ብጹዕ ኣቡነ ቢዘቲ፥ ናይቲ ዘጋጠመ ርእሰ መሬት ዝለድዓለ ዋጋ ተዓደይቲ ድኻታት እያቶም!
ኣብ ቱርኪ ናይ ኣናቶሊያ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ቢዘቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ቱርክን ሶሪያን ዘጋጠመ ክልተ ኣዕናዊ ርእደ መሬት፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ምስ ሎ ሰርቫቶረ ሮማኖ ምስ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እንክገልጹ፥ “ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ድኻታት እያቶም ቢሎም፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቀንዲ መጸናንዒ ኮይኑ ዘሎ እምነት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ እቲ ዕለት 6 ለካቲት ዘጋጠመ ክልተ ኣዕናዊ ርእደ መሬተ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘሎ ኩነታት እናገደደ ይኸይ ምህላዉ ኣብ ቱርኪ ናይ ኣናቶልያ ሓዋርያዊ መስተናብር ብጹዕ ኣቡነ ፓውሎ ቢዘቲ ኣብቲ ከባቢ እውን ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ረድኤት ጨንፈር ሓላፊ ብምዃኖም፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሉ ከም ዘለዉ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክሕብሩ እንከለዉ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብርቱዕ ቁሪ ኣብ ዘለሉ ትሕቲ ዘሮ ኣብ ዝዕቀነሉ ዘሎ እዋን፡ ግዳም ሓደር ኮኑ እቶም ብርእደ መሬት ኣባይቶም ዝዓነዎም ከምኡ እውን ሓይሊ መብራህቲ ምብቑራጹን ምኽንያት ንኸቢድ ስቓይ ይቃልዑ ኣለዉ ቢሎም፥ እቲ ከባቢ ከቢድ ህጹጽ ኩነታት የጋጥሞ ከም ዘሎን እዚ ድማ ህዝቢ ንሓድሕዱ ክደጋገፍ የተባብዕ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ድኻታት ዝለዓለ ዋጋ ይኸፍሉ
ብጹዕ ኣቡነ ቢዘቲ ብዛዕባ ገለ ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝተሃስዩ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዘቕረብዎ ዝርዝር፥ “ብርግጽ እቶም ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም፡” እቲ ዝተጎድአ ከባቢ ብዙሓት ስደተይናታት ዝነብሩሉ ከም ዝኾነን ካብ ሶሪያን ኢራቕን ኢራንን ኣፍጋኒስታንን ዝመጹ ምዃኖም ሓቢሮም፥ ደቡባዊ ቱርኪ ካብ ዝ ተፈላለያ ሃገራት ካብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብዝሃደሙ ስደተይናታት ዝተመልአ እዩ፡” ስለዚ “እዚ ርእደ መሬት ንድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ልዕሊ መዓት ካልእ መዓት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢድ ፈጣሪ ኢና
ከም ወትሩ ኣብ ከምዚ ኩነት ናይ ምድንጋርን ናይ ምጥፋእን ስምዒት ክህሉ እንከሎ፡ እታ ዝነበረት ንእሽቶ ተስፋ ዝጠፈአት ትመስል። ይኹን እምበር ብካሪታስ ጨንፈር ቱርኪ ኣቢልና ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምሃብ ዝዓለመ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ነሳልጥ ኣሎና፡ ይኹን እምበር ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ምቁራጽ መራኸቢ መገድታትን ምፍራስን ሓገዝ ንምቕራብ ኣጸጋሚ ይገብሮ ኣሎ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ንኣምላኽ ምስጋና ይዅኖ እቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ናይ እምነት ሰብ ብምዃኑ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ናይ ምውካል ሓያል ስምዒት ኣሎ። ዕለት 6 ለካቲት ርእደ መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ ዕለት እውን ከይተረፈ ህዝቢ ክጽልን ኣብ ቅዱስ ቁርባን እውን ክሳተፍን ከም እተራእየን እዚ እውን ብሓቂ ዓቢ ዘጸናንዕ ተግባር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።