ሲኖዶስ ባህላዊ መስርሕ ሜላንዥያ የረጋግጽ! ሊቀ ጳጳስ ታታማይ
ዜና ቫቲካን!
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ነዊሕ ምቅርራብ ትገብረሉ ዘላ ንወርሒ ጥቅምቲ ቀዳማይ መድረኽ ንምክያት ኣብ ምሽብሻብ እትርከበሉ ዘላ ዘሎና ወቅሪ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ጉባኤታት ኣብቲ ኣብ ሱቫ ሃገረ ፊጂ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኦሽያንያ፡ ሓደ ካብቲ ዝቕልቀል ዘሎ ናይ እዋንና መሪሕ ሓሳባት፡ ከምቲ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ማርክ ኮለሪጅ ካብ ብሪስበን ሃገረ ኣውስትራልያ ዝኣመነሉ፡ “ኣብ ክፍሊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ሕቶ ትምህርቲ ንባበ-መለኮት” እዩ።
ትማል ሓሙስ እዚ ጉባኤ ኣብ ዝገበሮ መደባት፡ ኣድላይነት “ፍሉይ ድምጺ ክፍሊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዓለምና ዝተወሃሃደ ቅኒት ምእንቲ ክህልዎ’ ዝብል ኮይኑ እዚ ውህደት ቅኒት እዚ ቀስ ብቐስ ይቕልቀል ከምዘሎ ገሊጾም። ብፁዕነቶም ኣስዕቦም “ኣብዚ ኽፋል ዓለም ዚርከብ ትምህርቲ ንባበ-መለኮት ካብቲ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዘሎ ኣብ እተፈልየ ሓቅታት ዝተመስረተ እዩ” ብምባል ገለጹ።
ነዚ ሓሳብ እዚ ንምስፋሕ ዚኣክል ብፁዕነቶም፡ እዚ ድምጺ እዚ ነቲ ዳርጋ ከም ሰደድ ዝተላእከ ምዕራባዊ ትምህርቲ ንባበ-መለኮት እውን ዘጠቓልል ምዃኑ፡ እንተኾነ ግን “ንተመኩሮ ህዝብታት ሰላማዊ ውቅያኖስ ፍትሒ ብዘውጽእ መንገዲ ክግበር ምኽንያት ከኣ ኣብ እምነት ዘተግብር ትምህርቲ ንባበ-መለኮታዊ ንምቋም” ከም ዘጠቓልል ኣመልከቱ።
ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ልቢ ዝኾኑ ሊቀ ጳጳስ ዘራቡል ሃገረ ፓፑዋ ጊኒ ብፁዕ አቡነ ሮኩስ ታታማይ፡ ምስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዝገለጽዎ፡ ኣብ መንበረ ሊቀ ጵጵስናኦም ብዛዕባ መስርሕ ሲኖዶስ ዘለዎም ርድኢት ኣቕሪቦም። ብተወሳኺ ገለ መዳያት ናይቲ ዘሎ ከይዲ እምነት ናይ ዓዶም ካብ ባህሊ ሜላንዥያ ዝመጹ መዳያት ተጠቒምካ ብኸመይ ክግለጽ ከም ዝኽእል እውን ንተመኲሮ እታ ደሴት ምቅባል ከምዘድሊ ስፍሕ ዝበለ ትንተና ኣቀሪቦም።
ናይ ደሴታት ተመኩሮ ምርድዳእ!
ብፁዕነቶም ኣብታ ደሴት ንምርድዳእ ዝተጠቅሙሉ ተመኲሮ ንምክፋል “እቲ [ሲኖዳላዊ] ተመኩሮ ብገለ መንገዲ ንናይ ገዛእ ርእስና ባህላዊ መስርሕ የረጋግጽለና። መላነዛውያን ከምቲ ንነብስና እንገልጾ ነበርቲ እተን ጸለምቲ ደሴታት ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ ምዕራብ ፓፑዋ ክሳብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ክሳብ ደሴታት ሰሎሞን፡ ቫኑዋቱ፡ ፊጂን ኒው ካሌዶንያን ኢና ንዛረብ" እንክብሉ ስፍሓት መሬትን ብዝሒ ባህልታትን ናይቲ ኣህጉራዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣውኪኦም። ዘረባኦም ብምቅጻል ከኣ ‘ምርድዳእ ማለት ኩሉ ሰብ ኣበርክቶኡ ክህብ ከሎ እዩ። እዚ ድማ እቲ ንሕና ንብሎ መንገዲ መላነዝያ እዩ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ዘረባ ንዘረባ ጽን ቢልካ ንምስማዕን ነዊሕ ግዜ ክወስድ ይኽእል ድሕሪኡ ግን ኣብ መወዳእታ፣ ውሳነ ክህሉ ግድን እዩ። ብገለ መንገዲ፡ እቲ ክንወስዶ ዘለና ውሳነ፡ ክንገብሮ ምዃንና ንፈልጥ ኢና ክንብል ንኽእል ኢና፡ ብገለ መንገዲ ግን ኩሉ ሰብ ክሳተፍ፡ ክዛረብ ንኽፈቅድ ነቲ መስርሕ ጥራይ ኢና እነፈቅድ እሞ እዚ ከኣ ቀንዲ ኣገባብ ኣሰራርሓ መላነዛውያን እዩ’ ድሕሪ ቢሎም ናትና ዝኾነ ሥነሓሳብ ድሕነት መላነዝያ ኣሎና’ ኢሎም።
መላነዝያዊ ኣምር ድሕነት!
ብፁዕነቶም ነዚ መላነዝያዊ ሥነሓሳብ ወይውን ኣምር ድሕነት እንክገልጹ "ነዚ ዘቅርቦ ኣስተንትኖ ብምሉኡ ብነጸብራቕ ካብ ሜላንዥያዊ ኣረኣእያ ዓለም እየ ዝቐርቦ ዘለኹ፡ ከምቲ ሓደ ኣባል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል መለኮታዊ ቃል ኣባ ኤንዮ ማንቶቫኒ ኣብ መንጎ ደሴታት መላነዝያ ዘቅረቦ መጽናዕቲ እዩ። ኣብ መንጎ መላነዛውያን፡ ኣብ ቦትኡ ዘለዉ ስርዓታት ክብርታት እንብሎ ኣለዉ፡ እዚ ድማ ብሓያል ቊምነገር ብዛዕባ ህይወት እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ላይፍ ወይውን ህይወት ክንብል እንከሎና ጽቡቕ መንባብሮን ድሕነትን እንብሎ እዩ። ብቋንቋ ናይቲ ከባቢ ዝኾነ ፒጅዮን ጉትፔላ ሲንዳውን ንብሎ። Gutpela sindaun ቃል ብቓሉ ሚዛንካ ሓሊኻ ኣብ ሚዛን ብግቡእ ኮፍ ኢልካ ኣለኻ ማለት እዩ። ንሱ ድማ እዩ እቲ ንሕና ንዛረበሉ ዘለና ኣብ ኣረኣእያ ዓለም ሜላኔዝያ ክንመጽእ ከለና፡ እቲ እንደልዮ ህይወት ሚዛኑ እዩ። እቲ ሚዛን ኣብ ቦትኡ ምስ ዝኸውን ድማ ኩሉ ኣብ ስኒት ይርከብ። ኩሉ ብጣዕሚ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ ማለት እዩ ወዘተ፣ በዚ ከኣ ኩሉ ኣብ በቦታኡ ሚዛኑ ሒዙ እንከሎ ናይ ርክብ መርበብ ክንፈጥር ንጽዕር’ ኢሎም።
መርበብ ርክባት!
ብዛዕባ እቲ ዝፈጥርዎ መርበብ ርክባት ንምብራህ ድማ “ማሕበረሰብ ሓደ ዓቢ ጉዳይ እዩ። ስለዚ፡ ህይወት ከምቲ ዘለዎ እንክህለወና ጉትፔላ ሲንዳውን ማለት፡ ጽቡቕ ምህላውን፡ ድሕነት እዩ። ስዒቡ ብማሕበረሰብ ይድገፍ። እቲ ሕብረተሰብ ድማ መርበብ ርክባት ወይውን ዝምድናታት ይፈጥር። እዚ ሕብረተሰብ’ዚ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ምስ ዝምድናታት ወይ ርክባት ደም፡ ስድራቤት ማለት ኣቦ፡ ኣደን ቆልዑን፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝግበር ርክብ ወይውን ዝምድና ኣለዎ። እዚ ኣብ ደም ዝተመስረተ ቀዳማይ ደረጃ ዝምድና እዩ። ንሳ ከኣ ስድራቤት እያ። ድሕሪኡ ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ ናይዚ ዝምድና ትኣቱ፡ እዚ ካልኣይ ደረጃ ዝምድና እዚ ብሓዳር ኣቢልካ ዝርከብ ሕምነትን ምሳኡ ዝሰፍሕን እዩ። ስለዚ፡ እቲ ንሓደ ሰብ ምስ ተመርዓኻ ዝፍጸም ሓዳር፡ ነቲ ውልቀሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሕብረተሰብካ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣሃዱ ስድራቤት ምዃን ናብ ሰፊሕ ስድራቤት ኣቲኻ ዝምድናኻ ንምስፋሕ ዝኣቱ ምሉእ ቀቢላ እዩ።...ካብ ስድራቤት፡ ክሳብ ሕምነት፡ ንዝፍጸም ከይዲ ነቶም ቅድሜና ዝኸዱ ኣቦታትና ትውከስ። ቀጺልና ድሕሪኦም ከኣ ምስ ከባቢኻ ዝግበር ርክብ ኣሎ። ኣብ ሜላንዥያ ድማ፡ ባዶ ቦታ፡ ወይ ባዶ ግዜ ዝበሃል የብልናን። ብርግጽ ቅዱስ ግዜን ቅዱስ ቦታን ዝብል ኣምር ኣሎና። እዚ ማለት ኣብ ገዛ ኣብ ዘለኻሉ እዋን ኣካል ስድራቤት ምዃንካ ትፈልጥ፡ ኣሕመትሙት ኣብ ቦታኻ ከምዘለዉኻ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ንህይወትካ ዝጸልዉ ዘለዉ ኣቦታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዕለታዊ ናብራ ናብ ሩባ ወሪድካስ ይኹን ዕንጨይቲ ክትኣሪ ናብ ዱር ዓሳ ክትገፍፍ ናብ ባሕሪ ወዘተ ኣብ ትፈጥሮ ዝምድንታት ዘሎ ተመኲሮ ይውሰኾ። ኩሉ ግዜ ኣብኡ ስለዘለኻ፡ ኣቓልቦ ደኣ ዘይትህቦ ኰይኑ እምበር ኣብኡ ኩሉ ግዜ ርክብ ኣሎ። ብፍላይ ግን በጻሕቲ ክኣትዉ ከለዉ፡ ወይ ጓኖት ምሳኻ ምስ ዝህልዉ፡ ንስኻ ከም ሰብ ዳርጋ ነዞም ሰባት እዚኦም ጓኖት ከም ዘይኮኑ ከትላልዮም ኣለካ። ኣካልካ እዮም። ከምኡ’ውን ኣብኡ ዘሎ ከባቢ – ቁጥቋጥ ይኹን፡ ጫካ፡ ገማግም ባሕሪ፡ ሩባ – መሓዙትና ምዃኖምን ምሳና ከም ዘለዉን ምዝካር የድሊ። ዳርጋ ዝኾነ ጉድኣት ክበጽሖም የብሉን! ኣካል ህይወትና እዮም! ንምባል እዩ።’ ምስ በሉ ኣብ ዘለኻ ኣለኻ ዘይተርፍ ወጥሪ ግን ኣካልና ዝኾነ ወጥሪ ስለዘሎ ንወጥሪኸ ብከመይ ትፈጥሕዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ኣቅሪቦም።
ወጥሪ ብኸመይ ይፍታሕ!
“ሕጂ ከም ስድራቤታት ምስ ኣቦታት፡ ምስ ኣሕሙ ከምኡ’ውን ምስ ከባቢ ኩሉ ግዜ ገለ ወጥሪ ከም ዝፍጠር ንፈልጥ ኢና፡ ወይ ውን ገለ ዝምድናታት ክሕርፍፉ ይኽእሉ ክንብል ንኽእል... ንኣብነት ሓደ ሰብ ክሓምም ከሎ፡ ‘እዚ ሰብ’ዚ እንታይ ኣጋጢምዎ?’ ዝብል ሕቶ ፈጺምካ ከም ዘይትሓትት እንታይ ደኣ ‘መን’ዩ እቲ ጠንቂ? ብማለት ከባቢ ድዩ ወይስ ኣቦታት! ኣብ ስድራቤት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ድዩ ብዝብል መወከሲ ንምግባር ዝቀርብ ሕቶ! ግርጭታት፡ ምፍልላይ ኣሎዶ? ቢልካ ትጅምር እሞ ኣብ ርእሲ ከኣ እዚ ጸገማት እዚ ክለዓል ከሎ፡ ዘይምዕሩይነት ምስ መጸ፡ ጎንጺ ከም ዝፍጠር፡ ከማኡ እውን ተቓውሞ፡ ሕማም፡ ሞት ኣሎ። ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምስ ዘጋጥም ኩሉ ግዜ ብሓባር ገለ ነገር ምግባር የድሊ፣ ንኹሉ ናብ ሚዛን፣ ናብ ሚዛን ክትመልሶ ምኽኣል የድሊ። እቲ ኩሉ ግዜ እንካ ሃባ ዝኾነ ምልውዋጥ ዕሴታ ንብሎኸስ ኣብዚ ሓጋዚ እዩ። ኣብዚ ናይ እንካ ሃባ ምልውዋጥ ዕሴታት ኩሉ ሰብ ኣካል ናይቲ ከይዲ ይኸውን፣ ነፍስወከፍ ሰብ ድማ ብማዕረ ክሳተፍ ኣለዎ ማለት እዩ። ብኣካልን ብተግባራውን መዳይ ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ስድራቤት፡ ወይ ክፋል ኣሕሙት፡ ወይ ክፋል ከባቢ፡ ወይ ክፋል ናይቶም ዝሓለፉ (ኣቦታትን ኣደታትን) እንተሃልየ፡ ሓደ ነገር ቅኑዕ እንተዘይኮይኑ፡ . ሽዑ ከም መተዓረቂ እቲ ቀንዲ በዓል ጉዳይ ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ ንበል ሓሰማ የቐምጥ። ማዕረ ማዕረኩ እቲ ካልእ በዓል ጉዳይ ናብ ዕርቂ ክኣቱ ናቱ ሓሰማ ከቐምጥ እንከሎ ናብ እንካን ሃባን ዝብል ምልውዋጥ ይእቶ። ነቶም ሓሰማታት ብማዕረ ክንለዋወጦም ከለና፡ ኣብ መወዳእታ ሚዛናዊ ዕርቂ ይመጽእ።’ እንክብሉ ነዚ ናይ እንካን ሃባን ምልውዋጥ በብድረጃኡ ኣብ ማሕበረሰብ እንክተበርኾ ብደርጃ መንፈሳውን ባህላውን ውርሻታት ኣብዚ ናይ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ጒዕዞ ወጥሪ ንምፍታሕ ሓጋዚ ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት ምስ ተፈጥሮ ምሳዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት መሬትና እውን ምትእስሳር ከምዘድልን ንቊጥባዊ ምዝመዛን ዓመጽን ወጊድ ቢልካ ከምቲ ባህሊ ማለንዛውያን ዝእዝዞ ሚዛን ተፈጥሮ እናሓሎኻ ንጻውዒት ላውዳቶ ሲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክፍታሕ ከምዝከኣል ብሰፊሑ ገሊጾም።