ድለ

ኣብ ህንዲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣንጻር ስደትን ገበናትን ጽልእን ስጉምቲ ክውሰድ ይጠልብ ኣብ ህንዲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣንጻር ስደትን ገበናትን ጽልእን ስጉምቲ ክውሰድ ይጠልብ  (AFP or licensors)

ኣብ ህንዲ ማሕበረ ክርስቲያን ኣንጻር ስደትን ገበናትን ጽልእን ስጉምቲ ክውሰድ ይጠልብ

“መንግስቲ ኣውያትና ሰሚዑ ኣታውነት ኪገብርን ጸጥታን ድሕነትን ክርስቲያን ንምርግጋጽ ስጉምትታት ክወስድ ንደሊ”

ኣብ ህንዲ ካብ ዝተፈላለያ ቤተ እምነት ክርስትናን ክርስቲያን ትካላትን ዝመጹ ብብዙሓት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና መንግስቲ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝፍጸም ኣሳዶን ዓመጽን ክውገድ ዘኽእል ስጉምቲ ክወስድ ዝጠልብ ኣብ ኒውደልሂ ብጸሎት ዝተሰነየ ሰላማዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኣስታት 100 ኣቢያተ ክርስቲያንን ትካላትን ዝውክሉ ልዕሊ 15 ሺሕ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ዕለት 19 ለካቲት ኣብ ኒውደልሂ ኣብ ጥቓ ህንጻ ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ተራኺቦም ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ጸረ ክርስትና ዓመጽ ንምክልኻልን ፍርዳዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝሓተቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ብውዳሴን ኣምልኾን መዛሙርን ተሰንዮም፥ “ስደትን መከራን ብእምነት ንገጥሞ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ኵለ መዳያዊ መጥቓዕቲ ደው ይበል፡ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝፍጸም መጥቓዕቲ የቋርጽ” ዝብሉ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብቋንቋ ሂንዲን እንግሊዘይናን ሒዞም ከም ዝነበሩን ናይቲ መደብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣሰናዳእቲ፥ “ኣብ ህንዲ ብዙሓት ግዝኣታት ብሓይሊ ምብርካኽ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝፍጸም ጽልእን ዓመጽን መንግስትን ኣባይቲ ፍርድን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣቃልቦ ክህብሉን ነዚ ኣሳዶ እዚ ዝገትእን ዘወግድን ስጉምቲ ክውሰዱ ዝጽውዕ ምዃኑ ቅድሚ ክብል ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣቢያተ ክርስቲያናትን ክርስቲያንን መሰላት ተሓለቕቲ ጉጅለታትን

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናይ ደልሂ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ኣኒል ኩቶ ከም እተረኽቡን ብጹዕነቶም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “እቲ ብጸሎትን መዝሙርን ዝተሰነየ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሎዕሊ ህዝብና ዝወርድ ፍጻመታት ዓመጽ መስዳዕቲ ብዝብል ምስምስ ዝፍጸም ማእሰርትን ብቑልጡፍ ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስቲያን ተግባር ንምፍታሽን ፍራዳውን መንግስታውን ምትእትታው ንምሕታት” ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም፡ ወሃቢ ቃል ሕብረት ካቶሊካውያን ጉባኤ መላእ ህንዲ ጆን ዳያል ኣብ ኡታር ፕራደሽ ጥራይ ኣስታት 350 ክርስቲያን እምነት ብምንግባሮም ከምእተኣሰሩን ብኣማኢት ዝቑጸራ ክርስቲያን ዝኾሙኑ ቀቢላታት እውን ካብታ ኣብ ቻቲጋር ዝርከብ ቁሸቶም ከም እተሰጉ ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “መንግስቲ ኣውያትና ሰሚዑ ኣታውነት ኪገብርን ጸጥታን ድሕነትን ክርስቲያን ንምርግጋጽ ስጉምትታት ክወስድ ንደሊ” እንክብሉ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተኻይደሉ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ንብጾቶም ህንዳውያን፥ “ብርህራሄን ምትሕግጋዝን ነቲ ጸረ ክርስቲያን ተግባራት ደው ከብሉን ምስቶም ኣሕዋቶም ክርስቲያን ክሓብሩን ጻውዒት ነቕርብ - ኣብ መላእ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ዘሎ ውዱብ በደል እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኒውደልሂ ዝመደብሩ ኣብ ህንዲ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ዝፍጸም ግፍዒ ዝከታተል ሕብረት ጉባኤ ክርስቲያን እተሰምየ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርን እውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝሓበረን ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣብ ግዝኣት ችሃቲስጋርህ ጅሃርክሃን ድማድህያ ፓራደሽ ኡትራ ፓራደሽ ካርናታካን ካልኦት ቦታታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝገሃስን፡ እዚ ተግባር እዚ ብስሞምን ብዝመርሕዎ ጉጅለ ደው ክብል ጻውዒት ነቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ገሊጹ።

ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ

እቲ ብኣህጽሮተ ቃል ቢጂፒ ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ 1998 ዓ.ም. ናብ ስልጣን ደይብሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጀመረ ጸረ ክርስቲያን ዓመጽ ክሳብ ሎሚ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍጻመታት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያንን ካልኦት ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከም እተቓልዑን ዓመት መጸ ውሽጣዊ ጸጥታ ህንድን ሃገራዊ ሽማግለ ዛዕባ ውሁዳ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጉዳይ ዝከታተል ብወግዕ ልዕሊ ሚእቲ ብሃይማኖታዊ ድራኸ ዘለዎም ተግባራት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን ከም እተፈጸሙ ዘርዚሩ፡ እንተኾነ ግን ተዓዘብቲ ጭቡጥ ቁጽሪ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ክገልጹ እንከለዉ፡ ምኽንያቱ ኣስታት 10 ሚእታዊ ጥራይ እዩ እቲ ዝንገር” ከም ዝበሉን እዚ መጥቃዕትታት እዚ ኣብ ኣቢያተ ክርስትያን ገዳማትን ካልኦት ክርስቲያናዊ ትካላትን ምዝማት መጽሓፍ ቅዱስት ምንዳድን ናይ ክርስቲያን መቓብር ስፍራ ምርካስን ቅትለት ካህናትን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ልዕሊ መነኮሳት ዝፍጸም ጾታዊ መጥቓዕቲ ዘጠቓልል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 Feb 2023, 15:57