ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ርእሰ አድባራት ወመንበረ ሊቀ ጵጵስና ዘበአሥመራ
“ኣዲኡ ድማ ነዙ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት”!(ሉቃ 2:51)
“ሰላም ለኪ ኦ ኪዳነ ምሕረት! እመ ኲሉ፣ ዐረቦነ መንግሥት ላዕሉ፣ ወያፈቅረኪ በተስፋ ይሄሉ”, ኦ ኣደ ኩሉ ዜኾንኪ ኪዳነ ምሕረት ሰላም ንኣኺ! ንስኺ ናይ ላዕላይ መንግሥቲ ዕርቡን/ዋሕስ ኢኺ እሞ ፍቅረኪ በለ ከኣ፣ ብተስፋ ይነብር (መልክዐ ኪዳነ ምሕረት)።
ኩልኹም ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ዚነገድኩም ክቡራትን ክቡራንን ፈተውቲ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት፣ እንሆ ሎሚ’ውን ነዚ ሕይወይቲ ኣደ ምሕረት ከነኽብር ኩሉ ገዲፍና፣ ኣብዙ ተኣኪብና ንርከብ ኣሎና። ካብ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚርና፣ ብዋዜማ፣ ብማኅሌት ብመስዋዕተ ቅዳሴ ብዑደት ነዛ ፍቅርቲ ኣዴናን ኣደ መድኃኒናን ኣኽቢርና ወዲስና ለሚንናያ’ውን። እንቋዕ ናብዙ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ብድኃነ ሰላም ኣብጽሓና። ልዑል እግዚኣብሔር ከኣ ንጸሎትናን፣ ድኻምናን ተቐቢሉ ንትሩፋትን ንቅድስናን ይግበረልና። ባዕላ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ድኻምና ርእያ፣ ካብ ፍቁር ወዳ ድልዩና ጸጋታት ተውህበና።
እዙ ክቡር መዓልቲ እዙ ዓመታዊ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምሕረት ክኸውን ከሎ፣ ዓሚቚ ትርጉም ከምለዎ ርጉጽ እዩ። ኣብ መጽሓፈ ስንክሳር ከምእንረኽቦ ኪዳነ ምሕረት ዚብል ናይ ኣዴና ማርያም መጸውዒ፣ ካብቲ ኣዴና ማርያም ንኢየሱስ ወዳ ብዛዕባና ምስ ተዛረበቶ ዚኣተወላ ቃል ዝብገስ እዩ። ሓደ መዓልቲ እኖና እግዜእትነ ማርያም ነቲ እተፍቅሮ ወዳ፣ “በቲ ንዓለም ሕይወት ዘምጽእ ሕማማትካን ስቕለትካን ሞትካን፣ ምእንቲ ትንሣኤኻን ዕርገትካን ኢልካ እንዶ ካብዝም ዚፈትዎም ባዕልኻ ከኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ተንጠልጢልካ ከሎኻ ብዮሓንስ ወዲ መዝሙርካ ጌርካ “እንሆ ወድኺ” ኢልካ ዚሃብካኒ ደቀይን ኣኅዋተይ ኣኃተይን ሓደ እኳ ከይጠፍእ፣ ወላ ሓደ እኳ ካባኻ ከይርሕቕ፣ ሓደ እኳ ንለዓለም ከይኩነን ቃል እተወለይ፣ ኪዳን ትኸለለይ። ንስመይ ዜጽውዕ በለ፣ ብስመይ ከኣ ሠናይ ግብሪ ዜገብር፣ ንዜሓኑ ጸናንዕ፣ ንዝጠመዩ ዚዕንግል፣ ንዝተጋገዩ ዜእርም፣ ንዝደንቆሩ ዜምህር፣ንዝዓረቑ ዚኸድን፣ ንዝጸምኡ ዝሑል ማይ ስቲ፣ ንዝበደልዎ ዝምሕር ሰብ ኩሉ ንለዓለም ከይጠፍእ፣ ባርያ ሰይጣን ኮይኑ ናብ ገሃነም እሳት ከይኩነን፣ ቃል እተወለይ” ምስ በለቶ፣ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ነታ ፍቅርቲ ወላዲቱ፣ “ንኣኺ ዘፍቀረ፣ ንብጻዩ ዚመሓረን፣ ስምኪ ዚጸውዐን፣ ብስምኪ ዝለመነ፣ ናባኺ ዚተማዕቆበ፣ ከቶ ከምይጠፍእ ኣረጋግጸኪ ኣሎኹ” ኢሉ ከምዝመሓለላን ኪዳን ከምዝተኸለላን እንዜክረሉ መዓልቲ እዩ። በዙ ከኣ እያ ኣዴና ማርያም ናይ ምሕረት ኪዳን ካብ ወዳ ስለዝተቐበለት ኪዳነ ምሕረት እናበልና ንጽውዓ። “ዘሕገ ልማዳ ምሕረት ለኲሉ ፍጥረት”፣ ንኩሉ ፍጡር ምሕረት ምግባር እዩ ልማዳ። በቲ ወዳ ዚኣተወላ ኪዳን ወትሩ ኣደ ምሕረት ኮይና ንረኽባ። ንኣኣ ዚጸወዐ፣ ናብኣ ዚጐየየ፣ ኣብኣ ዝተዓቚበ፣ ምሕረትን ድኅነትን ከምዝረክብ ርጉጽ እዩ። እዙ ካብ ወዳ ዝተቐበለቶ ኃላፍነትን ኃይልን እዩ።
ኣብዙ፣ በታ ሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ሓዋርያዊት ቤተክርስትያን ተሰሪዑልና፣ ብመንፈስ ሲኖዶሳውነት ምስ ኣዴና ማርያም ኃቢርና እንጐዓዘሉ ዘሎና ካልኣይ ዓመት፣ ነቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ ሓደ እንረኽቦ ጠቕሲ ቃል እግዙኣብሔር ኣዕሙቕ ኣቢልና ክንርእዮ ንፈትን። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰማይ ምስ ዓረገ “ሓዋርያት ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ-----ናብታ ከተማ ምስ ኣተው ከኣ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደርቢ ደየቡ። ንሳቶም ከኣ ጴጥሮስ፣ ዮሓንስ፣ ያዕቆብ፣ እንድርያስ፣ ፊልጶስ፣ ቶማስ፣ በርተለሜዎስ፣ ማቴዎስ፣ ያዕቆብ ወዲ እልፍዮስ፣ ስምዖን ቀናኢ፣ ይሁዳ ወዲ ያዕቆብ ነበሩ።እዚኣቶም ኩሎም ምስ ገሊአን ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ ኢየሱስን ምስ ኣኅዋቱን ኃቢሮም ጸሎት የውትሩ ነበሩ” (ግ.ሓ. 1:12-14)።
እቶም ቀዳሞት ተኸተልቲ መድኃኔ ዓለም፣ ንወላዲቱ ኣማእኪሎም እዮም ብጽሞናን ጸሎትን ጾምን ንምጽኣት ወይ ርደት መንፈስ ቅዱስ ዜተዳለዉ። መዝገበ ሃይማኖትና ከምዝብሎ፣ “ድሕሪ ዕርገት ወዳ ማርያም ‘ብጸሎታ ኣብ ምምሥራት ቤተክርስትያን ተሓጋገት። ኣብቲ ምስ ሓዋርያትን ካልኦት ብርክት ዜበላ ኣንስትን ብኅብረት ዜነበረቶ፣ ማርያም ኣብ ጸሎት ተጸሚዳ ድሮ ካብ ጊዛ ብሥራታ ኣጽሊልዋ ናይ ዜነበረ መንፈስ ቅዱስ ህያባት ከተማልድ ንርእያ” (መዝ.ሃይማ. ቊ. 965)። ሎሚ’ውን ምእንቲ ንነፍስ ወከፍናን ምእንቲ መላእ ቤተክርስትያንን እተማልድ ኣደ ኮይና ትቕጽል ላ።
ንሕናው ሎሚ፣ ምስኣን ብኣኣን ገቢርና ጥራይ ኢና፣ ብህያባት መንፈስ ቅዱስ ዝመልአትን ዝተመርሐትን ኃቢራ እትጐዓዝ ቤተክርስትያን ክንከውን ንኽእል። ከምቲ ሓዋርያት ምስ እግዚእትነ ማርያም ኮይኖም ብጾምን ብጸሎትን ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ተጸበዩ፣ ጸጋ እምነትን፣ ትብዓትን ዜተዓደሉ፣ ከምኡ ከኣ ንሕና ምስ ማርያም ኃቢርና ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ምስማዕን፣ ኣብ ጸሎትን ጽሞናን ክንጽመድ የድሊ። ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ ኣብ ምዕራፍ ክልተ መጀመርያ፣ ለይቲ ልደት እቶም ጓሶት ብመልኣኽ እግዙኣብሔር ብዜተዋህቦም ሓበሬታ መጺኦም ክሰግድሉ ምስ መጹ፣ “ማርያም ግና ነዙ ነገር እዙ ኲሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት” (ሉቃ 2:19) ይብል፣ ደጊሙ ከኣ ኢየሱስ ኣብ 12 ዓመቱ ንሠለስተ መዓልቲ ተሰዊሩዎም ቀንዩ፣ ደልዮም ኣብ ቤተመቕደስ ኣብ ማእከል ሊቃውንቲ ምስ ረኸብዎ፣ “ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዜሬት መጸ፣ ይእዝምውን ነበረ፣ ኣዲኡ ድማ ነዙ ኲሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት፣ ኢየሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን፣ ሰብን ብጥበብን ብቊመትን ብጸጋን ዓበየ” (ሉቃ 2:51-52) ይብለና። ሱቕታ ናይ ኣደና ማርያም ክንድሽሕ እዩ ዜዚረብ። ሱቕታኣ ጽን ዚብል ሱቕታ እዩ። ሱቕታ ኣዴና ማርያም ምስ እግዚኣብሔር ማኽር ሱቕታ እዩ። በንጻሩ ንኣና ብዙኅ ዘረባ ፍታሕ ምጽእ እዩ ዝመስለና። ብብዝሒ ረባና ንስማዕ ይመስለና። እዙ ግን ሓቂ ኣይኮነን፣ ተመክሮና’ውን ይምህረና እዩ።
ኣብዙ ክነስተውዕለሉ ሎና ዓብይ ጉዳይ ኣሎ። ማርያምን ዮሴፍን ከም ወለዲ ብኸመይ ዝበለ መንፈሳውነትን ጥበብን ንኢየሱስ ከምዕበዩዎ ይገልጸልና። ንሕናውን ከም ወለዲ፣ ከም መማህራን ትምህርተ ክርስቶስ፣ ከም ጓሶት ነፍሳት፣ ዝመጽእ ወለዶ ኣብ ምኹስኳስን ምህናጽን ዓብይ ተራ ከምሎና እዩ ረድኣና። ማርያም ኮነ ዮሴፍ ወዶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብጥበብን ብቊመትን ብጸጋን ክዓቢ ከምዝደለይዎ፣ ንሕናውን ሎሚ ንደቅና፣ ንመንእሰያትና እዙ ኢና ክንምነየሎምን ከነውርሶምን ዝግብኣና። ቆልዑትና መንእሰያትና ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ስድራቤት ይዓብዩ ኣለው? ብቀዳምነት እንምህሮምን እነውርሶምን ክብርታትከ ኣየኖት እዮም? ብሓፈሻ እዙ ሓዲስ ወለዶ ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋህው ይዓቢ ኣሎ? ንሕናኸ ከመይ ጌርና ንኲስኩሶ ኣሎና? ዜራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ እሞ ብዚዕባ እዙ ንርእስና ኣጸቢቕና ንሕተት። ከምቲ ኢሳይያስ ነቢይ ብዚዕባ እቲ ንዓለም ሓራ ከውጽእ ክመጽእ ዜነበሮ መሲሕ ዝበሎ፣ “ኣብ ልዕሊኡ መንፈስ እግዙኣብሔር ኪወርድ እዩ። መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፣ መንፈስ ምኽርን ኃይልን ኪህልዎ እዩ። ንእግዙኣብሔር ከኣ ኪፈልጦን ከኽብሮን እዩ። ንእኡ ብምእዛዝውን ኪሕጐስ ኣዩ። ንሱ ግዳማዊ መልክዕ ብምርኣይን፣ ኪብሉ ሰሚዐ ብምባልን ኣይኪፈርድን እዩ” (ኢሳ 11:2-3)። ሎሚ እነዕብዮም ሎና ውሉድከ ብፈሪሃ እግዙኣብሔርን፣ ብጥበብን፣ ብመንፈስ ኅውነትንዶ ይዓብዩ ኣለው?
እዙ ናይ ኢሳይያስ ትንቢት ብዚዕባ ክርስቶስ ጥራይ ይኮነ ብዚዕባ ነፍስ ወከፍ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዜተጠምቀ፣ ሜሮን ዜተቐበለ፣ ኣብ መኣዲ ሥጋኡን ደሙን ዜሳተፍ ተኸታሊ ክርስቶስ እውን እዩ ዘስምዕ። እዞም ኢሳይያስ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝጠቐሶም ህያባት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብምሥጢረ ሜሮን ንነፍስ ወከፍና ዝተዓደሉን ዝዕደሉን እዮም። ኣብዙ ዓለም ትርጉም ለዎ ሕይወት ንምንባር፣ ቅኑዕ ምርጫን ወሳኔን ንምግባር፣ ሕይወትካ ብፈሪሃ እግዚኣብሔር ንምምራሕ፣ ነፍስ ወከፍና “ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን፣ መንፈስ ምኽርን ኃይልን” የድልዮ ስለዝኾነ መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 7 ምሥጢራት ሰሪዑልና ኣሎ። ወለዲ፣ መማህራን፣ ጓሶት ነፍሳት ድማ ንሕጻናት ንቆልዑት ንመንእሰያት “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ሰብን ብጥበብን ብቁመትን ብጸጋን” ዓብዮም ንፉዓት ምእመናንን ንፉዓት ዜጋታትን ምእንቲ ክኾኑ ዘድሊ ጻዕሪ ክንገብር የድልየና።
ኣዴና ማርያም ንኩሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ዜነበረት ፍቓድ እግዙኣብሔር ፈሊጣ፣ ንወዳ ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ገቢራ ከትዕብዮን ክትምህሮን ስለዝደለየት እዩ። ከምቲ መጽሓፍ ምሳሌ፣ “ ኣስተንትኖ ክትሕልወካ፣ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቊበካ እያ”(ምሳ 2:11) ዝብሎ፣ ኣዴና ማርያም ከኣ ንኩሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ተስተንትኖን ትምርምሮን፣ ትጽልዮን ነበረት። በዙ ከኣ ኢና ኣብ ሊጣንያ ናይ ጸሎተ መቚጸርያ “ኦ መንበረ ጥበብ” እናበልና ክትሕግዘና ንልምና። ንሕናውን ከም እኖና እግዚእተነ ማርያም፣ ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ምስማዕን ምስትንታንን እንተተጸመድና ኢና ትርጉም ለዎ ክርስትያናዊ ሕይወት ክንነብር፣ ቊም ነገር ለዎ ስራሕ ክንገብር ንኽእል።
ቅዱስ ጳውሎስ እውን ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዜጸሓፎ ቀዳማይ መልእኽቱ፣ “ንኲሉ መርምርዎ፣ ነቲ ሠናይ ኃዝዎ” (1ተሰ 5:21) እዩ ዜብለና። ብዘኅ ጊዛ እዙ ጥበብ እዙ ስለዜጐድለና እዩ ንርእስና ኮነ ንደቅና ብዝግባእ ምምራሕ ንስእን። ትምህርቲ ወይ ኩስኮሳ ውሉድ፣ ብረባ ወይ ትእዚዜ ይኮነ ቅድሚ ኩሉ ብኣብነት እዩ ዝፍጸም። ብዙኅ ግዜ፣ “ናይ ሎሚ ቆልዑት፣ መዚኑኦም ዚብልዎን ዚገብርዎን እምበር ወለዶም ዝብልዎም ኣይሰምዑን እዮም” እናበልና ነማርር ኢና። እዙ ሓቅነት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ንሕናኸ ከም ወለዲ፣ ብሕይወትና፣ ብዘረባና፣ በከያይዳና እንታይ ኣብነት ነርእዮም ኣሎና? ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ እዩ።
ጉዕዞ ዓብይ ጾምን ሲኖዶስን ምስ ኣዴና ኪዳነ ምሕረት ክኸውን ከሎ እዩ መቐረትን ኣስላጦን ዚረክብ እሞ፣ ኣሰራ ተኸቲልና፣ ንቃል እግዚኣብሔር ሰሚዕና፣ ነስተንትኖ፣ ንስሓን ቊርባንን ንቀበል። ሽዑ ጾምናን፣ ጸሎትናን፣ ምጽዋትናን ኣዝዩ ዓሚቚ ትርጉም ክህልዎ እዩ። መዝሙር ናይዙ ቅዱስ ዘመን ከምዝብሎ፣ “ንጹም ጾመ ወናፍቅር ቢጸነ”፣ ጾም ንጹም ንብጻይና ከኣ ነፍቕር። ንዝጨነቖ ምርዳእ፣ ንዝበደለካ ምምሓር፣ ካብ ሓሜትን ፍርድን፣ ባእስን ምቚጣብ፣ እቲ ዝዓበየ ጾም እዩ። ዝተባረኸ ጾመ ኣርብዓ ይግበረልና፣ ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ብድኃነ ሰላም ይጸምብረና። ቡሩኽ በዓል ይግበረልና። ኣሜን።