ድለ

ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን ዝፍጸም ገበን ብ260 ምኢታዊ ወሲኹ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን ዝፍጸም ገበን ብ260 ምኢታዊ ወሲኹ 

ኣብ ልዕሊ ካቶሊካውያን ዝፍጸም ገበን ብ260 ምኢታዊ ወሲኹ

ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ዝተፈጸመ ገበናት ጽልኢ ካብ ዝሓለፈ 2020 ዓ.ም. ብ27 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ኣንጻር ካቶሊካውያን ድማ ብ 260 ሚእታዊ ዕብየት ከም ዘርኣየ

ኣብ ካናዳ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት ዘውጸኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ፡ ሃይማኖታዎ ጾታዊ ዝንባለታትም ዓሌት ወይ ብሄርን ዒላማ ዝገበረ ልዕሊ 3,360 ገበናት ከም ኣተፈጸመ ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ናይ ገበን ሰነድ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ዝተፈጸመ ገበናት ጽልኢ ካብ ዝሓለፈ 2020 ዓ.ም. ብ27 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለን ኣንጻር ካቶሊካውያን ድማ ብ 260 ሚእታዊ ዕብየት ከም ዘርኣየ ነቲ ሰነድ ጠቒሱ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ብናይ ካናዳ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ማእከል ዝዘርገሖ መጽናዕት ዘቕርቦ ክውንነት፥ ገበናት ብኸመይ “ንዝተወሰነ ሃይማኖት ዒላማ ዝገበረ - 67 ሚእታዊ ወሰኽ ከም ዘመዝገበን - ጾታዊ ዝንባለ ከምኡ እውን ዓሌት ወይ ብሄር ዝተሞርኮዘ ገበን ከም ዝፍጸምን እዚ እውን ክብ ይብል ምህላዉ ከም ዘመላኸተ ኣፍሊጡ።

እንታይነት ገበናት ጽልኢ

ናይ ዝሓለፈ ዓመታት መረዳእታ ስዒቡ፥ ርጉእ ዝኾነ ዝንባለ ባህሪ ገበናት ጽልኢ ኮይኑ፡ ልዕሊ ፍርቂ (56 ሚእታዊ) ዘይጎነጻዊ ገበናት ብቐንዱ ዕግርግር ዝምልከት እዩ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ንሃይማኖታዊ ዓመጽ ዝምልከት ርኽበታት፥ “ተነጻጻሪ መረዳእታ ካብ ዝምዝገብ ንደሓር ንሓደ ሃይማኖት ዒላማ ዝገበረ ዝለዓለ ቁጽሪ ገበናት ጽልኢ ምዃኑ ዘመልክት ኮይኑ ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ምንካይ ከም ዘርኣየን ብፍላይ ንህዝቢ ኣይሁድ ዒላማ ዝገበረ ገበናት ጽልኢ ብ 47 ሚእታዊ ከም ዝወሰነኽን ኣብ ልዕሊ እስላም ዝፍጸም ገበን ብ 71 ሚእታዊ ኣብ ሎዕሊ ካቶሊካውያን ዝፍጸም ገበን ድማ ብ 260 ሚእታዊ ወሰኸ ከም ዘርኣየ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ግዳያት

እቲ ጸብጻብ ንጾታዊ ዝንባለታትን ዓሌትን ወይ ብሄርን ዒላማ ዝገበረ ዝንባለታት ዓመጽ ስዒቡ፥ “ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን” ንሓደ ፍሉይ ሃይማኖት ዒላማ ዝገበረ ገበናት ጽልኢ ብኸመይ ዝያዳ ግዳያት ከም ዝኾኑን” ብኣንጻሩ “ዳርጋ ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ግዳያት ጾታዊ ወይ ጾታ ዒላማ ዝገበረ ገበናት ጽልኢ መብዛሕቲአን ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ሓቢሩ፥ እዚ “ካብ ኣቃልቦ ፖሊስ ዝመጹን ድሕሪኡ ከም ገበናት ጽልእ ዝምደቡን ፍጻሜታት” ዝምልከት እዩ። ብሓቂ ክርአ እንከሎ ብመሰረት ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ዳህሳስ ካናዳ ህብረ ብሄር ዝኾነት ሃገር ተባሂላ እትጥቀስ እውን እንተኾነ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከም ዝሕብሮ “ዓሌታዊ ጽልኢ” ከም እተራእየን ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣድልዎ ከጋጥም ከም ዝጀመረ እውን ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ደቀባትን ስርዓት መምርሕታትን

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፥ “ብዙሓት ረቛሒታት ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ናብ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጽጥታ ክሲ ኣብ ምቕራብ ጽልዋ ከም ዘሕደረን እዚ እውን ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ናይ ሓላፍነት መንፈስን ገበን ክፍጸም ምስ እትርእይ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣቤት ምባል ዘሎ ዜጋዊ ሓላፍነት ምዕቡል ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ” እዚ እውን ንዘሎ ናይ ምትሕብባርን ርክብን ጉዳያት ዘርእይ ምዃኑ ነቲ ጸብጻብ ዝተወከሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

29 March 2023, 15:46