ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ደቡብ ሱዳን ናብ መካነ መቓብር ኣይትቀየር!

ንስኻትኩም መራሕቲ ከምቲ ዓይኒ ማይ ኢኻትኩም . . . ንህዝቦም ማይ ዘስትዩ። ንመላእ ህዝቢ እዛ ሃገር ንጹሕ ምንጪ ራህዋን ሰላምን ኮንኩም ህይወት ሕብረተሰብ ከተሐድሱ ትጽውዑ። . . . ንረብሓ ናይዚ ከተገልግልዎ ዝተጸዋዕኩም ህብዚ እንተሰሪሕኩም ታሪኽ ባዕሉ ክዝክረኩም እዩ . . .

ክቡር ርእሰ ብሔርን ምኽትል ርእሰ ብሔርን ክቡራት ኣባላት መንግስትን ልኡካነ መንግስታትን ሃይማኖታውን በርገሳውን በዓል መዚ፡ ክቡራት ወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን ክቡራትን ክቡራንን

ኣብዛ ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ሃገር ምርኻበይ ባህ የብለኒ። ክቡር ርእሰ ብሔር ስለቲ ሰናይ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም መልእኽትኩም አመስግነኩም። ነፍሲ ወከፍኩምን በኣኹም ኣቢለ ንኹሎም ኣብዛ መንእሰይን ፍቕርትን ሃገር ዝነብሩ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ምዉቕ ሰላምታይ አቕርብ። . . . ኣነ እውን ኣብዚ ንበይነይ ኣይኮንኩን ክበጽሓኩም ዝመጻኣኩ፡ ከመይሲ ከም ኣብ ህይወት ብሰላም ኩላትና ብሓባር ኢና እንጓዓዝ ስለዚ ምስ ክልተ ኣሕዋት መጺአ ኣስለኹ። ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ስለ እቲ ኣብ መልእኽቶም ዝበሉና ድማ አመስግኖም። ብሓባር ኣእዳውና ዘርጊሕና ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ መስፍን ሰላም ንዓኹምን ነዚ ህዝብን ሰላምታና ነቕርብ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

. . . ነዚ ናይ ሓባር ኵለንተናዊ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝሓሰብናዮ ናይዛ ሃገር ህዝቢ ድኽነትን ግጭትን ዘስዕቦ ስቓይ ካብ ምስማዕ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ መብጽዓ መስርሕ ሰላም ዘይተፈጸመ ስለ ዝመስል . . . ህዝቢ እዛ ሃገር ድማ ከምቲ ኣብ ሓመድ ተዘሪኡ ንተኽሊ ህይወት ዝህብ፡ ሰላም ክዕንብብን ክፈርን የፍቅድ . . ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እታ ሃገር ዝተዓደለቶ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ጸሓፍትን ኣብ ጥንቲ ብዛዕባ እቲ ከባቢ ዝበልዎ ጠቒሶም ብምድናቕ . . . ናይቲ በዚ ዝሓልፍ ምንጪ ናይቲ ነዊሕ ውሕጅ ዓይኒ ንምድላይ ዳህሰስቲ ዝበጽሕዋ ጥንታዊት ሃገር ሎሚ ሓድሽ ማይ ክትሰትይ ኣለዋ . . .

ንስኻትኩም መራሕቲ ከምቲ ዓይኒ ማይ ኢኻትኩም . . . ንህዝቦም ማይ ዘስትዩ። ንመላእ ህዝቢ እዛ ሃገር ንጹሕ ምንጪ ራህዋን ሰላምን ኮንኩም ህይወት ሕብረተሰብ ከተሐድሱ ትጽውዑ። . . . ንረብሓ ናይዚ ከተገልግልዎ ዝተጸዋዕኩም ህብዚ እንተሰሪሕኩም ታሪኽ ባዕሉ ክዝክረኩም እዩ . . . መጻኢ ወለዶ ወይ ኣስማትኩም ከኽብሩ እዮም ወይ ድማ ካብ ዝኽሮም ክሓክዅም እዮም። ከምቲ ውሕጂ መስርመሩ ሓዲጉ መስመር ሓጽብታት ዝኸፍት፡ መስርሕ ታሪኽ እውን ንጸላእቲ ሰላም ገዲፉ ነቶም ሓቀይና ገበርቲ ሰላም ዝኾኑ ዝና ከምጽኣሎም እዩ። . . .

ዓመጽ ንመስርሕ ታሪኽ ንድሕሪት ይመልሶ። . . . ውላድ ንወላዲኡ ዘይቀብረሉ . . . በንጻሩ ወለዲ ንውላድ ዝቐብሩሉ ኩነት . . . እዛ ምድሪ እዚኣ ናብ መካነ መቓብር ከይትልወጥ ሓደራ . . . ዳግማይ ምዕሩግ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ክትከውን መታን። . . .

ቅዱስነቶም ነዛ መንእሰይ ዝኾነት ሃገር - ዕለት 9 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ዝተወልደት . . . መጸውዕ ስማ ድማ ረፓብሊካዊት ዝብል ምዃኑን፥ እዚ ማለት ድማ ህዝባዊት ማለት እዩ እሞ ገዛእ ርእስኹም ናይ ህዝቢ ገርኩም ክትሓስቡ ምእንቲ ሓባራዊ ረብሓ ሓላፍነት ዘለዎም ኵኑ . . . ዕላማ ስልጣን ንናይ ሓባራዊ ረብሓ ምግልጋል እዩ! . . .

ክቡራት ኣዕሩኽ ካብ ቃላት ናብ ተግባር እንሰጋገረሉ እዋኑ እዩ። መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ሓድሽ ጅማሮ ይሓትት። . . . ነፍሲ ወከፍ ዜጋ በቲ ዝተበከለ ማያት ጽልኢ ቀቢላውነትን ኣውራጃውነት ብሔራዊ ፍልልያትን እናሰተኻ ምዃድ ደው ዝብልሉ ጊዜ ከም ዝበጽሔ ይርዳእ። ናብ መጻኢ ብሓባር ክንጓዓዝ ግዜኡ እዩ።

ካብ ኣረመናዊ ተገራጫውነት ናብ ባህሊ ኣገዳሲ ርክባት . . . ኣብ ምስግጋር መንእሰያት ወሳኒ ግደ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ክፉት ናይ ዘተ ቦታታት ክቐርበሎም ይግባእ። . . .

ከም ክርስቶስ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ንርአ ገዛእ ርእስና ትሕት ብዘበልና መጠን ንኻልኦት ቦታ ንህብ፥ ብዓሌታዊ ግጭታት ዝተገማማዐ መንእሰይ ታሪኽ እዛ ሃገር ምስጢር ርክብ ጸጋ ምሉእነት ክረክብ የድልዮ . . . ነቶም ህይወቶም እናሕልፉ ህይወት ዝዘርኡ ልኡካነ ወንጌል እሓስብ፡ ኣይረስዓዮም . . . ሓደ ዓብይ ሩባ ሓድሓደ ግዜ ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። . . . በዚ ዓይነት ሓደጋ ንዝተጐድኡ ህዝቢ እዛ ሃገር እዝክርን ቅርበተይ እውን አረጋግጸሎም። . . . ንፍጥረት ክንከናኸን ንመጻኢ ወለዶታት ክነኽብር ኣርሒቕካ ምርኣይ የድልየና . . . ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ መኽሰብ ዝፍጠር ምብራስ ኣግራብ ምቅላስ የድሊ።

. . . ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣገዳስነት ጥዑይ ፖለቲካን ምሕደራን ሕግን ኣዘኻኺሮም . . . ንምዕባለ ሃገረን ህዝብን ዘቕንዔ! ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ጽፍሕታት . . . ብፍላይ ናይ ትምህርትን ጥዕናን . . . ስለዚ እቲ ዘድሊ ኣጽዋር ዘይኮነስ መንእሰያት ቁልዕነቶም ካብቲ ኣጽዋር ሒዝካ ካብ ምዕባይ ተላቒቖም ብሰላም ክዓብዩ መታን ካብ ናይ ሞት ባህሊ ናጻ ክኾኑ እቲ ዓቢይ ወለዶ ናይ ሰላም መጋበርያ ክኸውን ኣለዎ።

. . . ገለ ገለ ካብቲ ዝበልክዎ ቀጥታዊ ክመስል ከም ዝኽእል ይርድኣኒ እዩ። እንተኾነ ግን በጃኹም እዚ ካብቲ ንህይወት ሃገርኩም ካብ ዘሎኒ ፍቕርን ሓይልዮትን ተለዓዒለ ከም ዝበልክዎ ተረድኡኒ . . ። ነዛ ምድሪ ዘፍቅር ጐይታ ሰማይ ሓድሽ ወቕቲ ሰላምን ራህዋን ይሃባ። እግዚኣብሔር ንሪፓብሊካዊት ደቡብ ሱዳን ይባርኽ እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 February 2023, 09:20