ድለ

2023.02.05 ሲኖዶስ ጉባኤ ኣህጉር ኤውሮጳ - ፕራግ 2023.02.05 ሲኖዶስ ጉባኤ ኣህጉር ኤውሮጳ - ፕራግ 

ሲኖዶስ፥ ጉባኤ ኣህጉር ኤውሮጳ ኣብ ፕራግ ይጅምር

እዚ ኣብ ኤውሮጳ ብኣህጉር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ መስርሕ ሲኖዶስ ክኸውን እንከሎ፥ “ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት (ውህደት) ተሳትፎን ተልእኾን” ብዝብል ኣብ ሮማ ናይ ዝካየድ “ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ” ምዕራፍ

ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተዋጽኡ ክልተ ሚእቲ ልኡካን ኣብ ርእሰ ከተማ ረፓብሊካዊት ቸክ - ፕራግ ካብ ዕለት 5 – 12 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጉባኤ ብከባቢ ደረጃ ፍረ ዕዮ ሲኖዶስ ይመምዩ ምህላዎምን እዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ እውን ብኣህጉር ደረጃ ንሳልሳይ ግዜ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ “ጳጳሳት ናይ ቅዱሳት ምስጢራት ናይ ቤት ጽሕፈት ምሕደራዊ ዕዮ ዘሳልጡ ኣካየድቲ ወይ መራሕቲ ቀቢላታት ዘይኮኑስ ኣብ ክእንዱስ ኣብ ማእከል ህዝቢ ዝኾኑ ጓሳት፡ ህዝቢ ኣብ ምግልጋል እጀታኦም ዓጺፎም ኢዶም ዘርስሑን” እንክብሉ ይገልጽዎም፡ እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን እዚ ብትኽክል ድማ እቲ ናይ ኤውሮጳ ብኣህጉራዊ ደረጃ ዝካየድ ዋዕላ ኣብ ዝተጀመረሉ ዕለት 5 ለካቲት ዝቐረበ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሸውዓተ ኣህጉራዊ ባይቶታት

እዚ ኣብ ኤውሮጳ ብኣህጉር ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ሓደ ካብቶም ዝተፈላለዩ መስርሕ ሲኖዶስ ክኸውን እንከሎ፥ “ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሓድነት (ውህደት) ተሳትፎን ተልእኾን” ብዝብል ኣብ ሮማ ናይ ዝካየድ “ጠቕላሊ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ” ምዕራፍ እዩ። እቲ ምዕራፍ ኣህጉር ድማ ኣብ ከባብያዊ ኣቢያተ ክርስቲያን (ምዕራፍ ሃገረ ሰበኻዊ) ንዝተገብረ ምኽክር ዝስዕብ ኮይኑ ውጺእቱ ብደረጃ ሃገር ይጠቓለል (ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ወይ ውይ ሲኖዶስ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን)።

ሳልሳይ መድርኽ እቲ ናይ መስርሕ ሰነድ ንመድርኽ ኣህጉር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝቐርብ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፥ እቲ ዘይንጸል ኣካል ናይዚ ምዕራፍ ዝኾነ ኣህጉራዊ ሲኖዳውያን ጉባኤታት ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ክካየዱ እዮም፥ እቲ ናይ ዞባ ኣቻይና ኣብ ፊጂ ካብ ዕለት 5 ዝተጀመረን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዕለት 12 – 18 ለካቲት ኣብ በይሩት ዝካየድ፡ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ካብ 13 – 17 ለካቲት ኣብ ኦርላንዶ፡ እቲ ናይ እስያ ካብ ዕለት 23 – 27 ለካቲት ኣብ ባንኮግ፡ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 1 – 6 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ናይ ላቲን ኣመሪካ ድማ ካብ ዕለት 17 – 23 መጋቢት ኣብ ቦጎታ ዝካየድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ክልተ ሚእቲ ልኡካን ካብ መላእ ኤውሮጳ

እቲ ብኣህጉር ደረጃ ዕለት 5 ለካቲት ዝተበገሰ ጉባኤ ኣብ ፕራግ ብናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ያን ግራውብነር ኣብ ስትራሆቭ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም እተኸፈተን እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ” ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ሲኖዶስ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፥

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዋዕላ ብጠቕላላ 156 ካብ 39 ናይ ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጵሳት ኣባይቲ ምኽሪ ካልኦት 44 ካብ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ሕብረት ዝተላኣኩ ከም ዝኾኑን ኣብቲ ካብ ዕለት 11 ክሳብ ዕለት 12 ለካቲት ዝካየድ ካልእያ ክፋል እቶም ናይ 39 ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት ዝራኸብሉ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብደረጃ ከባቢ ፍረ መመያ ምእካብ

እዚ ምዕራፍ መስርሕ ሲኖዶስ እዚ ብመሰረት እቲ ናይ ኣህጉራዊ መድረኽ  ናይ ዕዮ ዝኽረ ነገር ዘመልክቶ ናይ ስራሕ ሰነድ ስዒቡ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ድሮ እተን ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ብኸመይ “ብሓባር ይጓዓዛ” ከም ዘለዋ ዝሓሸ ርድኢት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ሰነድ ውጽኢት ናይቲ ብደረጃ ከባቢ ዝተኻየደ ናይ ምምኽኻር ኪደትን ደሓር ተመሊሱ ዝዓሞቐ ልልያ ንኽግበረሉ ናብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተላእከ ኣብ ሰለስተ ሕቶታት ዝተሞርኮዘን እቶም ኣብቲ ዝተኽያደ ምምኽኻር ብዝያዳ ዝድመጹ ኣማእኪሎ ዝመያየጥን ኣብ ዝቕጽል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ሲኖዶስ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ኣለልዩ ከቕርብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንብዙሕነት ህዝበ እግዚኣብሔር ዝውክሉ ልኡካን

እቲ ኣህጉራዊ መድረኽ ውጽኢት ተሳትፎ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምስ ጉጅለ ሲኖዶስ የራኽቦ ብተወሳኺ እቲ ጉባኤ ንደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብፍሉይ ኣቃልቦ ብምሃብ፡ ጳጳሳት ካህናት ዲያቆናት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓለምያውን ምእመናን ንምውካል ዝኣለመ እዩ። ብጀካ እቲ ኣብቲ ጉባኤ ብኣካል ዝርከቡ ካልኦት ኣስታት 400 ዝኾኑ ብመርበብ ሓበሬታ ዝሳተፉ ልኡካን እውን ምህላዎም ኣፍሊጡ።

07 February 2023, 15:32