ድለ

ጾመ ነነዌ የካቲት 7-9 2015 ዓ.ም. (2/14-16 2023)

ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀ፣ ሰብ ወይስ እንስሳ፣ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፣ ኣይውፈራ፣ ማይውን ኣይስተያ፣ ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፣ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ዮናስ 3፡1-10
ብድምጺ ንምክትታል!

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም አጽዋማት ንዓቢይ ጾም ክንቅረብ ምእንቲ ዝሕግዘና እዩ። ነቲ ዮናስ ነብይ አብ ከርሢ ዓቢይ ዓሣ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ዝጸንሖ ናይ ንስሓን ጸሎትን ጊዜ እንዝክረሉ ከምኡ ነቲ ሰብ ነነዌ ብዮናስ ክንስሑ ምስተ ነግሮም ዝገበርዎ ንስሓ ዘኪርና ንሕና እውን ካብ ኃጢአትና ብንስሓ ክንምለስ ዘዘኻኽረና እዩ። ቤተ ክርስትያን በብእዋኑ አብ አምላኽ ዝመልስ ጊዜ ብምስራዕ ክንሳሕ ሕይወትና ክንቅይር ትነግረና። ጾመ ነነዌ ዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ አብ ንርእስና ከመሎኹ ክንስሓሉ ክዕርዮ ዝግብአኒ ነገር እንታይ አሎ ኢልና ክንሓትት ዝሕግዘና እዩ።

ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ትንቢቱ ብሓቂ ውሩይን ክተንብቦ ሃናጽን መሳጥን እዩ። አብ ካልእ ቅዱስ መጽሓፍ ዘይንረኽቦ ፍልይ ዝበለ አቀራርባ ንረኽበሉ ከምኡ አምሳላዊ አገላልጻ ዝርከቦ ጽሑፍ እዩ፥ ንአብነት ንምስራቕ ወይ ንምዕራብ ገጽካ ምኻድ፥ ሰለስተ መዓልቲ፥ ማዕበል፥ ባሕሪ፥ ሓሙኽስቲ ወጮ ምኽዳን. . . ፍሉይ ትርጉም አለዎ። ካልእ አብዚ እንርእዮ አይሁድ አብ ልዕሊ ካልኦት ዘይዓለቶም ዝኾኑ አረማውያን ፍኹስ ዝበለ አረአእያ ኽገብሩ ንረኽቦም። እዞም ካልኦት አሕዛብ ካብ ፍቕርን ምሕረት እግዚአብሔርን ወጻኢ ከምዘይኮኑ ንርኢ።

እግዚአብሔር ንዮናስ ናብ ምስራቕ ካብ ዓዱ ንአረማውያን ዝኾኑ አሕዛብ ናብ ነነዌ ዓባይን ዋና ከተማ አሲራውያን ሰለስተ መዓልቲ ዝወስድ ክትዞራ ክሰብኽ ልኢኽዎ። አብዚ እዋን አብ ዝተገብረ አርከሎጅያዊ ኩዕታ ከም ዝሕብሮ ነነዌ 13 ትርብዒት ኪ.ሜ. እያ፥ ግን ምስተን አብ ከባቢ ዘሎ ሓዊስካ አርባዕተ ከተማታት 100 ኪ.ሜ. ትርብዒት የጠቓልል። አብዚ እንርእዮ እግዚአብሔር አብቶም ጸላእትና እንብሎም እውን ከም ዝልእኸና። ምሕረት አምላኽ ደረት የብሉን።

ዮናስ አብ ክንዲ አምላኽ ዝበሎ ዝገብር መርከብ ወሲዱ ንምዕራብ ገጹ ኸይዱ፥ አንጻር እቲ እግዚአብሔር ዝአዘዞ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ነዞም ኃጢአተኛታት እሞ አረማውያን ምሕረት ክገብረሎም ክአምን አይክአለን። ምስራቕ ምልክት ተስፋን ድሕነትን እዩ ድሕነት ብምስራቕ እዩ ዝመጽእ፥ ክርስቶስ አብ ዳግማይ ምጽአቱ ብምስራቕ እዩ ዝመጽእ፥ ነዚ ምሰረት ገርና አብ ስርዓት ልጡርግያና ንምስራቕ ጠሚትና ንቕድስ። ምዕራብ ምልክት ጥፍአት እዩ። አብ ባህልና እውን ምዕራብ ምልክቱ ጽቡቕ አይኮነን። ዮናስ ንቃል አምላኽ ከየኽብር ኢሉ መርከብ ተሳፊሩ  ንምዕራብ ተበጊሱ እንተ ኾነ ድሕሪ ገለ ጉዕዞ አብ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ነታ መርከብ ኽግምጥላ ቀሪቡ፥ መርከበኛታት ዝክአሎም ገሮም ግን ነገራት እናኸፍአ ከይዱ። ንመንገደኛታት አብ አምላኾም ክጽልዩ ሓቲቶሞም ገለ ምሕረት ዝህብ አምላኽ እንተ ረኸቡ ኢሎም። ዮናስ እዚ ኹሉ እናኾነ አብ ሓደ ጸግዒ ይድቅስ ነሩ። ዝርአይዎ መርከበኛታት ሰብ ይጽገም ንስኻ ትድቅስ ተንስእ ገለ አምላኽካ ከድሕነና እንተ ኸአለ ጸሊ እናበሉ አተንሢኦሞ። ሽዑ ዮናስ ግብሩ ፈሊጡ ንአይ አብ ባሕሪ ደርብዪኒ ብሰንከይ እዩ እዚ ኹሉ ወሪዱ ዘሎ ኢልዎም። አብ ባሕሪ ምስ ደርበይዎ እቲ ማዕበል ሃዲኡ ንዮናስ ግን ዓሣ ነባሪ ተቐቢልዎ። አብ ውሽጢ ከርሱ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። አብኡ እንከሎ ብኃጢአቱ ተጣዒሱ ጸለየን ምሕረት ለመነን። ዓሣ እውን ንዮናስ አብ ከርሱ ክኸውን አይፈተዎን አይተቐበሎን አብ ገምገም ባሕሪ አብ መረት ተፊእዎ።

አብዚ ብዙሕ ክንስተንትን ንኽእል። ባሕሪ ማዕበል እዚ ኹሉ አምሳል እዚ እንነብሮ ዓለም አብኡ ዘሎ ክፍአትን ፈተናን ዝናውጸና ንሕይወትና ዘስግእ ነገራት ዝገጥመና እዩ፥ መርከብ እታ ብማዕበል እትናወጽ አምሳል ቤተ ክርስትያን እያ። ቤተ ክርስትያን አብ ዓለም ዝተፈላለየ ሰባት ብዝፈጠርዎ ኃጢአት ትህወኽ ትስደት ትጭነቕ እንተ ኾነ ኩሉ ጊዜ አምላኽ ምስአ ስለ ዘሎ ትፍተን እምበር አይትጠፍእን እያ። ዮናስ ሰብ እናተጨነቐ ደቂሱ ነሩ እዚ ኸአ ብዙሓት ካባና አብዛ እንነብራ ዓለም ሰባት እናተጨነቁ ሞት ስደት መከራ እናወረዶም ከምዘይናትና አስቂጥና እና ረአና ከምዘይ ረአና ኮና ክነብር እንከሎና ዝነግር እዩ። ዮናስ ክበራበር አይክአለን እናሞተ እንከሎ ደቂሱ ነሩ ንሕና እውን ሞት ኃጢአት አብ መንፈሳዊ ሞት አብጺሕና እንከሎ እናደቀስና ነሕልፎ አሎና ዘበራብር ዝመልስ ዘንቅሕ የድልየና። ጾመ ነነዌ ሓደ ካብ መልእኽትታቱ ክንምለስ ክንጥዓስ እሞ ንአምላኽ ክንሰምዖ እዩ። ተንሥእ ዝብሉ የድልዩና። እዋኑ ኸአ ሎሚ እዩ።

ብሰንኪ ዮናስ መርከበኛታት አብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ተጨኒቆም ንብረቶም አብ ባሕሪ ደርብዮም ዝገብርዎ ጠፊእዎም። ሓደ ወዲ ቤተ ክርስትያን አብ ክሕደት አምላኽ እንተ ወደቐ እቲ ዝገበሮ ኃጢአት ንኹልና ከሳቕየና ከዋርደና ይክእል እዩ። ኃጢአት ንገባሪኡ ጥራሕ አይኮነን ዝጎድእ ነቶም መቕርቡ ከባቢኡ ደቂ ዓዱን ወገኑን እውን ክልክም ይኽእል እዩ፥ እዚ ግን ኩሉ ኃጢአት አይኮነን። እዛ እትሕመሰ ዓለምና ጠንቂ መከርአ እንታይ ኮን ይኸውን። ሃገርና ኩሉ ጊዜ ዘይቅሱን ሕይወት ዘልብሳ ዘሎ አየናይ ኃጢአትዩ ኾን ኢልና እስከ ንሕሰብ። አብ ሰባት ኢድና ምውጥዋጥ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍና አብ ልብና አቲና ክንፍትሽ።

መረከበኛታት ክድሕኑ ዝክአሎም ምስ ገበሩ ዘይልወጥ ምስ ረአዩ አብ ጸሎትን ብሰንኪ መን እዚ ኹሉ ይወርዶም ከምዘሎ ክፈልጡ ዕጫ አውደቑ እቲ ዕጫ አብ ዮናስ በጽሐ። ሽዑ እንታዋይ ኢኻ እስከ ኩሉ ዕዮኻ እንታይነትካ፥ ካበይ ከምዝመጻእካ ካበናይ ህዝቢ ምዃንካ ንገረና ኢሎም ሓቲቶሞ። ዕብራዊ ከምዝኾነ ካብ አምላኽ ይሃድም ከምዝነበረ ነገሮም። ማዕበል እናበርትዐ ምስ ከደ እንታይ ንግበር በልዎ ሽዑ አብ ባሕሪ ደርብዩኒ ኢልዎም። አብ ባሕሪ ደርበይዎ ዓቢ ዓሣ ወሓጦ። አብ ከብዲ ዓሣ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ገበረ።

አብዚ እውን ብዙሕ ክንርኢ ክነስተንትን ንኽእል። ሰብ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ አብ አምላኽ እዩ ዝምለስ ገለ ኸአ ልቢ አትሪሮም ክሳብ መጨረሻ ሓንቲ አይቅይሩን። ዮናስ ክሳብ መርከበኛታት ዝሓትዎ ከም ማንም ገያሻይ ኮይኑ እዩ ዝገይሽ ነሩ እንተ ኾነ ንአምላኽ ስለ ዘይሰምዐ ምስኡ ንዝነበሩ አሸጊሩ። ልብና ሓቢእና ተቐይምና ዝተፈላለየ ኃጢአት ጸርና ንኸይድ እንተ ድአ ኮና ንርእስናን ንኻልኦትን ኢና እንጎድእ።

ዮናስ አብ ከርሲ ዓሣ ሰለስተ መዓልትን ለይትን ገሩ እዚ ኸአ አቐዲሙ ነቲ ኢ.ክ. ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ አብ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ምስ ገበረ ዝተንሥአ ከምልክት እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ምልክት ሃበና ምስ በልዎ ነዚ ወለዶ ካብቲ ትንቢት ዮናስ ንላዕሊ ዝውሃቦ ምልክት የለን እናበለ ተዛሪቡ።

ዮናስ አብ ከብዲ ዓሣ እንከሎ ከም ዝጸለየን ዝተጣዕሰን አብ ጽሑፉ ይነግረና። አብ ዓዲ ምውታት ኮይነ አእወኹ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕካ እንበለ እግዚአብሔር ከም ዝሰምዖ ይነግረና። ሰብ ብምሉእ ልቡ ብኃጢአቱ ተጣዒሱ ንአምልኽ ምሕረት እንተ ለመነ አምላኽና መሓርን እቕረ በሃላይን እዩ። ዮናስ ዓሣ እውን አብ ከብዱ ክሕዞ አይደለዮን ስለዚ ተፍኦ።

ንኻልአይ ጊዜ እግዚአብሔር ንዮናስ ተንሥእ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ አነ ዝህበካ መልእክቲ ስበኸላ በሎ። ድሕሪ ከቢድ ተመክሮ ዮናስ ንእግዚአብሔር ተአዘዞ። ንሰብ ነነዌ አብ ውሽጢ እዘን አርብዓ መዓልቲ እዚአን ኽትግምጠል እያ እናበለ ሰበኸሎም። አርብዓ ዝብል ፍሉይ ትርጉም አለዎ። ማይ አይኂ አርብዓ መዓልትን ለይትን ዘኒቡ፥ ሙሴ አብ ደብረ ሲና ምስ እግዚአብሔር አርብዓ መዓልቲ ጸኒሑ፥ ደቂ እስራኤል አርብዓ ዓመት አብ በረኻ ከርተት ኢሎም፥ ጎ.ኢ.ክ. አርብዓ መዓልቲ ጸይሙ፥ ድሕሪ ትንሣኤ ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ንሰማይ ዓሪጉ፥ ጾም ፵ ንጸውም። እዚ ዝሕብሮ እቲ አርብዓ ልዕሊ እቲ ቍጽሪ ከም ዘመልክት እዩ። ፍጹም ለውጢ ክተምጽእ ዝብሃል ቍጽሪ እዩ። ካብ ሓደ ኩነት ናብ ካልእ ኩነት ክትሳገር ዝውሃብ ጊዜ እዩ።

ሰብ ነነዌ ዮናስ ዘይተጸበዮ ንመልእኽቲ አምላኽ አመንዎ። ኩሉ ክጸውም ድማ አወጁ፥ ከም ዝተጣዕሱ ምእንቲ ኼርእዩ ኸአ ኻብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቲኦም ወጮ ተኸድኑ። ንጉሥ ካብ ዝፋኑ ተንሢኡ ልብሲ መንግሥቱ ቐንጠጠ ወጮ ተኸዲኑ አብ ሓሙዂሽቲ ተቐመጠ አብ ሕዝቢ ነነዌ ኸአ ጾም አወጀ ሰብ ኮነ እንስሳ ንኡስ ይኹን ዓቢ ኩሉ ክጸውም ተአወጀ። ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ አምላኽ ይማህለሉ ነፍሲ ወከፍ ከአ ኻብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኽፉእ ግብሩን ይመለስ በሉ። እዚ እዩ ሰብ ነነዌ ዝገበርዎ። አብ አምላኽ ዘምልስ ጾምን ንስሓን ገበሩ አምላኽ ከአ በቲ ዝገበርዎ ጾም ነቲ አንጠልጢሉ ዝነበረ መቕጻዕቲ መሓሮም።

አምላኽ ዘይምሕሮ ኃጢአት የለን። ጾም አሰኒና እንገብሮ ንስሓ ምሕረትን ሰላም ፍቕሪ አምላኽን እዩ ዘውርደልና። ቅዱሳን ምዛዕባ ጾም ክዛረቡ እንከለዉ አብ ምልአት ክርስትና ክትበጽሕ ምስኡ ዝኸዱ ጸሎትን ምጽዋትን ክዝውተሩ ይነግሩ።  ቅ. ዮሓንስ ክሊማክስ ዝተባህለ ብዛዕባ ጾም ጽቡቅ ገሩ ዝሰብኽ ዝነበረ ከምዚ ይብል፥ ጾም ንክፉእ ሃረርታ ሥጋ ደው የብል፥ ንክፉእ ሓሳባት መንቍሱ ይድርብዮ፥ ካብ ክፉእ ሕልምታት ነጻ ይገብር፥ ጾም ንኹሉ ርእሰ ምቁጽጻር አልቢሱ ንጹሓት ክንከውን ይሕግዘና ይብል። ሰብ ነነዌ ነዚ አገባብ እዮም ተኸቲሎም ብምሉእ ልቦም ስለ ዝጾሙ ጾሞም ምሕረት ሰላም ፍቕሪ አውሪድሎም። አረማውያን ህዝቢ እውን ብኃጢአቶም ምስ ተነስሑ አምላኽ ይምሕሮም እዩ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሌላ ጉለላን የለን።

አይሁድ ከምኡ ዮናስ ኃጢአተኛታት አህዛብ ንመጸዋዕታ አምላኽ ይምልሱን ሕይወቶም ይቕይሩ ኢሉ ዝአምን አይነበረን። አብ ቀዳሞት ክርስትያን ዝተራእየ እዚ እዩ ማለት ቀዳሞት ክርስትያን አይሁድ እዮም ነሮም ድሓር ግን አህዛብ እዮም ብዝያዳ ክአምኑ ዝጀመሩ።

አብ ርእስና ክንምለስ እዚ ጾመ ነነዌ ኢልና እንዝክሮ እንታይ እዩ ዘዘኻክረና። መጀመርያ ናይ ንስሓ ጥቅምን አድላይነትን፥ ነቲ ኹሉ ዝወደቕናሉ ክፍአት ኃጢአትን ነቲ ጽቡቕ ክንገብሮ ዝግብአና ግን ዘይገበርናዮን፥ ንሕይወትና ከመይ ገርና አብ አምላኽ ከም እንመልስን ነቲ ወንጌል ዝብሎ ሰሚዕና አብ ንስሓ ክንአቱ ዝነግር እዩ። ከምኡ አብዚ ነቶም ካቶሊካውያን ዘይኮኑን ክርስትያን ዘይኮኑ ወይ እውን ክርስትያን ዝነበሩ ከመይ ኢልና ከም እንቐርቦምን እንሕግዞምን ክንሓስብ ይሕግዘና። ኢየሱስ ባዕሉ ከምዝብለና ቅድመና ብዙሓት አብ መንግስተ ሰማይ ክአትዉ ምስ ርአና ክንግረም ኢና። ከምኦም ክንከውን እዚ ጾም ይዕድመና አሎ። ጾም ክንብል እንከሎና እቲ ሓቐኛ ምቅርራብ ምስ አምላኽ ክንዕረቅ እንገብሮ እዩ።

ካብ ሰብ ነነዌ እንምሃሮ አምላኽ ብምሉእ ኃጢአትና ተአሚና አብኡ እንተ ተመለስና ከም ዝምሕረና እዩ። ሎሚ አብ አምላኽ ክንምለስ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ እዋን እዩ። ናይ ዘመና ሰብ ነነዌ ክንከውን ዘሎና አነን ንስኹምን ኢና። ንጉዕዞ ንስሓ ብምሉእ ልብና ተቐቢልና አብ መንበረ ኑዛዜ ተደፊእና ንአምላኽ ተዓረቐና መሓረና ክንብሎ።

እዋና/ግዜና ዳርጋ ምስቲ ሰብ ነነዌ ዝገብርዎ ዝነበሩ ይመሳሰል እዩ፥ ናይ ሰዶምን ጎሞራን ጥፍአት ዘምጽአ ኃጢአት ሎሚ እውን ዓለምና አጥሒልዋ ይርከብ አሎ፥ አብ ኩሉ ዓመጽ ቅትለት ጥልመት ክፍአት፥ ክሕደት፥ ሕግታት አምላኽ ብምልኡ ይጥዓስ አሎ ብሓቂ ንስሓ የድልየና። አምላኽ ሎሚ እውን ልኡኻቱ ሰዲዱ ይነግር አሎ ግን ሰማዒ ካብ መራሕቲ ይኹን ካብ ተመራሕቲ አይተረኽበን አሎ። ይሰውረና ዘብል እዩ እሞ እስከ ተምበርኪኽና ንደፋእ ንመለስ ሽዑ ገጹን ምሕረቱን ክሰደልና።

ሎምዘበን ብፍሉይ ኩልና አብ መአዲ ጾም ክንጽመድ ሕይወትና ክንቅይር ንአምላኽ ክንሰምዖ ብፍሉይ ይድለ አሎ። ዓለምና ትናወጽ አላ ዝመልሳ ትደሊ አላ እሞ ነፍሲወከፍና ካልኦት ዮናስ ንኹን።

ንሰብ ነነዌ ንስሕኦም ተቐቢሉ ምሕረቱ ዘውረደ አምላኽ ሎሚ እውን ናይ ነፍሲ ወከፍና ንስሓ ተቐቢሉ ምሕረት ሰላም ዕርቂ የውርደልና።

በረኸት ዝመልኦ ጾመ ነነዌ ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

07 February 2023, 11:50