዊ ውድቀትን ምጥፋእ መነባብሮን ሓዊሱ ግጭታትን ኣርሒቑ ዝኸይድ ሳዕቤናቱን ዝሳቐ ዞሎ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ንተወሳኺ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝዳረግ ዘሎ ህዝቢ ሶርያ ነዚ ልዕሊ ዓቐን ኮይኑዎ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ስቓይ ንምሕዋይ ዝድርኽ ሓገዝ ከይፍለዮ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ሶርያ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንልዕሊ 10 ዓመት ዝኸደ ኩናት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ንምዝብልና ዝዳረገ፡ ኣናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ሕጂ ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ንህዝቢ ሶርያ ደላይ ንነዊሕ እዋን ዝኸድይ ልምዓታውን ሰብኣውን ደገፍ ገይርዎ ኣሎ። ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕት ዘካየዳ ጨንፈር ካሪታስ ሶርያ ሓላፊት ሳራ ሓዚም ከም ዝገለጸኦ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ መግቢ ሕክምናዊ ናውቲ መጽለልን ካልእ ኣገደስቲ ቀረብን ንምቕራብ ዘኽእል ቁጠባዊ ሓገዝ ከም ዘድሊን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ድሌታት ንምምላእን ኣባይቲ ስድራ ናብ ዝያዳ ርጉእ ህይወት ንኽምለሱን ንምድጋፍ እውን ምዃኑ ኣብሪሀን ሶርያ በእጋራ ደው ክትብል ሓገዝ የድልያ ኢለን።

ካሪታስ ሶሪያ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተለዓዓለ ልዕሊ 10 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ግጭት ካብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣትሒዙ ንናይ ህዝቢ መሰረታዊ ድሌታት ንምምላእ ዝተፈላለዩ ናይ ረድኤት ንጥፈታት ከሳልጥ ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ድማ ድሕሪ እቲ ርእደ መሬት ካሪታስ ጨንፈር ሶርያ፥ “ነቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣብ ኣለፖ ታርቱስን ሓማን ዝተጎድኡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቐጥታ መልሲ ኣብ ምሃብ ይርከብ ኣሎ” ይብላ።

እቲ ርእደ መሬት ድሕሪ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ብዙሕ ህጹጽ ኩነታት ዘስዕብ ምዃኑ ገሊጸን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ሓዊሱ ህዝቢ እታ ሃገር ኩለ መዳያዊ ሓገዝ የድልዮ፥

በዚ ምኽንያት እዚ እውን ካርታስ ጨንፈር ሶሪያ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብንጥፈት ይዋሳእ እዩ።

ቁጠባዊ ቅልውላው

ከምኡ እውን ሰብኣዊ ቅልጽም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓሌትን ሃይማኖትን ብዘየገድስ ንሕጽረት መድሃኒት መጽለልን ትምህርትን ንምምላእ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ እዋን እቲ ግጭት ካብ ዝውዳእ ንዳሓር ካልእ ቅልውላው ነታ ሃገር የሰንክላ ኣሎ፥ “እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝመጸ ሕማቕ ቁጠባዊ ኩነታት ሶርያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዝተወሰነ እገዳ ንኹሉ ድሌታት ነዳዲ መብራህቲ መግቢ ንከቢድ ቅልውላው ከም ዝደረኸን ድሕሪ ኲናት እቲ ዝቕጽል ዘሎ እገዳ ድኽነት ክብ ክብል ይገብር ኣሎ ይብላ።

ኣብ ርእሲ እዚ ኩሉ ሕጂ ድማ ርእደ መሬት ኣጋጥሙና። ስለዚ ህሉው ኩነታት ካብ ዝነበሮ ናብ ዝገደደ የብል ኣሎ!

ካብ ዓለ፣ ለኻዊ ትኹረት ወጻኢ

ኣብ ሶሪያ ዘሎ ስቓይ፥ ብዙሓት ለገስቲ ሃገራት ኣቃልቦአን ናብ ካልእ ቦታ ብምምስራቐን እናገደደን ሕጽረ ዘድሊ ሓገዝ እውን ንኸጋጥምን ኲናት ለበዳ ኮቭድ 19 ርእደ መሬት ንሓገዝ ሶርያ ከም ዝጸለወን እቲ ኣብ ዩክረይንን ሊባኖስን ዘሎ ህልው ኩነታት እውን ኣብ ሶሪያ ብዘሕድሮ ብርቱዕ ኣሉታው ጽልዋ ብሓቂ ሰብኣዊ ኩነታት ናብ ከቢድ ዘሰክፍ ማዕዝን የብል ምህላዉ ኣብሪሀን ሕጽረት ገንዘብ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ናይ ካሪታስ ጽግዕተይና ንኽኾና ይድርኽ ኣሎ።

ክቡራት መሻርኽት

ካሪታስ ጨንፈር ሶርያ ምስተን ኣብ ሶርያ ኣገግልግሎት ዝህባ ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ብምትሕብባር ከም ዝዓይን እዚ እውን ኩለን ናይ ረድኤት ትካላት ኣብ ሓደ ቦታ ክይእከባ ዝሕግዝ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ክዓያን ይገብር ኣሎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዝዓበየ ድሌት ጨንፈር ካሪታስ ሶሪያ፥ ድሕሪ ርእደ መሬት ዝተኣታተወ ህጹጽ ኩነታት ነቶም መነባብሮኦም ዝሰኣኑ  ምድጋፍ ዝብል እዩ፡ እዚ እውን ነቲ ድሮ ኣብ ቅልውላው ዘሎ ቁጠባዊ ኩነታት ኣዚዩ ከም ዘግደዶን ነዚ ኹሉ ግምት ብምሃብ ኪኖ መግብን ማይን ካሪታስ ብጥረ ገንዘብ እውን ናይ ክራይ ቤት ደገፍ ክገብር ይጽዕር ኣሎ፡ ዳግማይ ሕንጸት መነባብሮ ኣባይቲ ትምህርቲ ካልኦት ትሕቲ ቅርጽታትን ንምስላጥ ካሪታስ ዝተፈላለዩ ውጥናት መሰረት ኣብዚ መዳይ እዚ ይዋሳእን ሓገዝ እውን ይሓትት ምህላዉ ይሕብራ።

ጻውዒት

ሳራ ሓዚም ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ንዅሎም መሻርኽትና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝገበርዎ ልግሲ ኣመስግን። ብፍላይ ንሶርያ ከይርስዑ እላበው፣ ምኽንያቱ ሓደስቲ ቅልውላዋት ስለ ዘለዉ፥ ቅልውላዋት እናበዝሑ ኣብ ቅልውላው ዘለዉ ህዝብታት ከይርስዑ መታን ማሕበረሰብ ዓለም ቅልውላው ቅድሚ ምክሳቱ ፍታሕ ኣብ ምቕራብ ኣብርቲዑ ክዓይ ጻውዒት አቕርብ” እንክብላ ይዛዝማ።

25 March 2023, 16:06