ድለ

2022.01.28 Gesù nella sinagoga di Carfanao - Vangelo della domenica 2022.01.28 Gesù nella sinagoga di Carfanao - Vangelo della domenica 

፫ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ 28 ጥሪ 2015 ዓ.ም. (2/5/2023)

መዝሙር፡ ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ. . . . . . ኢየሱስ ብዓቢ ክብሪ ካብ ድንግል አብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ፥ተወሊዱ ተጠሚቑ ብልደቱ ምእንቲ ክንሕጎስ ብግልጸቱ ደስ ክብለና ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ 1ቆሮ 12፡12-30፥ 1ጴጥ 1፡13-22፥ ግ.ሓ. 19፡1-10፥ ሉቃ 4፡14-21  ምስባክ፡ እግዚኣብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፡ ኣሚን ወሠናይት ቅድሜሁ፡ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።(እግዚኣብሔር'ሲ ሰማያት ፈጠረ፡ ግርማ ክብሪ'ውን ይኸቡዎ፡ መቕደሱ'ውን ብሓይልን ጽባቐን ምሉእ ኢዩ)።(መዝ.95:5 - 6)

አምላኽ ካብ ድንግል ተወሊዱ አብ ማእከልና ሓዲሩ መለኮቱን ፍቕሩን ገሊጹልና። አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ንባባትና እነስተንትኖ አምላኽ ንወዲሰብ ተኻፋላይ ክብሩን ፍቕሩን ስለ ዝገበሮ ክቡር ፍጥረት ምዃኑ ንርኢ። ክብረት ሰብ አብቲ ንሱ ዝገብሮ ዘይኮነ አብቲ አምላኽ ዝሃቦ ክብሪ እዩ ዝምስረት። ዓብዩ ንኢሱ፥ ሃብቲሙ፥ ደኸዩ፥ ሓሚሙ ጥዕና አልይዎ ክብሪ ሰብ አይቅየርን እዩ። አብ ቅድሚ አምላኽ ካብቲ ዝደቐቐ ድቂ ጥንሲ ክሳብ እቲ ዝሸምገለ ኩሉ ሰብ ክቡር ፍጥረት አምላኽ እዩ። ነዚ አምላኽ ዝሃቦ ክብሪ ክግህስ ወይ ክቕይር ዝኽእል ሓይሊ የለን። ንሕና ስጋውያን ስለ ዝኾና መለክዒ ክብሪ ሰብ ብሃብቲ ብፍልጠት፥ አብ ሓይሊ ተመርኲስና ነኽብሮ ወይ ነሕስሮ። ሰብ ካብ ሰብ ዝበልጸሉ ሓንቲ የብሉን ንሕና ኩልና ብአርአያ ስላሴ ዝተፈጠርና ክቡራት ፍጥረት ኢና። ዓለምና አብ ታሪኽ እንተ ረኤና ክብሪ ሰብ አብ ሃይማኖት ዓለት ወገን መሰረት ገርና ንሰባት ዘይ መልክዖም ንህቦም እሞ ነሳቕዮም ንጸልኦም፥ እዚ እዚአ ካባና ድዩ ድያ እናበልና ንፈላሊ ብኡ መጠን ከአ ፍቕሪ ነጉድል። እዚ ሕማም ክትአልዮ ብርቱዕ ጻዕሪ የድልዮ፥ ጸሎት ተጋድሎ የድሊ። አብ ወገን ዓለት ዝተመስረተ ጽልኢ ከቢድ እዩ ስለዚ መንፈስ ክርስቶስ ለቢስካ ክትምክቶ ምጽዓር የድሊ። ቀዳሞት ክርስትያን ሓደ ካብቲ ብዙሕ ዘሳቕዮም ዝነበረ ወገንነት እዩ አብ መንጎ አይሁድን አረማውያንን ነዚ ክፈትሑ ሓዋርያት ቀዳማይ ጉባኤ አብ ኢየሩሳሌ አካይዶም። ብሓቂ ከቢድ ጉዳይ እዩ ሎሚ እውን እዚ ሕማም መሊኽዎም አብ መንጎ ሃገራት አህዛብ ዓለታት ህልቂትን ሞትን አብ መንጎ ሰባት ዘውርዱ አይተሳእኑን። አብ መንጎ ፍልልይ ጽልኢ እንተ ዘርኡ ዝተዓወቱ ይመስሎም እዚ ግን ሰይጣን ዝተዓወተሉ ሰብ ጥራሕ እዩ ዝገብሮ። እግዚአብሔር ዘይፈርሕ ሰባት ክፈላለዩ ክርኢ ደስ ዝብሎ ስለ ዝኾነ ኩሎም አመንቲ ክርስቶስ ካብ ልቦም ምሕዮም ከውጽእዎ ይግባእ። እዚ ርኩስ መንፈስ ዘልኦም አብ መንጎ ክርስትያን ክርከቡ ክሕወሱ አይግባእን። አብዚ ናይ አምላኽ ነገር እምበር ናይ ሰብ ነገር ከይመልከና ክንጥንቀቅ ይግባእ። ናይ እዚ ፈውሲ አምላኽ ብማዕረ ከምዝፈጠረና ሓዳ ካብ ሓደ ብዝኾነ ዝበልጸሉ የብሉን ኩልና ድቂ አምላኽ ብክርስቶስ ዝደሓና ኢና። ነዚ መንፈስ ከይነጥፍእ ክንጽሊ ይግብአና።

ሰብ ክቡር ፍጡር እዩ ክንብል ከሎና እምብአር አምላኽ እዩ ከምኡ ገሩ ፈጢርዎ እንተ ኾነ ነፍስወከፍ ነናትና ውህበታት አሎና፥ ውህበት አምላኽ ክፈላልየና ዘይኮነ አብ ነነድሕድና ምልአት ክህበና እዩ። ስለዚ ዝተፈላለየ ህያባት አሎና ግን አብ ሓደ ዓላማን መንፈስን ዘተኮረ እዩ። ኩሉ ኸአ ንአገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ዝዓለመ እዩ።

አብ ጽውጽዋይ አፍሪቃ ሓደ ትምህርቲ ዘለዎ ዝንገር አሎ። መልእኽቱ ኸአ አብ ሕብረተሰብ ዝነአሰ ዝዓበየ ነናቱ አበርክቶን ህያባትን ከም ዘለዎ ፈሊጢካ ንኹሉ ምኽባር ዝብል እዩ። እቶም ዘይጠቕሙ ዝመስሉ ክንደይ ጥቕሚ ከምዘለዎም ምፍላጥ የድሊ። ሓደ እዋን ብዙሓት ካብ አካላት ሰውነትና አንጻር ከብዲ ከጕሮምርሙ ጀሚሮም ይብሃል። ኢድ ናባይ ጥመቱ ንሓመድ እዅዕት አታኽልቲ እተክል፥ ዘራእቲ እኹስኩስ፥ መግቢ እቕርብ እዚ ኹሉ ዝግብሮ ንከብዲ ክመልእ እሞ አብ ቦቱኡ ኮይኑ ዝጽበየኒ እናበለ እዚ ቅኑዕ አይኮነን እናበለ ክሱ ቀሪቡ። እግሪ እውን ምስ እዚ ኢድ ዝበሎ እናተሰማምዐ አነ እውን ነዚ ከቢድ ከብዲ ተሰኪመ ምሉእ መዓልቲ ሒዘዮ ክንቀሳቐስ፥ መግቢ አብዘለዎ ክወስዶ፥ ማይ ክወስድ አብ ርባ ክወስዶ ኩሉ እንተ ረኤና ንአኡ ከገልግል ተዋሪደ እናበለ እዚ ግቡእ አይኮነን እናበለ ጥርዓኑ አቕሪቡ። ርእሲ እውን ክሱ ከቕርብ ጀሚሩ ንኹሉ ከቢድ ነገር ካብ ግራት ካብ ካልእ ቦታታት ተሰኪሙ ከምጽእ ከም ዝተዋረደ እዚ ኹሉ ኸአ ንከብዲ ንምምጋብ ምዃኑ እናበለ ክሱ አውሪዱ። ኩሎም ከብዲ ሓንቲ ከም ዘይሕግዝን ኩሉ ኸአ ንአኡ ከምዘገልግል ገሚቶም ንኹሉ ጠጠው ከብሉ ወሲኖም። ስለዚ ስራሕ አቋሪጾም ነቲ ሃካይ ከብዲ ክሳብ ሓልፍነት ዝለብስን ከምኩሎም አካላት ሰውነት መሰል ካልኦት ክሳብ ዘይሓለወ ኢሎም ካብ ምምጋቡ ደው ኢሎም።

ሓደ መዓልቲ ሓሊፉ ሓንቲ መግቢ ወይ ዝስተ ነገር አይሃብዎን ንከብዲ። ከብዲ ድምጺ ጥራሕ ይህብ ነሩ እቶም ካልኦት አካልት ከአ ብዓይኒ ጽልኢ እናጠመቱ ሕጂ ይርከባ እናበሉ የላግጹ ነሮም። አብ ካልአይ መዓልት ርእሲ እንጹሩር ይብለኒ አሎ ክብል ጀሚሩ፥ ብሳልሳይ መዓልቲ አእጋር ክደክም ጀሚሩ ደው ክብል ክጽግሞ ጀሚሩ። ኩሎም አካላት ከብዲ እውን አገልጉሎቱ ደው ስለ ዝበለ ኩሎም ብሓባር ክደኽሙ ጀሚሮም። ሓደ ነገር ዝተዓዘብዎ ንሶም ንከብዲ ክሕግዝዎ እንከለዉ ንሱ ኸአ ይሕግዞም ነሩ ንሳቶም ግን ነዚ ክርእይዎ አይከአሉን። ነፍስወከፍ አካል ጸገሙ ርእዩ አኸባ ጸዊዖም ካብቲ ገሮሞ ዝነበሩ ሾበሮ ደው አቢሎም ነስወከፍ ንከብዲ ብሓባር ክምግቡ ተሰማሚዖም ይብሃል።

መልእኽቲ ናይ እዚ ጽውጽዋይ አብ ማሕበር አብ መንጎ ህዝቢ ነፍስወከፍ ሰብ ነናቱ እጃም ዝጻወቶ አለዎ፥ ወላእውን እቶም ሓንቲ ዘይገብሩ ካልኦት ዝገበሩሎም ጥራሕ ዝጥቀሙ ዝመስሉ ንሶም እውን ዝጻወትዎ ተራ አሎ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ንሎሚ ዝተነበት ነዚ ዝመሳሰል ይነግረና።

አብ ሰውነት እቶም ዝደኸሙ ወይ ዝነአሱ ዝመስሉ ዝበለጸ አበርክቶ አልኦም። ዓይኒ ንኢድ አይደልየክን ክትብላ አይትኽእልን እያ፥ ርእሲ ድማ ነእጋር አይድልዮክምን ኪብሎም አይክእልን እዩ፥ እኳ ደአ እቶም ድኹማት ዝመስሉ አካላት ሰብነት እዮም አዝዮም ዜድልዩ። ነቲ አብ ሰውነት ዘሎ ሕሱር አካል ዚመስለና ኸአ ብፍሉይ ክብሪ ንከናኸኖ፥ ንኃፍረትናውን አዚና ብኽብሪ ንኽውሎ፥ እቲ ክቡር አካላትና ግን እዚ አየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ አካላት ነሓድሕዱ ኺፃወር እምበር አብቲ ሰውነት ምፍልላይ ምእንቲ ከይከውንሲ አምላኽ ነቲ ክብሪ ዝጎደሎ አካል ዚበዝኅ ክብሪ እናሃበ ነቲ ሰብነት አጋጠሞ፥ ሓደ አካል እንተ ተሳቐየ ኵሉ እቲ አካላት ምስኡ ይሳቐ፥ ሓደ አካል እንተ ኸበረ ኸአ ኵሉ እቲ አካላት ምስኡ ይሕጎስ (1ቆሮ 12፡22~25)።

አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ከምእንዕዘቦ ብዝመስል ድኻታት ንሃብታማት ይጽልእዎም እዮም ዝመስል እንተ ኾነ አብ ገለ እዋን ሃብታማት እዮም ንድኻታት ዝጸልኡ። ስለምንታይ እዮም ሃብታማት ድኻታት አብ ምህናጽ ሃገር አበርክቶ የብሎምን ኢሎም ዝጸልእዎም። አብዚ ሃገር ገለ ሰባት ስለምንታይ ድኻታት ካብ መንግስቲ ሓገዝ ዝውሃቡ ሓንቲ ቀረጽ ዘይከፍሉ እንከለዉ ብአንጻሩ እቶም ዝሰርሑ ቀረጽ ዝኸፍሉ ሓንቲ ዘይውሃቡ እናተባህለ ክስታት ይስማዕ። እንተኾነ ድኽነት ክርድአና ወይ ጸገም ክርድአና እቲ ጽጉም ዝረኽቦ ዘሎ ጸበባ ክንርዳእ እንተ ንሓስብ ዝበለጸ ነሩ። “አብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ” ከምዝብሃል ጸገም ሰባት ክርድአና አብቲ ንሶም ዝነብርዎ አቲና ክንርድኦም አሎና።

ሓደ ጊዜ ሓደ አቡን አብ ሰበኽኦም አዝዮም ዝፈትውዎ እሙን አገልጋሊ ነርዎም። እቲ ሰብ ፍሉይ ክእለት ስለ ዝነበሮ ዝኾነ ነገር ክግበር እንተ ኾነ ንሱ ክአትዎ አለዎ፥ ንሱ ጽቡቕ ገሩ ከምቲ አቡን ዝደልይዎ ገሩ ዝኽእል ፍሉይ ሰብ እዩ ነሩ። ሓደ መዓልቲ እቶም አቡን ሓደ ተወሳኺ ስራሕ ነቲ ሰብ ሂቦሞ። እዚ ሰብ ክጻወሮ አይከአለን፥ ጎይታና አነ ጥራሕ ድየ አብዚ ሰበኻ ዘሎኹ? ስለምንታይ እዩ ዝኾነ ስራሕ ንአይ ጥራሕ ዝውሃብ ገለ ሰባት አብ መንጎና ወላ ሓንቲ ዘይገብሩ አለዉ እናበለ አምሪሩ ተዛሪቡ። እቶም አቡን ከምዚ እናበሉ መሊሾምሉ፥ “ካብ ሕጂ ንድሓር ሓንቲ ከይትበሉኒ ዲኻ ትብለኒ ዘሎኻ” በልዎ። እቲ ሰብአይ ክብልዎ ዝደልዩ ቀልጢፉ ተረዲኡ። ነቲ ዘልኦ ክእልት ምስቶም ውሑድ ክእለት ዘልኦም ከወዳድር ከምዘይግብኦ አለልዩ። ካብኡ ንድሓር ምግሩምራም ሓዲጉ ዝተባህሎ ክገብር ጀሚሩ፥ አብ ኩሉ ስርሑ ሕጉስን ንጥቕሚ ኩሉ ከአ ክሰርሕ ጀሚሩ ይብሃል።

ነፍስወከፍና ብዓቅምና እነበርክቶ አሎና ምስ ካልኦት አወዳዲርና ዘይኮነ በቲ አምላኽ ዝሃበና ንቤተ ክርስትያን ንቤት አምላኽ ንማሕበር ነሕዋትና ክነገልግል ከሎና በረኸት እዩ ዝበዝሕ። ብዙሕ ግዜ አብ አገልግሎት አሕዋት፥ ቤተ ክርስትያን፥ ዝውፈዩ ብዙሓት አይኮኑን ግን ከምኡ ክኸውን አይግባእን። ነቲ ዘገልግል ክነኽብሮ ክነመስግኖ ይግባእ። ክንዲ ዘገልገለን ዝሓገዘን ከነዋርዶ ክንደፍሮ ክንሓምዮ ከሎና አብ ቅድሚ አምላኽ ዘሕትት ነገር ንገብር አሎና ማለት እዩ። ስለዚ ንዘገልግሉ ምኽባር አምላኽ ዝፈትዎ እዩ ከምኡ እቲ ዘገልግል ምእንቲ ክብሪ አምላኽ የገልግል።

ሓድነት አብ መንጎ ክርስትያን መሰረት እዩ ክርስቶስ ደጋጊሙ ምእንቲ ሓድነት ተኸተልቱ ጸልዩ፥ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከም ምእንቲ ሓድነት ገሩ ዝተጸለየሉ የለን። አብ ሃገራት አብ አብያተ ክርስትያናት አብ ኩሉ ሓድነት ክህሉ እንከሎ በረኸት ሰላም ፍቕሪ አሎ። አርእሰት  ሊቃነ ጳጳሳት ኩሎም አብ ዘመና ዘርከብናሎም ደጋጊሞም ምእንቲ ሓድነት ክርስትያን ክንጽሊ ክላበዉ ንሰምዕ። ስለዚ ኩሉ ጊዜ ምእንቲ ውህደት ደቂ ክርስቶስ ክንጽሊ ሓላፍነትና እዩ።

ንሓድነት አብ ቤትና ኢና እንጅምራ። አብ ነነድሕዳ ሓድነት ዘይብላ ስድራ ክትቀውም ከቢድ እዩ ስለዚ አብ ቤትና ዝተመሃርናዮ ዝረአናዮን ኢና ሒዝና እንዓቢ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ወለዲ ብቀዳምነት ውሉዳት ከአ ነኦም ስዒቦም ኩሉ ጊዜ ክሰርሑሉ ዝግባእ እዩ። ስድራቤት እንተ ዘይተሃንጸት ኩሉ ኮንቱ እዩ፥ ዓወት ሰላም አብ ቤት እዩ ዝጅምር። አብ ገዛና ዝተመሃርናዮ ኢና ምስ ሰባት እንራኸበሉ። ወለዲ ንደቆም ብንጹሕ መንፈስ ከዕብይዎም እንከለዉ ዓወት አሎ። ስለዚ ነዚ አብ ሕይወት ስድራና ከመሎ ኢልና ክንሓተሉ እንተ ኸአልና ክንሕደስ ክሕግዘና እዩ።  

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ እምብአር ክነስተንትኖ ዝሕግዘና ነቲ አምላኽ ዝሃበና ጸጋ አለሊና ንአገልግሎት አምላኽን አሕዋትን ክነውዕሎ ምእንቲ ሓድነት እመነት ክንጽሊ ከም ዝግብአና ክንዝክር። ነቶም ካባና ብዝኾነ ውሑድ ዓቕምን ውህበትን ዘልኦም ነፍስና አወዳዲርና ካብ አገልግሎት አሕዋት ከይንዝሕል ይነግረና። አብ ሰውነት ሰብ ሓደ ኻብ ሓደ ዝንእስ የለን፥ ከምኡ ከአ አብ ማሕበር ክርስቶስ ንእሽቶይ አይጠቅምን ዝብሃል የለን፥ ኩሉ ከም ዓቕሙ ንዕብየት ቤተ ክርስትያን ንስፍሓት ወንጌልን ክዓዪ ይግባእ። አምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዝተፈላለየ ህያባት ሂቡና እዩ። አብ ሕይወትና ክንጉዓዞ ዝግብአና ፍሉይ ሕይወት፥ ክንሰርሖ ዝግብአና ፍሉይ ዕዮ፥ ሂቡና አሎ። እምነትና አብቲ አምላኽ ዕለት ዕለት ዝህበና ጸጋ ገርና ሕይወትና ንምራሕ።

አብ ሓደ ልብን መንፈስን ሰሚርና መንፈስ ክርስቶስ ልዕሊ ኹሉ አንቢርና ጸሎት ክንገብር ክንቅደስ እሞ ንወንጌል ብሕይወትና ብርክብና ክንሰብኮ ሎሚ መብጽዓና ንሓድሶ። ነዚ ከኽእለና አምላኽ በዚ እንዕርጎ ዘሎና መዋዕቲ ቅዳሴ ንወሃቢ ኩሉ ጸጋታት አምላኽ ንለምኖ። ነዚ ኸአ የብቅዓና። 

ብሩኽ ሰንበት ይግበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 

 

 

 

05 February 2023, 10:51