ድለ

2020.03.14 Donna Samaritana - mosaico di Padre marko rupnik sj , riflessione del Vangelo 2020.03.14 Donna Samaritana - mosaico di Padre marko rupnik sj , riflessione del Vangelo 

ሰንበት ዘቅበላ የካቲት 5 2015 ዓ.ም. (2/12/ 2015)

መዝሙር፡ ወብዙኃን ኖሎት . . . ያዕቆብ ዕጡቕ ሕቚኡ ክሳብ ዝመጽእ ብዙሓት ጓሶት ነታ እምኒ ካብ አፍ ዔላ ክግልብጥዋ አይከአሉን። ንሱ ከፊቱ መጓሰኡ አስተየ፥ ከምኡ ብዙሓት ነብያት መጽኡ ግን ንጥምቀት ክሳብ ዓቢ ጓሳ ዝመጽእ ክኸፍትዋ አይከአሉን፥ ንሱ አብአ ብዙሓት አሕዛብ አጥመቐ፥ ተአምራት መድኅኒና ዘደንቕ እዩ፥ ከምቲ በትሪ ካብ ዘርኢ እሰይ ብአምሳል በትሪ ያዕቆብ መጓሰ አባግዑ ዝሕልወላ ዝወጸት ንሳ ማርያም እያ። ከም ዝበሎ በትሪ ክትወጽእ እያ ዕምባባ አብአ ክርአ እዩ፥ ንሱ ሓደ እዩ ንሱ ወዲ አምላኽ እዩ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ሮሜ 9፡1-17፥ 1ጴጥ 2፡12-19፥ ግ.ሓ. 7፡6-16፥ ዮሓ 4፡1-25      ስብከት፡ በማኅበር ባርክዎ ለእግዚአብሔር፥ ወለአምላክነ በአንቅዕተ እስራኤል፥ ህየ ብንያም ወረዛ በኃይሉ:: ንእግዚኣብሔር ብሕብረት ኣመስግኑዎ፡ ንኣምላኽና'ውን ኣብዓይኒ ማያት እስራኤል፡ እንሆ ቢንያም መንእሰይ ምስ ሓይሉ።(መዝ.67)መዝ. 68፡26። 

እግዚአብሔር አብ ኦሪት ብዝተፈላለዩ ሰባት ገሩ በብዓይነቱ መልእኽቱን ድለቱን ገሊጹ። ሓደ ካብእዚኦም ያዕቆብ እዩ፥ እቲ ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ አምሳል ነቲ ክመጽእ ዘለዎ ክርስቶስ ከምዘስምዕ ንርኢ። አብ ድሕነት ደቂ ሰብ ብዙሓት ከሰናድዉ ተላኢኾም። ማርያም እታ ኩሉ ዝተነግረ ትንቢት አብአ ዝተፈጸማ እያ። ክርስቶስ ካብአ ተወሊዱ ደቂ አምላኽ ናይ ምዃን መሰል አውሂቡና። ናይ ሎሚ መዝሙር ኦሪት አብ ሓዲስ ከም እተፈጸመን አብቲ ጉዕዞ ምቅርራብ ብዙሓት ልኡኻት አምላኽ ኮይኖም ንደቂ ሰብ ከምዝቐረቡን ይነግረና።

እዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ሰንበት-ዘቅበላ ንብሎ። ዓቢ ጾም ንብዓለ ትንሣኤ ክንሰናዶ ምእንቲ ክሕግዘና እነሕልፎ ፍሉይ እዋን ስለ ዝኾነ ዘቅበላ ንብሎ። እንቅበሎ ካልእ አይኮነን ንርእስና አብ ቅድሚ አምላኽ ክነቕርባ ነቲ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ዝኾነ ድኽመት ክንስሓሉን አብ መገዲ አምላኽ ክንምለስ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ጾም ንነፍስና ቀጺዕና አብ መገዲ አምላኽ እንምለሰሉ እዋን ስለ ዝኾነ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት ክንሰናዶ ክንቅረብ ንጾምና ብዓቢ ሃረርታ ክንቅበሎ እሞ ሕይወትና ክንሕድስ እንሰናደወሉ ጊዜ ኢና እንአቱ ዘሎና።

ወንጌል ናይ ዮሓንስ ንሎሚ ዝተነበ ንምቅርራብና ንጾም ፍሉይ ይገብሮ። ሰብ አብ ሕይወቱ ክልተ ጽምአት ይጓነፎ ስጋውን መንፈሳውን ጽምአት። እዚ ክልእቲኡ አብዛ ስማ ዘይጥቀስ ሰበይቲ ንርእዮ። ንሳ አብ ዔላ ያዕቆብ ምስ ኢየሱስ ተራኺባ። ንስጋዊ ጽምአ ክተርዊ ብቀትሪ አብ ጽምዋ ናብታ ዔላ ያዕቆብ ተባሂላ እትጽዋዕ ኩሉ ሰብ ዝወርዳ ወሪዳ። ብዙሕ ጊዜ አብ ሃገረሰብ ሩባ ዝወርድ ንግሆ ወይ ምሸት እዩ ቀትሪ ፀሓይ በርቲዓ እንከላ ዝኸይድ የለን ከይርአ ከይፍልጥ ዝደለ እዩ ከምኡ ዝገብር ገለ ጸገም ዘልኡ እዩ። እዛ ሰበይቲ ዕትሮአ ተሰኪማ ቀትሪ ምድሪ አብ ሩባ ምስወረደት ማይ ከይቀድሐት እንከላ ሓደ ጋሻ ሰብአይ እሞ አይሁዳዊ መጺእዋ። ቀትሪ አብ ጽምዋ እሞ ሰብአይ በይኑ ክመጽአ እንከሎ ዘሰንብድ እዩ።

ንሳ ብሕይወታ ጸገም ዝነበራ ሰበይቲ እያ፥ መንፈሳዊ ጽእምአት ዘጥቕዓ እያ ነራ በዚ እያ ካብ ሓደ ሰብአይ ናብ ካልእ ትኸይድ ነራ እንተ ኾነ ሕጉስቲ አይነበረትን። ንኢየሱስ ክትረኽቦ እንከላ ምስ መበል ሻድሽይ ሰብአይ እያ ነራ ግን ንኢየሱስ ሰብአይ የብለይን ኢላቶ ምናልባት ምስቲ ዝነበረቶ እውን ሕጉስቲ ስለ ዘይነበረት ሻብዓይ ሰብአይ ትጥምት ነራ ትመስል ሰብአይ የብለይን ክትብል እንከላ።

አብ ቅዱስ መጽሓፍ ቍጽሪ ትርጉም አልኦም።ቍጽሪ ሽድሽተ ጉድለት ዕድል ናይ ድኽመት እዩ ዘመልክት። ስለዚ እዛ አብ ሻድሻይ ሰብአይ በጺሓ ዘላ አብ ኩነታታ ሕማቕ ዕድልን ድኽመታትን ዝነበረት ሰብ እያ። ሸውዓት ብኻልእ ወገን ናይ ምልአት ፍጽምና መደምደምታን ብቕዓትን እዩ። ኢየሱስ አብ ሕይወት እዚአ ሰበይቲ ከም መበል ሻብዓይ ሰብአይ ይመጽእ። ንሳ ኩሉ ዘልአ ትገልጸሉ እሞ አብ መጨረሽታ ኩሉ እቲ ብነፍሳ ጸሚአቶ ዝነበረት ጽምአት ትረኽቦ። እዚ እዩ አብ ናይ ነፍስ ወከፍና አብ ጊዜ ጾምን አብዚ እዋን ክንለብሶ እንደሊ። አብዚ ኢየሱስ ነዛ ሰበይቲ አብ ሕይወታ ክትመልስ ዝገበሮ አገባብን መላን ተመሊስና አብ ሕይወትና ክንገብሮ ዝግብአና ክንፈልጥ ዝሕግዝ እዩ።

መጀመርያ ነፍስወከፍና ክንገብሮ ዝግብአና ነቲ አብ አምላኽ ከይንምለስ ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ዶባት ክንፍንጥሶ አሎና። ደቂ ሰብ አብ ሕይወቶም ዶባት ፈጢሮም አብ ነፍሶም ጥራሕ ተሓጺሮም ክነብሩ ዝኽእሉ እዮም፥ ብሃገር፥ ብዓለት፥ ብሃይማኖት፥ ብጾታን ፈሊኻ ናይ ምኽአል ግብሪ አልኦም። ኢየሱስ አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ነዞም ሰብ ዝሰርሖም ወሰናስን ምስ ካልኦት ከይንራኸብ እሞ አብ ሕይወት ከይንምለስ ንዝዕንቅፉና ከመይ ገርና ክንብጥሶም ከም እንኽእል ይሕብረና። ነዞም ዝፈላልዩና ዘለዉ መናድቕ ክነፍርሶም እቲ ሓቀኛ መገዲ ይሕብረና። ነዛ ሰበይቲ ክመልሳ ነዚ አገባብ እዩ ተጠቒሙ።

አብቲ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበረ ርድኢት አይሁድ ምስ ሳምራውያን ክራኸቡ አይፍቀድን እዩ። ናይ እዚ ምኽንያት ሳምራውያን አብ ጊዜ ስደት አሲርያውያን ብ722 ቅ.ል.ክ ካብ ሰሜን ወሪሮም ንሰመናዊ ክፍሊ እስራኤል ስለ ዝሓዝዎ እሞ ናይ አይሁድ ስርዓት ክወስዱ ስለ ዝጀመሩ እሞ ምስኦም ስለ ዝተዋሰቡ እቶም አብ ይሁዳን ካልእን ዝነበሩ ንሳምራውያን ዘይንጹሓት ገሮም ይሓስብዎም ነሮም። ነዚ ዝተዓዘቡ አርድእቲ ኢየሱስ ወላእኳ ክሓትዎ አይድፈሩ እምበር ምስ ሰበይቲ ክዛረብ ብምጽንሑን እሞ ምስ ሳምራዊት አይተሓጎሱን። ነዚ ርድኢት እዩ ከፍርስ ዝደለ ኢየሱስ። ናይ ትዕቢትን ክፍአትን መናድቕ አብ ዓለት ወገን ዝተመስረት ድኹም መንፈስ ከሸንፍ ኢሉ ነታ ሰበይቲ ነቲ ቀንዲ ነገር ክገብረላ ደልዩ። ነታ ሰበይቲ ማይ አስትይኒ ክብላ እንከሎ ነቲ ዝነበረ ፍልልይ ሰርዎ፥ ንስኻ አይሁዳዊ እንከሎኻ ንአይ ንሳምራዊት ከመይ ኢልካ ማይ አስትይኒ ትብለኒ እናበለት ሓቲታቶ (ዮሓ 4፡9)።

ማይ ምልክት ሕይወት እዩ፥ ኢየሱስ ነታ ሰበይቲ ማይ አስትይኒ ክብላ እንከሎ ነቲ ጸሚኡ ዝነበረ ነፍሳ ማይ ሕይወት ከስትያ ስለ ዝደለ እዩ፥ ነቲ ሒዛቶ ዝነበረት ሕይወት ክትቅይር እሞ አብቲ ሓቀኛ መንጪ ሕይወት ክትምለስ ኢሉ ነዚ ሕቶ አቕሪቡላ።

አብቲ አብ መንጎ ኢየሱስን እዚአ ሰበይትን ዝተገብረ ዕላል ኢየሱስ ነቲ ብግዚኡ ዝነበረ ድሑር ባህልን ርድኢትን ክስዕሮ ኢሉ ነዛ ሰበይቲ አብ ሕይወታ አትዩ አብኡ ክትአምን ዓዲምዋ (ኁ 7) ክትፈልጦ ዘልአ ሓቢርዋ፥ ንሳ ዝበለቶ ሓቂ ከምዝኾነ ይነግራ (ኁ 17) በቲ ዝበለቶ መሰረት አብ ሓቂ ክትምለስ ይሕግዛ፥ ቀስ ብቐስ ነቲ ዝነበራ ጸልማት ሰጊራ አብ ብርሃን ከም እትአቱ ገርዋ(ኁ 24፥25)።

ስለምንታይ እዩ ኢየሱስ አብዛ ሰበይቲ ዓቢይ ትእምርቲ ዘሕደረላ?ምኽንያቱ ንመጀመርያ ጊዜ አብ ሕይወታ ብሓቂ ዝርድአ ሰብ ረኺባ። በቲ ኩሉ ዝርአየቶ ተገሪማ ዕትሮአ ሓዲጋ እናጎየየት ንዓዲ አትያ ንደቂ ዓዳ ነቲ ንሳ ዝረአየቶ ክርእዩ ነጊራቶም። ንዑ አነ ዝረአኽዎ ርአዩ ኩሉ ዝገበርክዎ ዝነገረኒ ሰብአይ ርአዩ እናበለት አብ ኢየሱስ አምጺአቶም። ምናልባት አብ ሕይወታ ንመጀመርያ ጊዜ ከየጓነየ ዝፈለጣ ሰብ እዩ ነሩ። ከይፈለጥዋ እንከለዉ ወያ ሰበይቲ ሕይወታ ቀይራስ ሰባኺት ወንጌል ኮይና ንሰባት አብ ኢየሱስ ክተምጽእ ጀሚራ። አብዚ ዓቢ ትምህርቲ ንምሃር።

ንኢየሱስ ብልቢ አሚና እንተ ተቐበልናዮ መጀመርያ ውሽጣዊ ለውጢ ይመጸና ምስኡ ሓደ ስለ እንኸውን ንስብከተ ወንጌል ንወፍር። አብ ኢየሱስ ዝአመነ ንእምነቱ ምስካልኦት ከካፍሎ ነቲ ንሱ ዝአምኖ ክሰብኽ ጊዜ አይወስደሉን እዩ። ሕይወት ናይ እዛ ሰበይቲ ነዚ እዩ ዘስተምህረና።

አብዚ ዘገርም አሎ እቶም ደቂ ዓዳ ነታ ሰበይቲ ንኹሉ ነጊራ ዘምጽአቶም ሰበይቲ ዝመለሰቶም ዝሰበኸቶም ከይብሃሉ ኢሎም በቲ ንስኺ ዝበልክና አይኮናን አሚና በቲ ባዕልና ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ኢና እዚ ናይ ብሓቂ ነቢ ምዃኑ ዝአመኑ ኢሎማ (4፡42)።

አብ ናይ ንስሓ ወይ አብ ናይ እምነት ጉዕዞ ክልተ ደረጃታት አሎ። 1. ምእማን ምኽንያቱ በቲ ሓደ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝነገረና። 2. ምእማን ምኽንያቱ ባዕልና ብዝገበርናዮ ጻዕሪ ክንአምን ክንክእል ከሎና። እዚ ክልተ መገዲ አብ ኢየሱስ የብጽሓና። ጾም ፍሉይ ጊዜ እዩ፥ ቤተ ክርስትያን ንኹልና እተቕርቦ ፍሉይ መጸዋዕታ አሎ በቲ ካልኦት ዘምጽኡልና ንኢየሱስ ክንፈልጦ ዘይኮነ ባዕልና ክንፈልጦ፥ ካልኦት ኢሎምና ዘይኮነ ባዕልና አብ ሕይወትና ብዝርአናዮ አሚና ክንርከብ ትደልየና።

አብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል።

·      ኢየሱስ አብቲ ዘሎናዮ ይመጽአና። እዛ ናይ ወንጌል ሰበይቲ አብ ዔላ መጺእዋ ንአና እውን ብዝተፈላለየ መገዲ ይመጽአና እዩ ምስኡ ዘተ ክንክእል ክንሰምዖ ክነለልዮ ይመጸና አሎ። ጊዜ ጾም ሓደ ካብቲ ኢየሱስ ከምዝመጽአና ዝነግረና እዋን እዩ። አበሎና ኢየሱስ ከዕልለና፥ ከለልየናን ክንፈልጦን።

·      ሕይወትና ክንቅይር ይደልየና። ነዛ ሰበይቲ ሕይወታ ርእያ ክትክእል ኢሉ ቀስ ብቐስ ቀሪብዋ። ልባ ክትከፍተሉ አየጸገማን፥ ንሱ እውን ነቲ ዘላቶ ሕይወት ክትቅይር እናወገዘ አይቀረባን። ሎሚ ንነፍስወከፍና ክንቅይር ደልዩ ይቀርበና አሎ እሞ ንስምዓዮ። ሎሚ ክንሕደስ ክንቅየር ክንቅደስ ዝዕድም እዋን ኢና ሒዝና ዘሎና።

·      ስርዓታት ሰብ ጎድአት ዝበዝሖ እዩ። ብጉድለትና ብኃጢአትና ካብ ማሕበረሰብ ንወጽእ ሰብ ከአ ይግልለና። አብ ቅድሚ አምላኽ ግን ኩልና ሓደ ኢና እኳ ድአ ካብ ኃጢአትና ክንምለስ ይደልየና፥ ዕድል ምስተረኽበ ክንጥቀመሉ የድሊ። አብ ማሕበር ክርስቶስ ክንአቱ ሕይወትና ንቐይር።

·      ንኢየሱስ ክንጸምኦ ይግብአና። ማይ ሕይወት ክንሰቲ ኩሉ ጊዜ አብ ኢየሱስ ክንቀርብ አሎና እዛ ሰበይቲ ንኹሉ ጊዜ ካልአይ ከይጸምእ ሃበኒ ኢላቶ። ቅዱስ ጸሎት እዩ። ካብ ኢየሱስ እንደልዮ ከምእንረክብ ይሕብረና። ሎሚ እንደልዮ ክንረክብ እንልምነሉ እዋን እዩ።

·      በቲ አምላኽ ዝገበረልና ክንምስክሮ ይግብአና። አብ ሕይወት ሰብ እቲ ዝዓበየ ትአምራት ካብ ኃጢአቱ ካብ ጌግኡ ክምለስ እንከሎ እዩ። ሕይወትና ፈሊጥና አብ አምላኽ ንመለስ እሞ ክንሰብኽ ክንጅምር ኢና። ጸጋ ዝተዓደለ ሰብ ዕጭኡ ምስባኽ እዩ። ቅ. ጳውሎስ ነቲ አባይ ሓዲሩ ዘሎ ክርስቶስ እንተ ዘይሰበኽኩ ወይለይ ከምዝበሎ ክንሰብኽ ትሑዛት ኢና።

በዚ ሰንበት ዘቅበላ እምብአር ንኢየሱስ አብቲ ክርኸበና ኢልና እንጽበዮ ንርከቦ። ሰብ ሕይወቱ አብ ጸልማት እንተሎ ክርኢ ይኸብዶ እዩ ክንርኢ ምእንቲ መጀመርያ ኢየሱስ አብቲ ከዊልና ዘሎ ጸልማት መጺኡ ከም እንርኢ ክገብረና ንለምኖ። አብቲ ዘለኽዎ ጸልማት ቂምታ፥ ክፍአት፥ ኃጢአት መጺእካ ርኸበኒ ንበሎ። አብ መጨረሽታ ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ አምላኽ ክትርእዩ ንዑ እናበልና ክንምስክር ኢና።

ነዚ ቅዱስ እዋን ጸጋ ለቢስና ክንአትዎ ባዕሉ ይሓግዘና።

 

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 

 

12 February 2023, 00:53