ድለ

ጳጳሳት መላእ ዓለም ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ኣሳዶ ይኹንኑ ጳጳሳት መላእ ዓለም ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ኣሳዶ ይኹንኑ 

ጳጳሳት መላእ ዓለም ኣብ ኒካራጓ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘይፍትሓዊ ኣሳዶ ይኹንኑ

ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ነቶም ኣብ ሃገሮም ኒካራጓ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክኽበር ዝሓቱ ካብ መንግስቲ ሃገሮም ኣሳዶን መከራን ንዘጋጥሞም ዘለዉ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶም ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ዕለት 12 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ፥ ኣብ ኒካራጓ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ዘመሓላለፎ ናይ ማእሰርቲ ፍርድን ምስጓግ ተቓወምትን ነቒፎም ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ንሓቅን ፍትሕን ልቦም ከፊቶም ኣብ ዘተ ክዋፈሩ ጻውዒ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ናይ ሃገረ ኒካራጓ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ልቦም ንሰላምን ቅንዕና ንምድላይን ክኽኸፍቱን ኣብ ዘተ ክዋፈሩን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ነዚ ጻውዒት እዚ ዘቕረቡ ኣብ ኒካራጓ ናይ ማንታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ  ንማእሰርቲ ምስ ተፈርዱን ካልኦት ኣንጻር መንግስቲ ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተኸሱ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካህናትን ገዳማውያንን ዝርከብዎም  ብጠቅላላ 222 ተቓወምቲ ካብ ሃገሮም ምስ ተሰጉ ምስ ተሓበሮም ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝኾነን፡ ቅዱስነቶም ነዚ ካብ ኑካራጓ ዝመጸ ሓበሬታ ዓቢ ሓዘን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ብዛዕባ እቶም 26 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርዶም “ኣዚየ ዘፍቅሮም ብጹዕ ኣቡነ ኣልቫረዝ ብዙሕ እሻቐል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ምእንታኦም ነቶም ካብ ሃገሮም ዝተሰጉን ከምኡ እውን ኣብታ ፍቕርቲ ሃገር ንዝሳቐዩ ዘለዎ ኩሎም ንጸልይ ቢሎም፡ በማላድነት ንጽህቲ ድንግል ማርያም ናብ ጐይታ ጸሎት ነቕርብ፥

ንጽሕቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ልቢ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ኩሎም ዜጋታትን ናበቲ ካብ ሓቂ ፍትሒ ናጽነትን ፍቕርን ዝውለድ ብትዕግስቲ ዝካየድ ዘተ ዝረጋገጽ ቅንዕና ንዘለዎ ድላይ ሰላም ትኽፈት!

ቢሎም ኵሎም ኣብቲ ጸሎት ዝተረኽቡ ብሓባር ሰላም ንዓኺ ጸሎት ክደግሙ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 Feb 2023, 16:21