ሲኖዶስ ማእከላይ ምብራቕ፥ መንእሰያት “ጸዓት ለውጢ እያቶም!”
ኣብቲ ዕለት 17 ለካቲት ኣብ ዝተዛዘመ ኣብ ኣህጉራዊ ሲኖዳዊ ባይቶ ንማኣከላይ ምብራቕ ዝተሳተፉ ወከልቲ መንእሰያት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ጦብላሕታኦም የካፍሉ። እዚ ኸኣ ብስም ጥራይ ዘይኮነስ ብሓቂ ብሓባር ንኽጓዓዙ ይጽውዑ፥”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብስም ጥራይ ዘይኮነ ብሓቂ ብሓባር ምጉዓዝ!
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ካብ ዒራቕ ዝመጹ መንእሰይ ሳፋ ኣል ኣቢያ ከም ወኪል መንእሰያት ካቶሊካውያን ዒራቕ፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ተስፋ ክገብሩ ከም ዘተባብዖምን ብፍላይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጉዕዞ ሱታፌ መንእሰያት ስም ጥራይ ዘይኮነስ ብሓቂ ጭቡጥ ኮይኑ ክቕጽል ተስፋ ዝሃቦም ምንባሩ እውን ኣመላኺቶም፥ እዚ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን እዚ መንእሰይ ምእመን ሓላፍነት ክስምዖ ዝድርኽ ምዃኑ የብርሁ።
መንእሰያት “ጸዓት ለውጢ እያቶም”
ካልእ ኣብቲ ኣብ በይሩት ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ማእከላይ ምብርቕ ዝተሳተፋ ኣብ ኣንጽዮኪያን ናይ ግሪክ ስርዓት ናይ እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባል መንእሰይ ሚራ ናኣመ፥ እቲ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ “ተመክሮ ዘብርህ ሓድሽ ኣረኣእያ ዘርህው” ምዃኑ ገሊጸን እቲ መፍትሕ ባእታ ናይቲ ጉባኤ “ብሓባር ምጉዓዝ” ዝብል እዩ፡ በቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ኣንፈት እዚ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ከም እተመሰጣ ሓቢረን ኩሉ ሰብ ክስዕቦ ዘለዎ ኣብነት እዩ ኢለን፣
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያናቶም ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ክሳተፉ ተላብየን፥ መንእሰያት ጸዓት ለውጢ እያቶም፡ ስለዚ ስለ እቲ ጽቡቕ ዝኾነ ዝኣምኑሉ እንተድኣ ዘይተቓለሱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብና ይኹን ኣብ ኣባይትና እውን ከይተረፈ ለውጢ ዘይሕሰብ እዩ፣ ስለዚህ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንሓቅን ንቕንዕናን ጠበቓታት እንተዘይኮኑ ጸዓት ለውጢ ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ብኣጽንዖት ይሕብራ።