ኪዳነ ምሕረት እኖና ሎሚ እውን ተስፋና እያ!
ንውሉድ ደቂ ሰብ ንሕይወት ዘለዓለም መሳልል ክትኮኒ ካብ ስላሴ ተፈቒዱልኪ እዩ ዝብል ዕሞቕ ምስጢር እምነትና ብዝሓዘ ዝኽረ ብዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ክነብዕል ከሎና ፍሉይ ትርጉም አልኦ። ብዓልና ብሞንገኛነት ማርያም ዝተረኽበ ጸጋ ድሕነት ይዝክር። ቀዳሞት ወልድና አዳምን ሔዋንን ብሰንኪ ኃጢአቶምአብ መንጎምን አምላኽን ዓቢይ ዘይስገር ጋግ ተፈጢሩ። ነዚ ብውድቀት ዝተፈጥረ ፍልልይ ከም መተዓራቒት ክትከውን ብስላሴ እተመርጸት ማርያም እያ። አምላኽ ካብአ ተወሊዱ ንጥፉእ አዳም ከድሕን ከማና ሰብ ኮነ። ጉዕዞ ድሕነትና ካብታ ቀዳሞት ወለድና ዝወደቑላ ዕለት እዩ ብተስፋ ተጀሚሩ። አምላኽ አይጨከነን ንዝጠለመ ፍጡሩ ተስፋ ድሕነት ሂብዎ። ከድሕነካ እየ ብተስፋ ተጸበ ኢልዎ። ብዕድሉ ዝተጻወተ አዳም ብተስፋ ሓሊፉ ከምኡ ኩሎም ድሕሪኡ ዝመጹ ደቁ።
መደብ አምላኽ ካብ ማርያም ተወሊዱ ከድሕን እዩ ነሩ፥ ዕለቱን ጊዚኡን ምስ በጽሐ ብመልአኹ እሽታ ማርያም ሓቲቱ፥ ንሳ ኸአ ሐራይ ከም ዝበልካዮ ይኹን ኢላ ተቐበለት ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ዝኾነ ወልድ አብ ከርሳ ሓደረ፥ መለኮት ባሕርይ ፍጡሩ ወሲዱ፥ ዝዓበየ ምስጢር ድሕነትና ተገሊጹልና። ቀዳማይ ዕብየት ማርያም እምብአር አብዚ እዩ ተገሊጹ፥ ንድለት አምላኽ እሺ ብምባላ። አምላኽ ንዝተፈላለየ ነገራት መሳርሕቱ ክንከውን ንአና ፍጡራቱ ፍቓድና ይሓትት አብዚ ተለአኸኒ ይብለና። ንሱ ብሰብ ክሰርሕ ድላዩ እዩ። ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ብነብያት ብአበው ብነገስታት ገሩ ንደቂ ሰብ ድላዩ ይገልጽ ነሩ። ልኡኽ ንድላይ አምላኽ ንደቂ ሰብ ዝተዋህበ ፍሉይ ሕርየት እዩ። ሰብ ንድላይ አምላኽ ክቕበል እንከሎ ምሉእ ሓጎስ ይፈጥረሉ። በዚ አጋጠሚ አምላኽ ካባይ እንታይ ይደሊ እናበልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ኩልና ንድላይ አምላኽ ተግባራዊ ክንገብሮ ዕዱማትን ሕሩያትን ኢና። ከም ማርያም እሺ እልአኽ ክንብል ንበገስ።
ናይ ሎም ዘበን ንግደት ብፍሉ ክንዝክሮ ምደለኹ። እዋና አብ ዓለምና አብ ሃገርና ዘሎ ኩነታና ምግንዛብ የድሊ አሎ። እምነትና ከመሎ? ብፍላይ ካብ ሃገርና ወጻኢ ዘሎና ከመሎና? ብምንታይ ንልለ እስከ ሕልናናን ሕይወትናን ንመልከት ከመሎና። አብ መንጎና ዘሎ ርክብ እስከ ንርአ። ሃይማኖታት ከም እንርእየን ክፈናጨላን ሓደስቲ እምነታት ከም ሃውሪ አብ ኩሉ ክወናጨፋን አብ ገለ ክዓብያን እንርእየሉ ዘሎና ኢና። ሰብ እዚ እዩ ሓቂ እዚ እባ እናተባህለ ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊእዎ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሰብ ንእምነቱ ክነብሮ ዝኸበዶ እዩ ዝመስሎ ዘሎ። ገለ ኻአ ናይ አቦና አይንሓድግን ኢሉ ጸኒዑ ዝነብር አሎ እምነት እምበር አፍልጦ የብሉን።ገለ ኸአ ምቾት ውሒጥዎ አምላኽ አየድልየንን እናበለ አብ ዓለም ድላዩ እናገበር ዝሕምብስ ይርአ። እሞ ንሕና ሎሚ አብዚ ፍሉይ መዓልቲ ንግደትና እንታይ ሒዝና ነብዕል ብዓልና። እንታይከ ክንገብር ይግብአና። ደቂ ማርያም ዘብ እንታይ አሎና?
ብዓል ኪዳነ ምሕረት ንአኻ/ኺ እንታይ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ብዓልና ብማርያም አቢልና ደቂ ክርስቶስ ክንከውን መብጽዓና እንሕድሰሉ፥ ንዝሓለፈ ዓመት ምሉእ ህልዋት ገሩ አብዚ ንዘብጽሓና አምላክ እነመስግነሉ፥ ዘንጊዕና ወዲቕና እንተሎና ኸአ እንምለሰሉ ቅዱስ ዕለት እዩ። ነዛ ካብ ሎሚ እንጅምራ ዓመትና ኸአ ብእምነት እሙናት ኮና ብቅድስና ክነብር ኢልና መጽዓና እንጅምረሉ ፍሉይ ዕለት እዩ።
አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ክንድሕና ክንቅደስ ድላዩ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ መይቱ ተንሢኡ ዕርቡን ድሕነታና አረጋጊጽልና እዩ። ሎሚ ንእሽቶይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተራ እዩ ዝድለ ዘሎ። እሞ ሎሚ ካብ ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ዝሓተታ ወደይ ጓለይ ክትከውን ትደልዶ እናበለ ይሓተና አሎ። ወዲ አምላኽ ክትከውን ሕይወትካ አተሓሳስባኻን ኩሉ አምላኽ ዘይደልዮ አብ ሕይወትካ ዘሎ ሓዲግካ አብ ሓዲስ ሕይወትን ርክብን ምስ አምላኽን ሰብን ምእታው እዩ። አብዚ ቅዱስ ቦታ መልሲ ሂብካ ምኽአል የድሊ። አብ ውሽጥና ንእቶ እሞ ነቲ ኩሉ ድኽመትና ኃጢአትና ሓዲግና አብ አምላኽ ንመለስ እዚ እዩ ድላይ አምላኽ።
ዝበደለ ዝተጋገየ ብዙሕ ጊዜ ባዕሉ ክምለስ ወይ ክቅይር አይክአልን እዩ፥ ሓጋዚ መንጎኛ ዝዓርቕ ዘቐራርብ የድልዮ። እሞ ሎሚ መንጎኛና ማርያም እያ። ምስ ወደይ ክዓርቀኩም ነገር ወደይ ከረድአኩም ድላየይ እዩ ትብለና አላ። ምስ ኢየሱስ ክንዕረቕ ዓቕምናን ተግባራትናን አየፍቅደልናን እዩ በዚ እዩ ማርያም እተድልየና። ኢየሱስ እውን እዚአ አደኹም እያ ክብለና እንከሎ ኩሉ አደ እትገብሮ ክትገብረልና እሞ ምስ ወዳ ክትዓርቀና ንማለት እዩ። ገለ አለዉ አማልድነት ማርያም አየድልን ዝብሉ እዚ ግን ምስ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን፥ ምስ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ዘይከይድ ስለ ዝኾነ አይጠቕመናን እዩ። ኩነታትና እዩ ሓገዝ ከምዘድልየና ዝነግረና። መንጎኘት ማርያም ምስ ናይ ኢየሱስ ዝወዳደር አይ ኮነን ፈሊና ክንርእዮ አሎና።
ማርያም መጀመርያ አደ አምላኽ ብምዃና መንጎኛና ኮይና። ወልደ አምላኽ ካብአ ሥጋና ባህርና ለቢሱ ከማና ኮይኑ አድኂኑና እዚ እቲ ቀዳማይ መንጎኘት እዩ። ካልአይ ባዕሉ ቅድሚ ሞቱ አብ መስቀል እንከሎ እናሃ አደኹም ኢሉ መንፈሳዊ አደ እምነት ሂቡና እዚ ፍልይቲ መንጎኛ ይገብራ። ክትመርሓና ክትሕግዘና አብ ኩሉ አብ መንጎና ኮይና ክትሕግዘና ሓላፍነት ተዋሂብዋ። በዚ እያ ቀዳመይቲ ማኅበር ወዳ ብማእከልነት አዲኡ ዝጀመረት። መንጎኝነታ አብ መርዓ ቃና ዘገሊላ አብ ግብሪ ተራእዩ። አብኡ እውን ወደይ ዝበለኩም ኩሉ ግበሩ እናበለት ንድላይ ወዳ ክንገብር ትላበወና። እዚ ማርያም አብ አምላኽ ከምእተቕርበና ዝነግር እዩ።
ሎሚ ብዓልና ፍሉይ ትርጉምን መቐረትን ክህልዎ ብፍላይ ዘመና ክልወጥ እሞ ሰላም ፍቕሪ ክነግስ ነዚ ዝስዕብ ንግበር።
1. ክንምለስ ጸገምና ምልላይ የድልየና። ሰብ ኩነታቱ ምስ ፈለጠ ጥራሕ እዩ ክምለስ ዝኽእል። ከምቲ በታኒ ወዲ አበለኹ ክብል ምስ ክአለ ነፍሱ ዘለለየ ንሕና እውን ዘመና ክልወጥ አፍልጦ ኩነታትና አገዳሲ እዩ።አተሓሳስባና ርክባትና ፍቕርና ኩሉ ርኢና ክንክእል አሎና። ኩልና ከም እንርእዮ አይጠዓመናን አሎ፥ ሰላም ዕረፍቲ አይረኸብናያን። ሰብ አብ ነድሕዱ ክባላዕ እዋን ኮይኑ፥ ህድእ ኢልና ርእስና እስከ ንፈትሽ አብ ንስሓ ክንአቱ።
2. እምነትና ባህልና ይጠፍእ አሎ። ሰብ ክጠፍእ ዝኽእል ሰለስተ ነገር ምስ አጥፍአ እዩ። እምነት፥ ባህልን፥ ሃገርን፥ ንሕና እዘን ሰለስተ ነገራት አብ ርእስና እንተ ረአናየን የሰክፈና አለዋ። እምነት ዳርጋ ይጠፍእ አሎ ደቅና እምነትና ክቕጽሉ ዝደልዩ አይመስሉን። ዘመን አምጽኦ እምነታት ይበታትኖም አሎ። ይጠፍኡና አለዉ። ባህልና አብ ዓድና እውን ይጠፍእ አሎ። ባዕዳዊ ባህሊ ጸልዩና ናትና ከም ድሑርን ግዚኡ ዝሓለፎን ተራእዩ ሰልጢነ ኢልካ ናትካ ብኻልእ ምትካእ ዘውሕስ አይመስለንን። ሃገር ደቂ ሃገር ብፍላይ መንእሰያት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢሎም ይጠፍኡና አለዎ። ሰብ ሎሚ ሰቡ ካብ ዓዲ እንተ አውጽአ ዝተዓወተ ይመስሎ አሎ ግን ብኹሉ ምጥፋእ እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ አሻቓሊ ነገር አብ ዘሎናዮ ዘመን እዩ።
3. ሰብ ሓላፍነት ምልባስ አብዩ። ንእምነት ብዝርኢ ኩሉ ሓላፍነቱ አጉዲሉ እዚ እምነት ክዝሕል ክጠፍእ ምኽንያት ኮይኑ አሎ። ሓው ንሓው፥ ወላዲ ንውሉድ ክዛረብ ይፈርሕ፥ ብፍላይ አብዚ ዘሎና ንደቅና ክንዛረቦም ይኸብደና አሎ። እዚ ኩሉ ዝኸውን ካብ ንእስነቶም ስለ ዘይሓገዝናዮም እዩ። ግዙፋውን ግዝያውን ነገራት እንተ ሃብናዮም ኩሉ ዝሃብና ይመስለና። ዝሃብናዮም ኢና እንሓፍስ ዘሎና። ሎሚ ንደቅና እምነቶም ባህሎም ክነውርሶም ጽቡቕ እዩ። እምነትን ባህልን ዘይብሉ ዳርጋ ዝጠፍአ እዩ።
4. ፍሉይ ብዓል ኪዳነ ምሕረት እንታይ ይሓተና። ብዓልና ንትሓድሶን ንፍሉይ እምነትን ዝዕድም ዘዘኻኽር እዩ። ብምሉእ ሕይወትና ደቂ ማርያምን ግብራን ክህልወና መብጽዓና ክንሕድስ ይግባእ። ነፍሲ ወከፍና ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ ክንርኢ እሞ ብምሉእ ልብና ናታ ክንከውን መብጽዓና ንሓድሶ።
5. ጾም ንአቱ አሎና። ንብዓልና ፍሉይ ዝገብሮ ንትንሣኤ ክርስቶስ ዘቀራርብ ጾም ንአቱ አሎና።ናይ ንስሓን ቅድስናን ጾም ኢና እንአቱ ዘሎና። ነፍስናን ሥጋናን ቀጺዕና አብ አምላኽ ክንምለስ ምእንቲ። ጾምና ሰለስተ ነገር ዝሓዘ ክኸውን ይግባእ፥ ጸሎት፥ ተጋድሎን፥ ምጽዋት። ነዚ ክነማልእ ከሎና ምሉእ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ክንገብር ንኽእል። ጾምና ምስ ማርያም ንጀምሮ። ጾም ንፉም ንብጻይና ኸአ ነፍቅር።
ብዓልና ጸጋን ምሕረትን ዘውርድ ገሩ አብ ኩሉ አማልድነትን በረኸት ማርያም ዘውርድ ይግበረልና።
ኦ ኪዳነ ምሕረት ሰአሊ ለነ።
ርሑስ ብዓል
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ