ድለ

Pope Francis' General Audience

ታሪኽካ ንምንጋር ዘድሊ ትብዓት! ካብ ቦኮ ሓራም ዝደሓና ታሪኽ ብቃለን

ካብ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ናይጀርያን ካልእ ከባቢታትን ጥርኑፍ እምነት ብምግናን ብዙሕ ሞትን ዕንወትን ስደትን ጭውያን ዘካይድ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጒጅለ ራዕዲ ግዳያት ዝኾና ጃናዳ ማርኩስን ማርያ ጆሴፍን ዛንታታተን ብምዝንታው፡ ኣብ ናይጀርያን ኣብ መላእ ዓለምን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን በዚ ጒጅለ እዝን ካልእ ናይ ዓመጽ ጒጅለታትን ዘጋጥመን ዘይሓዊ በሰላታት ንካልኦት መዕበዪ ንቅሓት ክኸውን ዘለወን እምነት ይገልጻ።

ዜና ቫቲካን!

ዕለት 8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ካብ ዝዝከር ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ ካብቲ ብመሠረቱ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ክብል ካብ ባህላውን እምነታውን ጭቆና ንምግልጋል ምስ ደቂ ተባዕትዮ ብሓባር ዝቃለሱሉ ዝነበረ ዘመን ሓሊፉስ ኣብዚ ግዜና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ኣደራዕ ካብ ንግድ ደቂሰባት ጀሚርካ ክሳብ ጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ብዝተፈላለዩ ናይ ዓመጽን ራዕድን ጒጅለታት ጅሆ ሒዝካ መርወዪ ጾታዊ ስምዒትን ምዝመዛን ዝገደደ ከኣ ንትሕቲ ዕድመ ካብ መንገድን ካብ ቤትትምህርትን ምጭዋይ ዕለታዊ ዜና ኮይኑ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ተዘርጊሑ ዕለታዊ ዜና ካብ ዝኸውን ኣይወሓደን። እቲ ቀንዲ ጸገም መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ጭቆናን ኣውያትን እዚ ብሃለኽለኽ መዓልታዊ መነባብሮ ዕሽሽ ክበሃሎን ክርሳዕን ዝገደደ ከኣ ነቶም ድምጺ ኣልባ ድምጺ ክኾኑ ዝግብኦም ከይተረፈ ክዝንግዖ ይረኤ። እቲ ዘገርም ግን እዚ ድምጽታትን ኣውያትን ገዓርን እዚ እዩ ዝያዳ ክንሰምዖም ዝግበኣና፡ ዛንታታቶም ምስክር ናይቲ ብዙሓት ካባና ዓቊሮሞ ዘለው ዘስካሕክሕ ፍጻሜታት እዮም።

ኣገዳስነት ምግላጽ!

ነዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ተዓቢሱ ንዘሎ ድምጽታት ኣብዛ ዓለምለኸ ዕለተ ደቂ ኣንስትዮ እንዝክረላ ዕለት 8 መጋቢት ከጋልጻን ንዝወረደን ኣደራዕ ዓው ቢለን ክነግራን ትብዓት ዝረኸባ ማርያ ዮሴፍን ጃናዳ ማርኩስን ኮይነን፡ ካብ ናይ ግለን ሰጊሩ ከኣ ብገለ መልክዑ ናይተን ብዓመጽቲ ደቂ ተባዕትዮ ዝጭወያን ጅሆ ዝታሓዛን ካልኦት ደቂኣንስትዮ እውን ስለዘዘንቱ ንሰን ዝተጨውያሉን ዝተኣስራሉን ብትብዓት ክነግራ እንከለዋ ዝውክልወን ካልኦት ብቦኮ ሓራምስ ይኹን ካልኦት ዓመጽቲ ጒጅለታት ተጨውየንን ጅሆ ተታሒዘንን ዘለዋ ኣሽሓት ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ከምዘለዋ ምዝካር የድሊ። እዘን ክልተ ተባዓት ኣዋልድ እዚአን ነዚ ተመሳሳሊ ምስክርነትን ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣዘንትየንኦ።

ንትሽዓተ ዓመት ኣብ ምርኮ ቦኮ ሓራም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ማርያሙ ክትበሃል እትመርጽ ማርያ፡ ቋንቋ ሃውሳ ጥራይ እያ እትዛረብ። ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ተጨውያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ 19 ዓመት ዕድሚኣ ተፈቲሓ።

ጃናዳ እውን ብወገና ካብታ ጓል 22 ዓመት ማርያ ቁሩብ ትዓቢ’ሞ፡ ምርኮኣ ካብ ናይ መሓዛኣ ዝሓጸረ’ኳ እንተነበረ፡ ኣርባዕተ ግዜ ተጨውያ፡ ቃንዛኡን ስቃዩን ኩሉ ማዕረ ከምዝነበረ ትገልጽ።

እዘን ክልተ ኣዋልድ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኪርኸ ኢን ኖት ማለት እትሣቀ ቤተክርስትያን ምስ ጋዜጠኛታት ተራኺበን። ጎኒ ንጎኒ ኮፍ ቢለን ድማ በብተራ ታሪኸን ዘርዘራ። ብቀዳምነት ጃናዳ እያ ጀሚራቶ፡ ብመተባብዒ ናይቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ማይዱጉሪ ኣዋልድ ዝሕብሕባሉ ማእከል ምኽሪ ንዝተጭነቁ ዘገልግል ኣባ ጆሴፍ ፊደሊስ ብዝተባብዕዋ መሠረት፡ በተን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክትመሃሮ ዝጸንሐት እንግሊዝኛ  ገቢራ ዛንታኣ ብከምዚ ዚስዕብ ትትርኽ።

ዛንታ ጃናዳ!

ጃናዳ ካብ ኣርባዕተ መጥቃዕቲ ቦኮ ሓራም ንእስክላ ዝደሓነት እያ። ስድራቤታ ብምሉኦም ካብቲ ቀዳማይ ዕንወት፡ ማለት ኣብ 2011፡ እቶም ኣሸበርቲ ኣብ ባጋ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም ሓዊ ምስ ኣቃጸሉ፡ ክሃድሙ ክኢሎም። እንደገና ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣብቲ ኣብ ኣስኪራ ኡባ ኣብ ዞባ ቦርኖ ዝርከብ ሓድሽ ገዝኦም ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ግን ገሊኦም ኣባላት ስድራቤት ክድሕኑ ኣይከኣሉን። እንተኾነ ዝገደደ ሳልሳይ መጥቃዕቲ ማለት ብዕለት 28 ጥቅምቲ 2018 ንዝተፈጸመ ኣብ ምዝንታው’ዩ ኣዒንቲ ጃናዳ ብንብዓት ዝመልኣ’ሞ ንሓጺር እዋን ስቅስቅ ኢላ ትበኪ። ኣባ ዮሴፍ ኣመንግው ኣቢሎም ‘ብርግጽ እዚ ንዓዓ ከቢድ እዩ።  ኣቦኣ ዝቐተሉላ መዓልቲ ንሳ እያ”። ጃናዳ ጓል ዓሰርተ ሾብዓተ ዓመት ጥራይ እያ ነይራ፡ ኣቦኣ ኣብ ቅድሚኣ ርእሱ ተቖሪጹ። እንተኾነ እንደገና ድሕሪ ክልተ ዓመት ጃናዳ ምስቶም ንኣቦኣ ዝቐተሉ ሰባት ፊት ንፊት ኣብ ሆስፒታል ትጋጥም፣ ካብቲ ንእሽቶ መጥባሕቲ ክትሓዊ ተዓቊባትላ ዝነበረት ዓራት ሆስፒታል ይጨውያ። ንሽዱሽተ መዓልታት ጅሆ ሒዞማ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብኩሉ ኩሉ ብስምዒትን፡ ብኣካልን ብኣእምሮን ኣዝያ ተሳቒያ።

ዛንታ ማርያ!

ናይ ማርያ ከኣ ኣዝዩ ዝተፈልየ ታሪኽ እዩ። ኣብ 9 ዓመት ዕድሚኣ ተጨውያ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ቦኮ ሓራም ትነብር ነይራ። ማርያ ወይ ማርያሙ ብዛዕባ ኣብ በዓቲ ምቕማጣ፡ ክትሃድም ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ኣብ ሓንቲ እግራ ብጥይት ከምዝተሃርመት፡ ካብኣ ኣዝዩ ዝዓበየ ሰብኣይ ንክትምርዖ ተሓጽያ ከምዝነበረት ትነግር። ማርያ ዘይከም ጃናዳ ኣይትበኪን እያ፡ እንተኾነ ንሳ እውን፡ ኣብ መወዳእታ ምዝራባ ደው ተቋርጽ። ኣብዚ እውን ኣባ ፍራንክ ዮሴፍ ዛንታ ብምቅጻል ‘ምስታ ንነዊሕ እዋን ከምምውቲ ዝቀበጸታ ኣዲኣ ክትነብር ስለዘይከኣለት ምስ ሓውትኖኣ ኣብ ኣቡጃ ከም እትነብር ምኽንያቱ ከኣ እቲ ከባቢ ሕማቕ ተዘክሮታት ስለዘምጽኣል። ማርያ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ንደቂተባዕትዮ ኣሽንኳይዶ ኣብ ኣዒንቶም ክትጥምቶም ኣብ ከባቢ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ደው ክትብል ኣይትኽልን ነራ፣ ማርያ ኣብ ትሽዓተ ዓመታት ባርነታ ጅሆ ተታሒዛ ትሳቀ ነበረት፣ ንዝተወሰነ እዋን፣ ምስ ገለ ካብተን ኣብ 2014 ኣብ ቺቦክ ካብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተጨውያ ዳርጋ 300 ዝኾና ኣዋልድ፣ “ኣዋልድና ምለሱ” ዝብል ጭርሖ ዝተፈጥረለን እውን ተራኺባ ነራ። ሽሕ’ኳ ምስ’ቲ ጭርሖ’ቲ ብዙሕ ጻዕርታት እንተተገብረ፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምርኮ ዝርከብ ሓው ማርያ ግን ኣይተመልሰን። ከምኡ’ውን ልክዕ ከም ኣቦ ጃናዳ ዝተቐትለ ካልእ ሓዋውን ቀቢጻቶ እያ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ኣብ መላእ ናይጀርያ ኣሽሓት ግዳያት ቦኮ ሓራም ኣለዉ።

ነገራት ከመይ ክኾኑ ይግብኦም!

እቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ማይዱጉሪ ብጭንቀት ዝተዳህላ ኣዋልድ ዝሕብሕባሉ ማእከል ምኽሪ ነተን ኣዋልድ ተስፋ ከምዘሎ እዩ ዘበስር።  ጃናዳ ምስ ኣዲኣን ኣሕዋታን ኣብ ገዛኣ ተመሊሳ ትነብር ኣላ፣ ኣሰር ኣቦኣ እናሰዓበት ሕክምና ትሮፒካዊ ሕማማት ትመሃር ኣላ። ማርያ እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣላ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ትመሃር ኣላ። ክልቲአን ካብዚ ላዕሊ ስመኡ ዝተጠቅሰ ማእከል  ምኽርን ሓገዝር ይረኽባ ኣለዋ። እዚ ማእከል እዚ ንልዕሊ 300 ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ የበርክት ኣሎ።  እቲ ማእከል ምስ ኣማኸርቱ፡ ክኢላታት ኣካላዊ፡ ሕክምናዊ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ስነ-ማሕበረሰብን ትምህርታዊን ዓውድታት ብምሕጋዝ፡ ንግዳያት ዓመጽ ናብ ሕብረተሰብ ዳግማይ ክጽንበሩ ይሕግዞም፡ ንነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ  ህይወት ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ተስፋ ይህቦምን፡ የርእዮምን እንክብሉ ናይዚ ብምወላ ኪርኸ ኢን ኖት ማለት ኣብ ስደትን ስቃይን እትርከብ ቤተክርስትያን ዚካየድ ማእከል ኣገልግሎት ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 March 2023, 14:39