ጳጳሳት ናይጀሪያ ድሕሪ እቲ ዘካትዕ ህዝባዊ ምርጫ ንሃገሮም ህድኣትን ጸሎትን ይምሕጸኑ
ኣብ ናይጀሪያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት፡ እቲ ቦላ ቲኑቡ ከም እተዓወቱ ዝንገረሉ ዘሎ ህዝባዊ ምርጫ ሃገሮም ስዒቡ ዝተለዓዓለ ቅልውላው ዝፈጥሮ ዘሎ ቁጥዓ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ህድኣት ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዜጋታት ሕጊ ከኽብሩን ናብ ጸሎት ኪምለሱን ተላብዮም እቶም ጳጳሳት ግልጽነት ናይ ምድማጽ መስርሕ ኣብ ሕቶ ከም ዘእተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኵለን ገስጋስያን ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ዝጥርንፍ ፖለቲካዊ ጒባኤ ወኪሎም ንምርጫ ዝቐረቡ ቦላ ቲኑቡ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ከም እተዓወቱ ክንገር እንከሎ እዞም ነቶም ድሕሪ ናጽነት ናይጀሪያ ኣብ ዝተፈጥረ ስርዓት ደሞክራሲ ንነዊሕ እዋን ዝመርሑ ገደብ ናይ ርእሰ ብሔር ስልጣኖም ንዘብቅዑ ሙሃማኣዱ ቡሃሪ ዝትክእሉ ከም ዝኾኑን ይኹን እምበር ብዙሓት ናይጀሪያውያን ግን ኣብታ ብዘይውሕስነትን ስእነት ስራሕን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ተላባዒ ምግባረ ብልሽውናን ትሳቐ ዘላ ዝዓበየት ደሞክራሲያዊት ሃገረ ኣፍሪቃ ለውጢ ምሕደራ ክህሉ ተስፋኦም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ ምእዋጅ ዓወት ቲኑቡ ቁጥዐ ህዝቢ ይውስኽ ከምዘሎን መራሕቲ ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተደናገረ እዩ ብምባል ሓድሽ ህዝባዊ ምርጫ ክካየድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዘቕረብዎ ጻውዒትን ዝገለጽዎ ስክፍታታቶምን ብብዙሓትን ኣብ ኩለን 36 ግዝኣት ናይጀሪያ ኣብ ዝተካየደ ናይ ምድማጽ ስነ ስርዓት ኣብ ናይጀሪያ ጨንፈር ካሪታስ ዘዋፈሮም 6000 ተዓዘብቲ ሕዝባዊ ምርጫ እውን ከይተረፈ ይቓላሕ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ
ሃገራዊ ሽማግለ ህዝባዊ ምርጫ ሓድሽን ዝተራቐን እደ ጥበባዊ መሳለጢ ኣብ ዘለሉ እዋን ግልጽነት ከረጋግጽ ዘይምኽኣሉን ካልእ ተደራራቢ ጸገማት ዝመልኦ መስርሕ ብሰፊሕ ኣብ ዝተራእየሉ ሃዋሁ፡ ቲኑቡ ስዒሮም እንክብል ዝሃቦ ውጽኢት ምርጫ ብዙሕ የካትዕ ኣብ ዝለሉ እዋን፡ ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳትግ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፥ ንሳቶም እውን ከም ህዝቦም ብዛዕባ እቲ ምርጫን ውጽኢቱን ዘለዎም ስክፍታ ከም ዝገለጹን፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሉሲየስ ኢዌጁሩ ኡጎርጂ “ግልጽን ተኣማንነት ዘለዎ ምርጫ ምእንቲ ክካየድ ከም ዝጸለናዮ ሕጂ እውን ምእንቲ ህድኣት ንጸሊ ኣሎና ቢሎም፡ ቅድሚ እቲ ልዕሊ 87 ሚሊዮን ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ዘሳተፈ ሕዝባዊ ምርጫ፥ እቲ ሓድሽ ናይ ምርጫ ሕጊ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ መኽሰብ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእተወ ይንገር” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።
ርዱእ ውጥረት
ገሊአን ናይ ፖለቲካ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነስ እተፈላለየ ክፍሊ ሕብረተሰብ ናይጀሪያ እውን ኣብ ሃዋሁ ውጥረትን ናዕብን ከም ዘሎ ክንገር እንከሎ፥ ብጹዓን ጳጳሳት ናይጀሪያ፥ “ናይ ምርጫ ሽማግለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ውሑስ ንምግባር እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ንምዳህ ዘኽእል ስጒምትታት ክወስድ ንምሕጸን” ቢሎም፥ “እቲ ዝተመርጸ ኣካል ናይ ህዝቢ ሓባራዊ ድላይ ምእንቲ ከይጠሓስ ነቲ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ክህሉ ዘለዎ ምትእምማን ክመልስ ዘኽእል ባይታ ክፍጥር ግዴታ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ ኣብ ግጉይ መገዲ ምጒያይ ፋይዳ የብሉን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።