ድለ

ካሪታስ ንኣፍጋኒስታንን ንኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ጻውዒት የቕርብ ካሪታስ ንኣፍጋኒስታንን ንኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ጻውዒት የቕርብ  (AFP or licensors)

ካሪታስ ንኣፍጋኒስታንን ንኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ጻውዒት የቕርብ

ኣብ ካቡል ክሳብ ሕጂ ኣብ ጎደናታት ወጺአን ገለ ዕዳጋ ኪገብራ ይፍቐደለን እዩ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ግን ካብ ቤተን እውን ንኽወጻ እንተወጻ ብወዲ ተባዕትዮ ክስነያ ኣለወን

ኣብ ኣፍጋኒስታን ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ከም ዘይፍቀደለንን ንኣሽቱ ኣዋልድ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ክኣትዋ ከም ዘይፍቀደለንን ብሓጹሩ እዚ ድማ “ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን” ምዃኑ ኣብ ጀርመን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ኦሊቨር ሙለር ገሊጾም፥ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር - ካሪታስ ኣብ ኣፍጋኒስታ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ ብመንግስቲ ጣሊባን ፍቃድ ከም እተወሃቦ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መናብርተ ጥበብ ክመሃራ ዝተኸልከላን ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እውን ንኸይኣትዋን ኮታ ብጠቕላላ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ከም እተኸልከላን እዚ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስ ውሳኔ እዚ ክእለ ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት ግብረ ሰናይ ጻውዒት ይቐርብ ከም ዘሎን፡ ኣብ ጀርመን ናይ ካሪታስ - ማሕበር ግብረ ሰናይ ጨንፈር ዋና ኣመሓዳሪ ኦሊቨር ሙለር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብሓፈሻ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ክዋሳእ ብመንግስቲ ጣሊባን ፍቓድ ዘለዎ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣፍጋኒስታ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝተነፍጋ ሃገር እያ ኢሎም።

ኣፍጋኒስታን ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ምዃና ብምሕባር 28 ሚሊዮን ነበርቲ ኣብ ናይ ደገ ሓገዝ ዝምርኮዙ ምዃኖም ሓቢሮም፡ ህልው ኩነታት እታ ሃገር ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሓትት እዩ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰበ ስልጣን ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ደጊም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክሰርሓ ከም ዘይፍቀደለን ዝገልጽ ሕጊ ኣዊጁ እዩ፥

ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ብዘይ ሓገዝን ሱታፌን ደቂ ኣንስትዮ ክስራሕ ማለት ዘይሕሰብ እዩ!

ይኹን እምበር እቲ ዝተደንገገ ሕጊ፡ ካሪታስ ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት እንታይ ክገብርን ብኸመይ ክዓዪ ከም ዘለዎ ንምስትውዓል ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም ዝርከቡን ብመሰረት ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓለም ንኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን እታ ዝኸፍአት ቦታ ከም ዝኾነትን፡ ብሓፈሻ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ህዝባዊ ህይወት ተነጺለን ኣየን ዝነብራ ዘለዋ ይብሉ።

ኣብ ካቡል ክሳብ ሕጂ ኣብ ጎደናታት ወጺአን ገለ ዕዳጋ ኪገብራ ይፍቐደለን እዩ፡ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ግን ካብ ቤተን እውን ንኽወጻ እንተወጻ ብወዲ ተባዕትዮ ክስነያ ኣለወን፡ ስለዚ ብዘይ ወዲ ተባዕትዮ መሰነይታ ካብ ቤተን ክወጻ ብፍጹም ኣይፍቀደለንን እዩ!

እዞም ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኣብ ጀርመን ዋና ኣመሓዳሪ በዚ ኣጋጣሚ እዚ “ንኣፍጋኒስታ ሓገዝ ህጹጽን ኣገዳስን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዋላ እውን ብቐረበ ንኤውሮጳ ዝትክፍ ግጭት ይሃሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ግጭትን ጸገምን ኣፍጋኒስታንን ከይርሳዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ካሪታስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ የቕርብ ከም ዘሎን ጨንፈር ካሪታስ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ጀርመን ካብ 1984 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን የገልግል ምህላዉን ብዝተፈላለየ ሰብኣዊ ውጥናት ኣቢሉ ንሚሊዮናት ህዝቢ እታ ሃገር ኵለ መዳያዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ይርከብ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

ካሪታስ ንኣፍጋኒስታንን ንኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ጻውዒት የቕርብ
ካሪታስ ንኣፍጋኒስታንን ንኣፍጋናውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓገዝ ጻውዒት የቕርብ
08 March 2023, 15:11