ናይ ሰሜን ኣመሪካ ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ንዝርከባ 268 ሃገረ ስብከታት ዝውክሉ ጉጅለ ልኡኻት ካብ ዕለት 13 – 17 ለካቲት ኣብ ኦርላንዶ ፍሎሪዳ ተኣኪቦም ንሰነድ ዕዮ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን መልሲ ኣርኒቦም ንምቕራብ ይመያየጡ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ሲኖዳውነት ትርጉም ብዘለዎ ህሞት ሰኑይ ዕለት 13 ለካቲት ኣብ ኦርላንዶ ከተማ ከም ዝጀመረን እዚ ክሳብ 17 ለካቲት ዝቕጽል ንጉባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝውክሉ 10 ልኡካን ንጉባኤ ጳጳሳት ካናዳ ዝውክሉ 7 ልኡካን ዝሓቆፈ ጉጅለ ጽሑፍ ኣብ ምርቃቕ ክዋስኡ እዮም። ብሓባር ድማ ካብ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ንዝቐረበ መልሲ ኣህጉራዊ መድርኽ ዝህቦ መልሲ ኣርኒቡ ክሳብ ዕለት 31 መጋቢት ናብ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ከቕርብ ምዃኑን ከምቲ ኣብ ሱቫ ካብ ዕለት 5 – 10 ለካቲት ዝተኻየደ ጉባኤ ኣህጉር ኦቻይና ዋና ጸሓፊ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ናብቲ ኣብ ኦርላንዶ ንዝተኣከበ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣህጉራዊ መድርኽ መስርሕ ሲኖዶስ
ከምቲ ሰነድ ዕዮ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ዝብሎ፥ መድርኽ ኣህጉራዊ ነቲ ሲኖዳውነት “መስርሕ ምስማዕ ዘተን ምስትውዓልን ነቲ ኣስተንትኖ ኣብ ሰለስተ ሕቶታት ዘተኮረ እዩ።” ጉባኤታት መንበረ ጵጵስና ምስ ከባቢያዊት ቤተ ክርስትያንን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ብምትሕብባር ነዘን ሰለስተ ሕቶታት ንምስትንታን ንሰነድ ዕዮ ኣህጉራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ተጠቂሞም ምምኽኻር ከካይዱ ተሓቲቶም፥ ነቲ ኣህጉራዊ መድርኽ መስርሕ ሲኖዶስ ምስ ተመክሮ ግዝኣቶም ዝያዳ ዝድመጹ ስነ ኣእምሮኣዊ ምልክታት ኣብ ዝቕጽል ስጉምትታት መስርሕ ሲኖዶስ ዝያዳ ቆላሕታ ዘድልዮም ሕቶታት ወይ ጉዳያት ከምኡ እውን ክደልይዎ ዝደልዩ ቀዳምነት ወይ ተደጋጋሚ ኣርእስታት ከለልዩ ተሓቲቶም ኣብ ወርጢ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ዋዕላ ሲኖዶስ ክዝረበሉ እዩ።
ታሪኽ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ
ልክዕ ከምቲ ዝተረፈ ክፋል ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እተገብረ ሲኖዶስ እውን ኣብ ጥቅምቲ ወርሒ 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ኸባቢ ወይ ሃገራዊ መድረኽ ሲኖዶስ ተጀመረ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበ ስልጣን ንዝኾነ ይዅን ናብራ ህይወት ኣባላት እምነት ካቶሊክ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ናብራ ቤተ ክርስቲያን ብንጥፈት ዘይሳተፉ ወይ ኣባላት ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ኑዛዜ ካልኦት ሃይማኖታት ወይ ሃይማኖት ከም ዘይብሎም ዚዛረብ ሰባት እውን ምኽሪ ኪውድቡ ጻውዒት ከም ዝቐረበሎም ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን እተኾነ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ብሓባር ትመላለስ ከም ዘላን ምስ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ብዝሓሸ መገዲ ክትከይድ ከም እትኽእል ብዝያዳ ምእንቲ ኪርድኣ እዚ ምኽሪ እዚ ኪግበር ሓቲቶም እዮም። ድሕሪዚ ንፍሲ ወከፍ ናይ ኤጶስቆጶስ ኣኼባ ብዛዕባ እዚ ምኽሪ እዚ ዝገልጽ ሓሳባት ከም ዘቕረበን እዚ ሲኖዶስ እዚ ነቲ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም. ንቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝኸውን ኣህጉራዊ መድርኽ ሲኖዶስ ዝጀመሮ ናይ ስራሕ ሰነድ ኣብ ምድላው ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።